ድሕሪ ምንጻግ ዕቚባ ዘለዉ ካልኦት ኣማራጺታት
ነዚ ዓንቀጽ ኣካፍል
እንተድኣ ቤት-ጽሕፈት ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND) ንዘመልከትካዮ ዕቚባ ነጺግዎ፣ መንግስቲ ኔዘርላንድ ናብ መበቆል ሃገርካ ንኽትምለስ የገድደካ። መንግስቲ ካብ ማእከል መዕቆቢ ስደተኛታት ንኽትወጽእ ድማ ክሓተካ እዩ። ኣብ ኩሉ ኩነታት ከምኡ እኳ እንተዘይኮነ፣ ኣብ መወዳእታኡ ኣብ ጎደና ምሕዳር ክትወድቕ ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት ቆልዑት ንዘለዎም ስድራ-ቤታት ኩሉ ግዜ ኣብ መቐበሊ ማእከል ቦታ ይወሃቦም እዩ። ብዛዕባ መቐበሊ ማእከል ዝምልከት ኩነታትካ ኣብ VluchtelingenWerk (VWN) ንዝርከብ ኣማኻሪኻ ሕተት። ናብ መበቆል ሃገርካ ንምምላስ ክትተሓባበር ፍቓደኛ እንተድኣ ዘይኮንካ 2 ካልኦት ኣማራጺታት ኣለዉ፡
1. ኣብዚ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ምንባር
ኣብዚ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ምንባር ከቢድ እዩ። ብሕጋዊ መንገዲ ክትሰርሕ ኣይትኽእልን ኢኻ፣ ከምኡ እውን ክትነብረሉ እትኽእል ቦታ ክትረክብ ኣጸጋሚ እዩ። ኣብ ጎደና እትነብር እንተድኣ ኮይንካ፣ ንኣብነት ናብቲ ናይ ሰራዊት ድሕነት [Salvation Army] ናይ ለይቲ መዕቆቢ ክትከይድ ትኽእል ኢኻ፣ እንተኾነ ግን ሓደ ሓደ ግዜ እቲ መዕቆቢ ምሉእ እዩ።
ኩሉ ግዜ ፖሊስ ደው ኣቢሉ ክሓተካ፣ ክትእሰርን ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ክትኣቱን ስግኣት ኣለካ። ሽዕኡ እውን ገና ካብታ ሃገር ክትጥረዝ ትኽእል ኢኻ። ብዙሓት ሰነዳት ዘይብሎም ስደተኛታት ሕማቕ ኣተሓሕዛ የጋጥሞም እዩ። ሰባት ኣብ ገበናዊ ንጥፈታት ንኽትሳተፍ ከገድዱኻ ይኽእሉ እዮም፣ እዚ ድማ ንጸገማትካ ዘጋድድ ጥራይ እዩ።
ኣስተውዕል፡ ሰነድ ዘይብሉ ሰብ ከም ምዃንካ መጠን፣ ሕክምናዊ ኣድላይነት ዘለዎ ክንክን ጥዕና ኣብ ኔዘርላንድ ክትረክብ መሰል ኣለካ።
ኣብ ኔዘርላንድ መንበሪ ፍቓድ ንዘይብሎም ሰባት ዝዓለመ ዝያዳ ሓበሬታ ኣብዚ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ፡ www.basicrights.nl።
2. ካብ ኔዘርላንድ ወጻኢ ኣብ ካልእ ሃገር ምንባር
ብመንግስቲ ኔዘርላንድ ድሕሪ ምንጻግካ፣ ኣብ ካልእ ሃገር ክትሰፍር ትኽእል ምዃንካን ዘይምዃንካን ክትሓስብ ትኽእል ኢኻ። እዚ ይከኣል ድዩ ኣይከኣልን ድማ ኣብ ውልቃዊ ኩነታትካ ዝምርኮስ እዩ። ኣብታ እትኸደላ ሃገር ናይ ምንባር መሰል ክህልወካ ኣለዎ። VluchtelingenWerk Nederland ንጠበቓኻ ወይ ንኤምባሲ ናይታ ዝምልከታ ሃገር ብዛዕባ ዘለዉኻ ኣማራጺታት ክሓትት ይኽእል እዩ።
ብግዴታ ምምላስ
ዘመልከትካዮ ዕቚባ እንተድኣ ተነጺጉ፣ መንግስታዊ ትካል ኣገልግሎት ምምላስን ንቕሎን (DTundefinedV) ብዛዕባ ናብ መበቆል ሃገርካ ምብጋስ ብዝምልከት ክረኽበካ እዩ። እዚ ማለት ግን ብቕጽበት ካብ ኔዘርላንድ ክትወጽእ ኣለካ ማለት ኣይኮነን።
ጠበቓኻ ኣንጻር ውሳኔ ናይ ቤት-ጽሕፈት ኣገልግሎት ኢሚግረሽንን ዜግነትን (IND) ይግባይ እንተድኣ ኣቕሪቡ፣ መብዛሕትኡ ግዜ ዳኛ ውሳኔ ክሳብ ዝህብ ኣብ ኔዘርላንድ ኮይንካ ክትጽበይ ትኽእል ኢኻ። ብዛዕባ ኩነታት መጽለሊኻ ብዝምልከት ኣብ VluchtelingenWerk Nederland ምስ ዝርከብ ኣማኻሪኻ ኣረጋግጽ።
ኣስተውዕል፡ ብተበግሶኻ ባዕልኻ ክትምለስ እንተድኣ ዘይመሪጽካ፣ የግዳስ ብሓይሊ እንተድኣ ተጠሪዝካ፣ ካብ መንግስቲ ኔዘርላንድ ደገፍ ኣይትረክብን ኢኻ። VluchtelingenWerk Nederland (VWN) ኣብዚ ዝኾነ ጽልዋ የብሉን።