ዕቚባ ንምርካብ ቅድሚ ምምልካትካ ክትፈልጦ ዘለካ
እንተደኣ ስደተኛ ኮይንካ፣ ኣብ ኔዘርላንድስ ዑቕባ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። ዑቕባ ንምሕታት፣ ኣብ Ter Apel ክትምዝገብ ኣለካ። ድሕሪኡ ድማ ንምንታይ ናብ Dutch Immigration and Naturalization Service (IND) ተሰዲድካ ክትመጽእ ከምዝኸኣልካ መብርሂ ክትህብ ኣለካ።
በዚ ምኽንያታት ዑቕባ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ።
በዞም ዝስዕቡ ምኽንያታት ዑቕባ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ፥
ምኽንያቱ ብሰንኪ ዓሌትካ፡ ሃይማኖትካ፡ ብሄርካ፡ ፖለቲካዊ ኣረኣእያኻ ወይ ድማ ካብ ሓደ ኣድልዎ ዝግበረሉ ማሕበራዊ ጉጅለ ስለ ዝኾንካ ስደት ስለ ትፈርሕ።
ምኽንያቱ ኣብ መበቆል ሃገርካ ናይ ሞት መቕጻዕቲ፡ ስቅያት ወይ ካልእ ዓይነት ኢሰብኣዊ ኣተሓሕዛ ከጋጥመካ ዝኽእለሉ ሓደጋ ስለዘሎ።
ምኽንያቱ ኣብ መበቆል ሃገርካ ካብ ከም ኲናት ዝኣመሰለ ዕጥቃዊ ውግእ ግዳይ ዓመጽ ክትከውን ስለ ትፈርሕ።
እዞም ምኽንያታት ኣብቲ ኔዘርላንድ ዝፈረመቶ ኣህጉራዊ ውዕል ስደተኛታት ስምምዕ ዝተገብረሎም እዮም። እዚ ውዕል እዚ ስደተኛታት ብኸመይ ክተሓዙ ከም ዘለዎም ዝገልጽ እዩ።
ኣብ መስርሕ ዑቕባ እዘን ትካላት እዚኣተን ክትገጥማ ኢየን።
ቤት-ጽሕፈት ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን ኔዘርላንድ (IND):IND ኣካል ሚኒስትሪ ፍትሕን ጸጥታን ናይ ኔዘርላንድ እዩ። IND ኣብ ኔዘርላንድ ዑቕባ ክትረክብ መሰል ዘለካ ምዃኑን ዘይምኻኑን ይምርምር።
VluchtelingenWerk (VWN): ኣብ ኔዘርላንድ ንመሰል ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ዝጣበቕ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት እዩ። VWN ናጻ እዩ፣ ከምኡ እውን ን IND፣ COA ወይ መንግስቲ ኔዘርላንድ ኣይሰርሕን እዩ። ወለንተኛታት ናይ VWN ብዛዕባ ኣገባብ ዑቕባ ይገልጹን፣ እንተደሊኻ ድማ ክድግፉኻ ይኽእሉን። ምስ ካልኦት ውድባት ርክብ ኣብ ምግባር እውን ክሕግዙ ይኽእሉ እዮም። VWN ኣብ ኩሉ መዕቆቢ መሳለጥያታት ናይ ማእከላይ ኤጀንሲ ምቕባል ሓተትቲ ዑቕባ (COA) ይርከብ።
ማእከላይ ኤጀንሲ ኣቀባብላ ሓተቲ ዑቕባ (COA): COA ኣካል ሚኒስትሪ ፍትሕን ጸጥታን ኔዘርላንድ እዩ። ኣብ እዋን መስርሕ ዑቕባኹም፡ COA ኣብ ኔዘርላንድ ንዝህልወኩም መዕቆቢ ሓላፍነት ይወስድ። COA ኣብ ኔዘርላንድ ኣብ ዝርከቡ መዕቆቢታት ንዝርከቡ ሓተትቲ ዑቕባ መንበሪ፣ መግብን መምርሕን ይህብ።
ቦርድ ሕጋዊ ሓገዝ (RvR): RvR ኣብ እዋን መስርሕ ዑቕባኻ ጠበቓ ክህልወካ የሳልጥ። ንጠበቓ ክትከፍል ኣየድልየካን እዩ። RvR ካብ መንግስቲ ኔዘርላንድ ነጻ ኮይኑ እዩ ዝሰርሕ።
Nidos: ትሕቲ 18 ዓመት ኢኻ፣ ከምኡ እውን ኣብ ኔዘርላንድ ብወግዒ ዝኣልዩኻ ወለዲ ወይ ካልኦት ሰባት የብልካን። ከምኡ ኾይኑ ግና ብመሰረት ሕጊ ኔዘርላንድ ብወግዒ ሓደ ሰብ ክከናኸነካ ይግባእ። እዚ ድማ undefinedሞግዚትነትundefined ይበሃል። Stichting Nidos ኣብ ኔዘርላንድ ዝከናኸነካ ሰብ ክትረክብ ይገብር።
ክፍሊ ፖሊስ ወጻእተኛታት፣ መለለዪን ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባትን (AVIM): AVIM ክፍሊ ፖሊስ ኔዘርላንድ እዩ። AVIM መንነትካን ሰነዳትካን ይምርምር።
ወተሃደራዊ ፖሊስ ኔዘርላንድ (Royal Netherlands Marechaussee): ወተሃደራዊ ፖሊስ ኔዘርላንድ፣ ኣካል ወተሃደራዊ ሓይሊ ኔዘርላንድ እዩ። ወተሃደራዊ ፖሊስ ኔዘርላንድ ምስ AVIM ብሓባር ብምዃን መንነትካን ሰነዳትካን ይምርምር።
እዚ ኣብ መስርሕ ዑቕባ ካባኻ ትጽቢት ይግበር
ኣብ እዋን መስርሕ ዑቕባ፣ ንምንታይ ዑቕባ ትሓትት ከምዘለኻ ንቤት-ጽሕፈት ኢሚግረሽንን ዜግነትን (IND) ብመርትዖ ከተረድእ ኣለካ። ነዚ ድማ መርትዖታት ብምእካብ ኢኻ እትገብሮ፣ ንኣብነት ሰነዳትን ደብዳቤታትን። ምስ IND ኣብ እትገብሮ ቃለ-መሕትት ናይ ስደተኛ ታሪኽካ እውን ክትነግር ኢኻ።
ስለምንታይ ከም ዝሃደምካ ብዝምልከት ኩሉ ሓበሬታ ን IND ብንጹርን ምሉእ ብምሉእን ክትነግር ኣገዳሲ እዩ። VluchtelingenWerk Nederland ምስ IND ንዝግበር ቃለ-መሕትት ንምድላው ክሕግዘካ ይኽእል እዩ። IND፣ ብመሰረት እቲ እተቕርቦ ሰነዳትን ምስ IND ዝገበርካዮ ቃለ-መሕትታትን ዑቕባ ክትረክብ ምዃንካን ዘይምዃንካን ይውስን።
ኣብ Ter Apel ዑቕባ ትሓትት
ናብ ሆላንድ ብመሬት ኣቲኻ ዑቕባ ክትሓትት እንተደሊኻ ናብ ናብ ማእከል መመልከቲ (AC ) ኣብ Ter Apel። እዚ ቦታ እዚ ኣብ ኔዘርላን እቲ እንኮ ናይ ዑቕባ ሕቶኻ ክትጅምረሉ እትኽእል ቦታ እዩ። ኣብ ዝኾነ ቦታታት ኔዘርላን፡ ናብ Ter Apel ንምኻድ ካብ ፖሊስ ናይ ባቡር ወይ ኣውቶቡስ ትኬት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።