ኣርእስታት

show menu options
ትግርኛ (Tigrinya)



ሕግታት ገዛ ኣብ መቐበሊ ማእከል ናይ COA

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 10/3/2023 3:47 ድ.ቀ.

ማእከላይ ኣካል መቐበሊ ሓተትቲ ዕቚባ (COA) ኣብ ነፍስወከፍ መቐበሊ ማእከል ተፈጻምነት ዘለዎ ሕግታት ገዛ ኣለዎ። እንተድኣ ንሕጊ ገዛ ዘየኽበርካ፣ COA፡ - ንገለ ክፋል ናይ ሰሙናዊ ኣበልካ ክቆርጾ ይኽእል። - ናብ ጽኑዕ ስርዓት ዘለዎ መቐበሊ ማእከል ከሰጋግረካ ይኽእል። እዚ ከቢድ ጥሕሰት ኣብ ዝፍጸመሉ እዋን እዩ ዝግበር። - ገበናዊ ባህሪ እንተድኣ ኣጋጢሙ ድማ ፖሊስ ክጽውዕ ይኽእል።

ንሕግታት ገዛ እንተድኣ ዘየኽበርካ፣ COA ነዚ ዝስዕብ ክገብር ይኽእል፡

  • ንገለ ክፋል ናይቲ ሰሙናዊ ኣበልካ ይቖርጾ።

  • ናብ ጽኑዕ ስርዓት ዘለዎ መቐበሊ የሰጋግረካ። እዚ ዝኸውን ከቢድ ጥሕሰት ኣብ ዝፍጸመሉ እዋን እዩ።

  • ገበናዊ ባህሪ እንተድኣ ኣጋጢሙ ፖሊስ ይጽውዕ።

ኣብቲ መቐበሊ ቦታ ቀሪብካ ናይ ምሕባር ግዴታ ኣለካ

እንተወሓደ ኣብ ሰሙን ሓደ ግዜ ናብ COA ብምቕራብ ክትሕብር ኣለካ። እዚ ድማ ናይ ምሕባር ግዴታ ይበሃል። እዚ ሕጊ እዚ ኣብ ኩሎም ናይ COA ቦታታት ተፈጻምነት ዘለዎ እዩ። ብCOA ኣብ ዝተጠቕሰ ሰዓትን ቦታን ቀሪብካ ክትሕብር ኣለካ። ኣብቲ መቐበሊ ቦታኻ ብዛዕባ ዘሎ ናይ ምሕባር ግዴታ ሓበሬታ ክትረክብ ኢኻ። ቀሪብካ ንምሕባር ዘይትኽእለሉ ብቚዕ ምኽንያት ኣለካ ድዩ? ብዛዕባ እዚ ንሓደ ሰራሕተኛ ናይ COA ሓብር።

ኣብ መቐበሊ ማእከል ብዛዕባ ብሓባር ምንባር ዝምልከቱ ሕግታት ገዛ
ኣብ መቐበሊ ማእከል ብዛዕባ ምንባር ዝምልከቱ ሕግታት ገዛ
ኣብ መቐበሊ ማእከል ብዛዕባ ድሕነት ባርዕ ዝምልከት ሕግታት ገዛ
ኣብ መቐበሊ ማእከል ብዛዕባ ሓላፍነት ዝምልከቱ ሕግታት ገዛ