መባእታዊን ካልኣይ ደረጃን ቤት-ትምህርቲ
ኣብ ኔዘርላንድ ክሳብ 16 ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑት፣ ከምኡ እውን ሓደ ሓደ ግዜ ክሳብ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ትምህርቲ ንምክትታል ግዴታ ኣለዎም፡ ብዘይካ ናብ ቤት-ትምህርቲ ምኻድ ድማ ካልእ ኣማራጺ የብሎምን። እንተድኣ ሓሚሞም ጥራይ እዮም ካብ ቤት-ትምህርቲ ክቦዂሩ ዝኽእሉ። ንፍሉይ ኣጋጣሚታት (ከም በዓል ዒድ ኣል-ፈጥር) እውን ካብ ቤት-ትምህርቲ ንክቦዂሩ ዕረፍቲ ክሓቱ ይኽእሉ እዮም።
መባእታዊ ቤት-ትምህርቲ
ካብ 4 ክሳብ ከባቢ 12 ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑት ኣብ መባእታዊ ቤት-ትምህርቲ ይመሃሩ። እቲ መባእታዊ ቤት-ትምህርቲ ድማ 8 ክፍልታት ኣለዎ።
1ይን 2ይን ክፍሊ undefinedክፍሊታት መውዓሊ ሕጻናትundefined እዮም።
ካብ 3ይ ክፍሊ ጀሚሮም ሕጻናት ምንባብ፣ ምጽሓፍን ቁጽሪን ይመሃሩ።
ኣብ 8ይ ክፍሊ ኩሎም ተምሃሮ ናይ መወዳእታ ፈተና ክወስዱ ኣለዎም፤ እዚ undefinedCitoundefined ዝበሃል ፈተና እዩ። እቲ ውጽኢት ድማ ንኻልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ብዝምልከት ናይቲ ቆልዓ ዓቕሚ ግምት ይህብ። መምህር እቲ ቆልዓ ኣየናይ ካልኣይ ደረጃ ቤት-ትምህርቲ ክመሃር ከም ዘለዎ ምኽሪ ኣብ ዝህበሉ እዋን ድማ ንውጽኢት ፈተና undefinedCitoundefined ይጥቀም። እቲ ካልኣይ ደረጃ ቤት-ትምህርቲ ድማ ነዚ ምኽሪ ይቕበል።
መብዛሕትአን መባእታዊ ኣብያተ-ትምህርቲ፣ ነቲ ቋንቋ ገና ዘይፈልጡ ሕጻናት ዝኸውን ፍሉይ ክፍልታት ኣለወን። መብዛሕትኡ ግዜ ቆልዑት ነቲ ቋንቋ ንምምሃር መጀመርታ ናብ ከምዚ ዝኣመሰለ ፍሉይ ክፍሊ ይኸዱ። ብድሕሪኡ ድማ ናብ ክፍሊታት ይምደቡ።
መሳለጥያታትን መሰጋገሪ ክፍልታትን ንሓደስቲ ዝመጽኡ ሰባት
ናብ ኔዘርላንድ ሓደስቲ ዝመጽኡን ቋንቋ ኔዘርላንድ ዘይዛረቡን ቆልዑት፣ ቋንቋ ኔዘርላንድ ንምምሃር ኣብ ዝተወሰና ኣብያተ-ትምህርቲ ትምህርቲ ክከታተሉ ይኽእሉ እዮም። ብኸምዚ መንገዲ ድማ ኣብ መባእታዊ ወይ ካልኣይ ደረጃ ቤት-ትምህርቲ ንትምህርቲ ንምክትታል ክዳለዉ ይኽእሉ።
እቶም መሳለጥያታት ብመሰረት ዕድመ ናይቶም ቆልዑት ዝፈላለዩ እዮም፡
ክሳብ 12 ዓመት ንዝዕድሚኦም ቆልዑት ዝኾኑ ናይ ሓደስቲ ዝመጽኡ ሰባት መሳለጥያታት ኣሎ። እዚኣተን ፍሉያት ኣብያተ-ትምህርቲ ወይ ፍሉያት ክፍሊታት ዘለወን ስሩዓት መባእታዊ ኣብያተ-ትምህርቲ ክኾና ይኽእላ እየን። ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ናይ ውድብ LOWAN ሓፈሻዊ ትሕዝቶ ናይተን ነዚ ዘቕርባ ኣብያተ-ትምህርቲ ንምርካብ ይከኣል እዩ። ወለዲ ንደቆም ኣብዘን ኣብያተ-ትምህርቲ ክምዝግቡ ድማ ይኽእሉ እዮም።
ሓደስቲ ናብ ኔዘርላንድ ዝመጽኡ ልዕሊ 12 ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑት መብዛሕትኡ ግዜ መጀመርታ ቋንቋ ኔዘርላንድ ንምምሃር ኣብ ኣህጉራዊ መሰጋገሪ ክፍሊ (ISK) ትምህርቲ ይከታተሉ። ድሕሪ 1 ዓመት ኣቢሉ ድማ ናብ ካልኣይ ደረጃ ቤት-ትምህርቲ ናብ ስሩዕ ክፍሊ ይኸዱ።
ቆልዑት ቅድሚ 18 ዓመት ዕድሚኦም ናብ ስሩዕ ክፍሊ ንኽኣትዉ ኩሉ ግዜ ዝሰልጦም ኣይኮነን። ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ይዘልሉ፣ ከምኡ እውን መብዛሕትኡ ግዜ ብቐጥታ ኣብቲ ዝተሓተ ክፍሊ ናይ ማእከላይ ሞያዊ ትምህርቲ (mbo) ክመሃሩ ይኸዱ። ብድሕሪኡ ዲፕሎማኦም ኣብዚ ይረኽቡ።
ካልኣይ ደረጃ ቤት-ትምህርቲ
ቆልዑት ድሕሪ መባእታዊ ትምህርቲ፣ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ይመሃሩ።
ኣብ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ 4 ደረጃታት ኣለዉ፡
ግብራዊ ትምህርቲ፡ እዚ ደረጃ እዚ ንተማሃሮ ንስራሕ ወይ ንዝያዳ ትምህርቲ የዳልዎም። ኣብዚ ደረጃ ዘለዉ ተማሃሮ ውሑድ ናይ ክልሰ-ሓሳብ ትምህርቲ ይረኽቡ፣ የግዳስ ዝበዝሕ ግብራዊ ትምህርቲ እዮም ዝረኽቡ። ድሕሪ ግብራዊ ትምህርቲ፣ መብዛሕትኡ ግዜ ብቕጽበት ስራሕ ክትጅምር ትኽእል ኢኻ። ድሕሪ እዚ ደረጃ ላዕለዋይ ትምህርትኻ ክትቅጽል እውን ትኽእል ኢኻ።
መዳለዊ ማእከላይ ሞያዊ ትምህርቲ (VMBO)፡ እዚ ዲፕሎማ እዚ ናብ ማእከላይ ሞያዊ ትምህርቲ (MBO) ንኽትቕጽል የኽእለካ።
ላዕለዋይ ሓፈሻዊ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ (HAVO)፡ እዚ ዲፕሎማ እዚ ናብ ላዕለዋይ ሞያዊ ትምህርቲ (HBO) ንኽትቕጽል የኽእለካ።
መዳለዊ ኣካዳምያዊ ትምህርቲ (VWO)፡ እዚ ዲፕሎማ እዚ ናብ ዩኒቨርሲቲ ንኽትቕጽል የኽእለካ።
ፍሉይ ትምህርቲ
ኣብ ኔዘርላንድ ብዘይካ ስሩዕ ትምህርቲ፣ ንመባእታዊን ካልኣይን ደረጃ ትምህርቲ ዝኸውን ፍሉይ ትምህርቲ እውን ኣሎ። እዚ ፍሉይ ሞያዊ ደገፍ ንዘድልዮም ኣካላዊ ን/ወይ ኣእምሮኣዊ ድሩትነት ንዘለዎም ቆልዑት ዝዓለመ እዩ። ኣብኡ ድማ ዘድልዮም ተወሳኺ ደገፍ ይረኽቡ።
ንፍሉይ ትምህርቲ ምዝገባ ኩሉ ግዜ ብመንገዲ ስሩዕ ቤት-ትምህርቲ እዩ ዝካየድ። ኣብ ከባቢኻ ምስ ዝርከብ ቤት-ትምህርቲ ርክብ ግበር፣ ሽዕኡ ኣብ ስሩዕ ትምህርቲ ንምምዝጋብ ወይ ምናልባት ንፍሉይ ትምህርቲ ንምምጋብ ክሕግዙኻ እዮም።
ወጻኢታት መባእታዊን ካልኣይ ደረጃን ቤት-ትምህርቲ
መባእታዊን ካልኣይ ደረጃን ትምህርቲ ብመንግስቲ ዝኽፈሉ እዮም። ገለ ናይ ቤት-ትምህርቲ ናውቲን መጎዓዝያን ብዝምልከት ወለዲ ንውላዶም ክኸፍሉ ኣለዎም። ትሑት ኣታዊ ዘለዎም ወለዲ ሓደ ሓደ ግዜ ካብ ኣብያተ-ትምህርቲ ጎደሎ ዋጋ ይግበልሎም እዩ ወይ ድማ ክኸፍሉ የብሎምን።