ምንጪ፡ VluchtelingenWerk Nederland
ዓንቀጽ

ንምጥርናፍ ስድራ-ቤት (ዓንቀጽ 8 EVRM) ዝኾኑ ሰነዳት ምእካብን ከም ዝትርጎሙ ምግባርን

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 12/4/2025 4:37 ድ.ቀ.

ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ኣብ እተመልክተሉ እዋን ብዝተኻእለ መጠን ሓያሎ መረጋገጺ ሰነዳት ናብ IND ክትሰድድ ኣለካ። እዚኦም መንነት ኣባል ስድራ-ቤትካን፣ ኣብ መንጎኻን እቲ ኣባል ስድራ-ቤትካን ዘሎ ስድራ-ቤታዊ ዝምድናን ስድራ-ቤታዊ ህይወትን ዘረጋግጹ ሰነዳትን እዮም።

ናይ ዑቅባ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት (ዳግመ-ውህደት) ኣብ እተመልክተሉ እዋን ስድራ-ቤታዊ ዝምድና ዘርእዩ ሰነዳት ምርካብ

ምስ ኣባላት ስድራ-ቤትካ ስድራ-ቤታዊ ዝምድና ከም ዘለካ እውን ከተረጋግጽ ኣለካ። እዚ በዞም ዝስዕቡ ሰነዳት ክግበር ይከኣል፡

ንበዓልቲ-ቤትካ/በዓል-ቤትኪ ወይ ንመጻምድትኻ/ኺ፡

  • ቅዳሕ ናይ ሕጋዊ ምስክር ወረቐት መርዓ፣ ወይ ቅዳሕ ናይቲ ነዚ ቃል-ኪዳን ዘረጋግጽ ካልእ መርትዖ (ናይ ስድራ-ቤት ክብሪ መዝገብ)፣ ወይ፤

  • ቅዳሕ ናይ ሃይማኖታዊ/ባህላዊ ናይ ቃል-ኪዳን ምስክር ወረቐት፣ ነዚ ቃል-ኪዳን ዘረጋግጽ ካልእ መርትዖ (ናይ ስድራ-ቤት ክብሪ መዝገብ)፣ ወይ፤

  • እቲ ሃይማኖታዊ/ባህላዊ ሓዳር ኣብ መበቆል ሃገር መጻምድትኻ ከምዝተመዝገበ ዘርኢ ቅዳሕ መርትዖ (እዚ ዝከኣል እዚ ምዝገባ ኣብታ ዝተመርዓኻላ ሃገር ልሙድ ምስ ዝኸውን ጥራይ እዩ)፣ ወይ፤

  • ቅዳሕ ናይቲ ዝተመዝገበ ናይ ዕርክነት ምስክር ወረቐትካ። እዚ ብመንግስቲ ናይታ ዕርክነትኩም ዝተመዝገበላ ሃገር ክወጽእ ኣለዎ፣ ወይ፤

  • ርክብኩም ዘረጋግጽ ቅዳሕ መርትዖ፡ ከምኡ እውን፤

  • ምሉእ ብምሉእ ዝተዛዘመ ጥብቆ ‘ መሕተቲ (ሓዳር) መጻምድቲ ስዒቡ ዝመጽእ ጉዕዞ

    ’።

ንወላዲኻ(ወለድኻ)፡

  • ቅዳሕ ናይ ልደት ምስክር ወረቐትካ፣ ወይ ካልእ ምስ ወላዲኻ (ወለድኻ) ዘለካ ስድራ-ቤታዊ ዝምድና ዘረጋግጽ ሰነድ። ንኣብነት ናይ ስድራ-ቤት ክብረ-መዝገብ፤

  • ኣብ ኔዘርላንድ

    መን ምዃኑ ዘርኢ ቅዳሕ መርትዖ (ንኣብነት ኣብ
    ዝርከብ ኮንታክትፐርሶንካ)፤

  • ምሉእ ብምሉእ ተመሊኡ ዝተዛዘመን ዝተፈረመን ጥብቆ 'መመልከቲ መርመራ ዲ.ኤን.ኤ ንምጥርናፍ ስድራ-ቤት

    ።'

ንባህርያዊ ውላድካ (ደቅኻ)፡

  • ቅዳሕ ናይ ውላድካ ናይ ልደት ምስክር ወረቐት፣ ወይ ምስ ውላድካ ንዘለካ ስድራ-ቤታዊ ዝምድና ዘረጋግጽ ቅዳሕ ካልእ መርትዖ፤

  • ምሉእ ብምሉእ ተመሊኡ ዝተዛዘመ ጥብቆ 'መመልከቲ መርመራ ዲ.ኤን.ኤ ንምጥርናፍ ስድራ-ቤት

    '፤

  • ባህርያዊ ውላድካ 15 ዓመት ድዩ ዕድሚኡ? ስለዚ ምሉእ ብምሉእ ዝተመልአን በቲ ቆልዓ ዝተፈረመን ጥብቆ 'መግለጺ ኩነታት ሓዳር

    ' እውን ለኣኽ።

  • እቲ ካልእ ወላዲ ናይቲ ባህርያዊ ውላድካ ኣብ ወጻኢ ሃገር ድያ ትነብር? ስለዚ ውላድካ ናብ ኔዘርላንድ ንኽከይድ ፍቓድ ክትህብ ኣለዋ። ብዛዕባ እዚ ድማ እዚ ዝስዕብ የድልይ፡

ንተናባዪ ውላድካ (ደቅኻ) ወይ ካብ (ናይ ሓዳር መጻምድትኻ) ዝተወልደ ባህርያዊ ውላድካ (ደቅኻ)፡

  • ቅዳሕ ናይቲ ህጻን ናይ ልደት ምስክር ወረቐት ወይ ኣብ መንጎ እቲ ህጻንን ስጋዊ ወለዲ ናይቲ ህጻንን ዘሎ ስድራቤታዊ ዝምድና ዘርኢ ቅዳሕ ካልእ መርትዖ፤

  • ንመዕበይቲ ህጻናት፡ መንነት ናይቶም መዕበይቲ ውላድኩም ስጋዊ ወለዲ ዘርኢ ቅዳሕ መርትዖ፤

  • ንመዕበይቲ ህጻናት፡ ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ መዕበዪ ውላድካን ዘሎ ስድራቤታዊ ርክብ ዘርኢ ቅዳሕ መርትዖ፤

  • ምሉእ ብምሉእ ተመሊኡ ዝተዛዘመን ዝተፈረመን ጥብቆ 'መመልከቲ መርመራ ዲ.ኤን.ኤ ንምጥርናፍ ስድራ-ቤት

    ።'

  • ምሉእ ብምሉእ ተመሊኡ ዝተዛዘመ ጥብቆ ‘ ዝርዝር ሕቶታት ስድራ-ቤታዊ ዝምድና ምስ ቆልዓ

    ’።

  • እቲ ቆልዓ 15 ዓመት ድዩ ዕድሚኡ? ስለዚ ምሉእ ብምሉእ ዝተመልአን በቲ ቆልዓ ዝተፈረመን ጥብቆ 'መግለጺ ኩነታት ሓዳር

    ' እውን ምስኡ ለኣኽ።

  • እታ ካልእ ወላዲት ናይቲ ባህርያዊ ውላድ ኣብ ወጻኢ ሃገር ድያ ትነብር? ስለዚ እቲ ቆልዓ ናብ ኔዘርላንድ ንክኸይድ ፍቓድ ክትህብ ኣለዋ። ብዛዕባ እዚ ድማ እዚ ዝስዕብ የድልይ፡

  • ናይቲ እትናብዮ ውላድካ ባህርያዊ ወለዲ ሞይቶም ድዮም? ስለዚ ነዚ ዝስዕብ እውን ወስኸሉ፡

    • ቅዳሕ ናይቲ እትናብዮ ውላድካ ባህርያዊ ወለዲ ናይ ሞት ምስክር ወረቐት ።

    • ናይቲ ተናባዪ ውላድካ ሞግዚት ምዃንካ ዘርኢ ቅዳሕ መርትዖ።

ብዛዕባ እቶም ምስ መመልከቲኻ ክትሰዶም ዘለካ (ቅዳሓት) ሰነዳት፣ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ናይ IND እውን ሓበሬታ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ኣስተውዕል፡ ስለዚ መጀመርታ ምስ መመልከቲኻ ከተቕርቦም ናይ ዘለካ ኩሉ ሰነዳት ቅዳሕ ጥራይ ኢኻ ክትሰድድ ዘለካ። ኦርጅናል ኣይትስደድ። IND ድሒሩ ነቲ ኦርጅናል ሰነዳት ንኽትልእኽ ክሓተካ እዩ፣ ብዘይካ ፓስፖርት ወይ ካልእ መለለዪ መንነት ናይ ኣባላት ስድራ-ቤትካ።

ነቶም ሰነዳት ናብ ቋንቋ ኔዘርላንድ፣ እንግሊዝ፣ ፈረንሳ ወይ ጀርመን ኣተርጉሞም

ኩሉም እተቕርቦም ሰነዳት ብቋንቋ ኔዘርላንድ፣ እንግሊዝ፣ ጀርመን፣ ወይ ፈረንሳ ዝተጻሕፉ ክኾኑ ኣለዎም። እቶም ሰነዳት ብኻልእ ቋንቋ ዝተጻሕፉ እንተድኣ ኮይኖም፣

ከተተርጒሞም ኣለካ። እቶም ክትመርጾም እትኽእል ተርጎምቲ ድማ ኣብ መዝገብ ቃለ-ማሕላ ዝፈጸሙ ኣተርጎምትን ተርጎምትን (Rbtv) ክትረኽቦም ትኽእል ኢኻ። ኣብዚ መዝገብ ተርጎምቲ፣ ብቋንቋታት ኔዘርላንድን እንግሊዝን ክትደልይ ትኽእል ኢኻ።

'መዝገብ ቃለ-ማሕላ ዝፈጸሙ ኣተርጎምትን ተርጎምትን (RBTV)'

ሰነዳትካ ክትርጉመልካ ዝኽእል ተርጓሚ ድለይ። ሰነድካ ካብ ኣየናይ ቋንቋ ናብ ቋንቋ ኔዘርላንድ ክትርጎም ከም እትደልይ ድማ ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ። ከምኡ እውን ኣብ ጥቓኻ ዝርከብ ተርጓሚ ክትደልይ ትኽእል ኢኻ። ስም፣ ኢ-መይልን፣ ቁጽሪ ተሌፎንን ናይቶም ክትረኽቦም እትኽእል ተርጎምቲ ክትዕዘብ ኢኻ። መጀመርታ እቶም ትርጉማት ክንደይ ዋጋ ከም ዝሓቱ ነቲ ተርጓሚ ምሕታት ሓጋዚ እዩ፣ ብኸምዚ ድማ ክንደይ ክትከፍል ከምዘለካ ኣብ ግምት ከተእትው ትኽእል።

ኣስተውዕል፡ እቶም ሰነዳት ኣብ ኔዘርላንድ ቃለ-ማሕላ ብዝፈጸመ ተርጓሚ ክተርጎሙ ኣለዎም። ስለዚ ካብ ወጻኢ ሃገር ዝመጽእ ትርጉም ቅቡል ኣይኮነን።


እዚ ሓበሬታ እዚ ሓጊዙካ' ዶ?


ኣብዚ መድረኽ እትረኽቦ ሓበሬታ ካብ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት VluchtelingenWerk Nederland ዝመጸ ኮይኑ፣ ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር እዩ።
ምስ Contentful ብምትሕብባር