• ጀምር
  • ካብ ዩክሬን ዝሃደምካ ምስ እትኸውን ናይ ስራሕ ውዕል ምፍራም
ሓንቲ ሰበይቲ ውዕል ተንብብ
ምንጪ፡ Karolina Grabowska

ካብ ዩክሬን ዝሃደምካ ምስ እትኸውን ናይ ስራሕ ውዕል ምፍራም

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 4/4/2024 8:41 ቅ.ቀ.
ነዚ ዓንቀጽ ኣካፍል

ስራሕ ምስ ረኸብካ፣ ናይ ስራሕ ውዕል ትፍርም። እዚ ምስ ኣስራሒኻ ዝህልወካ ብርክት ዝበሉ ስምምዓት ዝሓዘ እዩ። ንስኻን ኣስራሒኻን ብርክት ዝበሉ መሰላትን ግዴታታትን ከተኽብሩ እውን ኣለኩም። ብዛዕባ እቶም ምስ ኣስራሒኻ እትገብሮም ኣዝዮም ኣገደስቲ ስምምዓት ኣብዚ ኣንብብ።

ንሓድሽ ስራሕ ውዕልካ ምፍራም

ኣብ ኔዘርላንድ ስራሕ ኣብ እትጅምረሉ እዋን ውዕል ትፍርም። ውዕል ቅድሚ ምውዳድካ ድማ ብዛዕባ ኣገደስቲ ኣርእስታት ስምምዓት ንምግባር ምስ ኣስራሒኻ ትዘራረብ። ንኣብነት ብዛዕባ እዞም ዝስዕቡ ስምምዓት ትገብር፡

  • ክንደይ ኣታዊ ክትረክብ ምዃንካ

  • ክንደይ ሰዓታት ክትሰርሕ ምዃንካ

  • ኣብ ኣየኖት መዓልታት ክትሰርሕ ምዃንካ

  • ክንደይ ናይ ዕረፍቲ መዓልታት ክህልወካ ምኻኑ

ኣብቲ ኣገዳሲ ጉዳያት እንተድኣ ተሰማሚዕኩም ድማ ውዕል ትፍርሙ። ኩሎም ቅድመ-ኩነታት ዕዮ ኣብ ውዕልካ ይቕመጡ። ብተወሳኺ ኣብ ትሕቲ ዝተወሰኑ ኩነታት፣ ከም በዓል ናይ ወሊድ ዕረፍቲ፣ ናይ ወለዲ ዕረፍቲን ናይ ክንክን ዕረፍቲን ዝኣመሰሉ ዝኽፈሎ ዕረፍቲ ክትረክብ መሰል ኣለካ።

ሕግታት ብዛዕባ ደሞዝን ጥቕምታትን

ደሞዝ ዝኽፈሎ ሰራሕተኛ ከም ምዃንካ መጠን ዝተወሰነ መሰላት ኣለካ። እቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝኾነ መሰል ድማ መሰል ዝተሓተ ገደብ-ደሞዝ እዩ። እዚ ንእትሰርሖ ስራሕ እንተወሓደ ክትረኽቦ ዝግበኣካ መጠን ገንዘብ እዩ፣ ከምኡ እውን ኣብ ሕጊ ተደንጊጉ ኣሎ።

እቲ ዝተሓተ ደሞዝ ብዕድመ ይፈላለ እዩ። ብዕድመ ብዝዓበኻ መጠን እቲ ዝተሓተ ደሞዝ ዝለዓለ ይኸውን። ካብ 21 ዓመት ዕድመ ጀሚሩ እቲ ዝተሓተ ደሞዝ ቀዋሚ መጠን ዘለዎ እዩ። ካብቲ ዝተሓተ ደሞዝ ዝውሕድ ትረክብ ከይትኸውን ድማ ኣገዳሲ እዩ።

ብተወሳኺ ኩሉ ግዜ ንደሞዝካ ብዝምልከት ክትመያየጥ ትኽእል ኢኻ። ደሞዝካ ኣዝዩ ትሑት ከም ዘይኮነን፣ ካብ ካልኦት ተመሳሳሊ ስራሕ ዝሰርሑ ሰባት ዝወሓደ ኣታዊ ከም ዘይትረክብን ድማ ኣረጋግጽ።

ንካሕሳ ወጻኢታት መጎዓዝያ ዝምልከቱ ሕግታት

ካብን ናብን ስራሕ ዝግበር ናይ መጓዓዝያ ወጻኢታት ክቡር ክኸውን ይኽእል እዩ። ኣስራሒኻ ናይ መጓዓዝያ ኣበል ክህበካ ይኽእል እዩ። እዚ ድማ ካሕሳ ናይቲ ናብ ስራሕ ንምኻድ እትገብሮ ወጻኢታት እዩ።

ብውልቃዊ መጓዓዝያ፣ ብናይ ሓባር መኪና ወይ ብህዝባዊ መጓዓዝያ እትጓዓዝ ምስ እትኸውን፣ ሓደ ኣስራሒ ብዛዕብኡ ግብሪ ከይከፈለ ብሕጊ ዝተወሰነ ዝለዓለ-ገደብ ገንዘብ ክኽሕስ ይኽእል እዩ። ኣስራሒኻ ካብዚ ዝለዓለ-ገደብ ገንዘብ ዝበዝሕ ምስ ዝኽሕሰኻ፣ ካብዚ ገደብ ንላዕሊ እትረኽቦ ኹሉ ገንዘብ ከም ደሞዝ እዩ ዝቑጸር። ስለዚ ድማ ልክዕ ከምቲ ዝተረፈ ደሞዝካ ግብሪ ይኽፈለሉ እዩ።

ብህዝባዊ መጓዓዝያ ኣብ ዝግበር ጒዕዞ፣ ኣስራሒ ነቲ ዝተገብረ ናይ መጓዓዝያ ወጻኢታት ካብ ግብሪ ነጻ ዝኾነ ካሕሳ ንክህብ እውን ክመርጽ ይኽእል እዩ። እዚ ማለት ድማ እቲ ኣስራሒ ንኣብነት ምሉእ ዋጋ ናይ ባቡር ትኬትካ ወይ ናይ ህዝባዊ መጓዓዝያ ውዕልካ ይኸፍል ማለት እዩ።

ምስ ኣስራሒኻ ስምምዓት ግበር

ኣስራሒኻ ንወጻኢታት ህዝባዊ መጓዓዝያ ብኸመይ መሕወይ ክፍሊት ከም ዝህብ እንተድኣ ዘይፈሊጥካ፣ ብዛዕባ እዚ ኣብ ውዕልካ ኣቐዲምካ ክትሰማማዕ ጽቡቕ ሓሳብ እዩ።

ትሕቲ 18 ዓመት እንተኾንካ ንምስራሕ ዝምልከቱ ሕግታት

ትሕቲ 18 ዓመት እንተኾንካ ንስራሕ ዝምልከቱ ፍሉያት ሕግታት ኣለዉ። እዚ ኣብ ኔዘርላንድ ከም ስደተኛ ትቕመጥ ምስ እትኸውን እውን ይምልከት። ምኽንያቱ ኩሎም ኣብ ኔዘርላንድ ዝርከቡ ካብ 5 ክሳብ 16 ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑት ንኽመሃሩ ግዴታ ስለዘለዎም እዩ። ቆልዑት ገና ናይ ካልኣይ ደረጃ ዲፕሎማ ዘይብሎም ምስዝኾኑ ድማ ክሳብ 18 ዓመት ዝመልኡ ንኽመሃሩ ግዴታ ኣለዎም። እዚ ድማ ክንደይ ሰዓታትን እንታይ ዓይነት ስራሕን ክትሰርሕ ከም ዝፍቀደልካ ሳዕቤን ኣለዎ።

እንታይ ከተቕልበሉ ከም ዘለካ ኣብዚ ኣንብብ።

16ን 17ን ዓመት ዕድመ
13 ክሳብ 16 ዓመት ዕድመ
18 ዓመትን ልዕሊኡን ዕድሚኦም

ኣብ እዋን ውዕልካ ሓገዝ

ንሕጋዊ ሕቶታት ብዝምልከትን፣ ከምኡ እውን ብዛዕባ ውዕላት ዕዮ ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብን ምስ

ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
'Het Juridisch Loket'
ርክብ ክትገብር ትኽእል ኢኻ። ምስ በዓል-ሞያ ሕጊ ንምዝርራብ ድማ ብነጻ ናብ (0800) 80 20 ደውል። 'Het Juridisch Loket' ካብ ሰኑይ ክሳብ ዓርቢ ካብ ሰዓት 09፡00 ክሳብ 17፡00 ንምርካቡ ይከኣል እዩ።

እዚ ዓንቀጽ ሓጊዙካ' ዶ?