ኣርእስታት

show menu options

TI

ትግርኛ

Tigrinya




Een brief die in de brievenbus wordt gestopt

ሰነዳት ናብ IND ምርካብ

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 30/8/2023 11:16 ቅ.ቀ.
ነዚ ዓንቀጽ ኣካፍል

ኣብ እዋን መስርሕ ዑቕባኻ፣ ሰነዳት ናብ ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND) ተረክብ። እዞም ሰነዳት እዚኦም ነቲ ናይ ህድማ ታሪኽካ ዘረጋግጹ እዮም። ኣየኖት ሰነዳት ከተረክብ ከም ዘለካን ብኸመይ ከም እትሰዶምን ኣንብብ።

ነዚኦም ሰነዳት ናብ IND ተረክቦም

ነቲ ናይ ምህዳም ታሪኽካ ን

ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
IND
ብመርትዖታት ከተረጋግጸሉ ምኽኣል ኣገዳሲ እዩ። ኣብ እዋን መስርሕ ዑቕባ፣ መንነትካን ናይ ህድማ ታሪኽካን ዘረጋግጹ ሰነዳት ብዝተኻእለ መጠን ብዙሕ ኣክብ። ናይዞም ሰነዳት ቅዳሓት ናብ IND ኣረክብ። ቅዳሕ ናይቶም ሰነዳት ንኸተረክብ ክሳብ እቲ ምስ IND እትገብሮ 2ይ ቃለ-መሕትት ኣይትጸበይ። ነቶም ኦርጅናል ሰነዳትካ ድማ ናብቲ ምስ IND እትገብሮ 2ይ ቃለ-መሕትት ምሳኻ ተማላኣዮም።

ኣስተውዕል፡ IND ቅድሚ እቲ 2ይ ቃለ-መሕትት ንሰነዳትካ ክምርምር ክኽእል ኣለዎ። ነቶም ሰነዳት ኣብ እዋን 2ይ ቃለ-መሕትት ወይ ብድሕሪኡ ጥራይ ዲኻ ኣረኪብካ? ስለዚ ዘመልከትካዮ ዑቕባ ንምምስራሕ ምናልባት ዝያዳ ግዜ ክወስድ ይኽእል እዩ።

ነዚኦም ሓበሬታታት ኣተሓዚዝካ ስደዶም፡

  • ስምካ

  • ናትካ '

    ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
    V-ቁጽሪ
    ' (እዚ ኣብ ናትካ'
    ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
    W-document
    ' ይርከብ።)

  • ምስቲ እትሰዶ ሰነድ፣ ሓጺር መብርሂ ብቋንቋ ኔዘርላንድ፣ እንግሊዝ፣ ፈረንሳ ወይ ጀርመን

  • ናይ ቋንቋ ኔዘርላንድ፣ እንግሊዝ፣ ፈረንሳ ወይ ጀርመን ትርጉም ናይቲ ሰነድ ቃለ-ማሕላ ብዝፈጸመ ተርጓሚ ዝተገብረ

  • ዕለት ናይ 2ይ ቃለ-መሕትት ምስ IND (ዝፍለጥ እንተድኣ ኮይኑ)

ሰነዳትካ ናብዚ ኣድራሻ ስደዶም

T.a.v IND - Scanstraat Postbus 18 9560 AA Ter Apel

ሰነዳት ብመንገዲ ፖስታ ምስዳድ

ነቶም ሰነዳት ብመንገዲ ምዝጉብ ናይ ሓደራ ፖስታ ናብ IND ክትሰዶም ትኽእል ኢኻ። እዚ ማለት እቶም ሰነዳት ምስ በጽሖም ካብ IND መልእኽቲ ክመጸካ እዩ። ጠበቓኻ እውን ነቶም ሰነዳት ክሰደልካ ይኽእል እዩ። ናይ መልኣኺ ወጻኢታት ባዕልኻ ክትከፍሎ ኣለካ።

ኩሉ ግዜ ናይቶም እትሰዶም ሰነዳት ቅዳሕ ገይርካ ሓዝ፣ ከምኡ እውን ጽቡቕ ገይርካ ኣቐምጦም።

እዚ ዓንቀጽ ሓጊዙካ' ዶ?