
ቤት-ምኽሪ ስደተኛታት ኔዘርላንድ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ኩሉ መዕቆቢ ቦታታት ኣይክህሉን እዩ
ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣካፍል፡
ካብ 1 ጥሪ 2026 ጀሚሩ VluchtelingenWerk Nederland (VWN) ኣብ ኩለን መቐበሊ ማእከላት መቐበሊ ሓተቲ ዑቕባ ኣይክህሉን እዩ። ሚኒስትሪ ዑቕባን ስደትን፡ VWN ዝወሓደ ምወላ ከም ዝረክብን ኣብ መቐበሊ ማእከላት ዝወሓደ ሓላፍነት ከም ዝህልዎን ወሲኑ። ካብ 1 ታሕሳስ ናይዚ ዓመት ጀሚሩ፡ VWN ኣብ ኩለን ማእከላት መቐበሊ ኣጋይሽ ንሓደስቲ መመልከቲታት ምጥርናፍ ስድራቤት ምሕጋዝ ደው ከብሎ ኣለዎ።
ብዛዕባ ኣገባብ ዑቕባን ሕጋዊ መምርሕን ዝምልከት ሓበሬታ ኣብ ቀረባ እዋን ብብዝሒ ብኢንተርነት ክቐርብ እዩ።
ካብ ጥሪ 2026 ጀሚሩ፣
ብዛዕባ መስርሕ ዑቕባ ዝምልከት ሓበሬታዊ ቪድዮ ኣብ RefugeeHelp እውን ክትርእይ ትኽእል
መስርሕ ዑቕባ ዝተሓላለኸ እዩ። ስለዚ ኣብ መስርሕ ዑቕባ እንታይ ከም ዘጋጥምን መዓስን፣ ከምኡ እውን ምስ ኣየኖት ውድባት ከም እትራኸብን ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ። ብኸምዚ ድማ ንመስርሕ ዑቕባ ብግቡእ ክትዳሎ ትኽእል።
VWN ካብ ጥሪ 2026 ጀሚሩ ኣብ ኩሉ መዕቆቢ ቦታታት ስለዘይህሉው፣ ኣብቲ ዘለካዮ ቦታ ሓበሬታ ክትረክብ ዘይትኽእል ክትከውን ትኽእል ኢኻ። ኣብ Arnhem-Wageningen፣ Gilze-Rijen፣ Ter Apel፣ Budel ከምኡ እውን ማዕርፎ ነፈርቲ Schiphol ኣብ ዝርከቡ መዕቆቢ ቦታታት ጥራይ እዩ VWN ብዝተኻእለ መጠን ብዛዕባ መስርሕ ዑቕባ ሓበሬታ ምሃብ ክቕጽል።
ብዛዕባ መስርሕ ዑቕባ ዝኾነ ሓበሬታ እንተድኣ ዘይረኺብካ፣ ብዛዕባኡ ሓበሬታ ዝህብ ቪድዮ ኣብ RefugeeHelp ክትምልከት ትኽእል ኢኻ። ስለዚ ሽዕኡ ሓበሬታ ዘለዎ ብሮሹርን QR-ኮድን፣ ወይ ናብቲ ሓበሬታ ዝህብ ቪድዮ ዝወስድ መላግቦ ማለት ሊንክ ክትቕበል ኢኻ።
VWN ሕጂ እውን ኣብ እዋን መስርሕ ዑቕባ ንዝህልወካ ሕቶታት ምምላስ ክቕጽል እዩ
VWN ዋላ እኳ ኣብቲ ዘለኻዮ መዕቆቢ ቦታ ዘየለ እውን እንተኾነ፣ VWN ኣብ ምሉእ መስርሕ ዑቕባኻ ምድጋፍካ ክቕጽል እዩ። ሕቶታት ኣለካ ድዩ፣ ምስ ሓደ ሰብ ክትዛረብ ድማ ትደልይ ዲኻ?
ኣብ RefugeeHelp ብዛዕባ መስርሕ ዑቕባ ድሮ ብዙሕ ሓበሬታ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። መስርሕ ዑቕባ ብኸመይ ከም ዝሰርሕ ድሮ ብቋንቋኻ ከተንብብ ምእንቲ ክትክእል፣ እዚ ሓበሬታ ኣብዚ ዝቕጽል እዋን ክሰፍሕ እዩ። ስለዚ ብኸምዚ ኣገባብ ምናልባት ንሕቶታትካ ባዕልኻ መልሲ ክትረክብ እውን ትኽእል ትኸውን።
ካብ ሕጂ ንደሓር ናይ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት መመልከቲኻ ባዕልኻ መሊእካ ከተቕርብ ኣለካ
ካብ 17 ሕዳር ጀሚሩ፣ VWN ድሕሪ ደጊም ሓደስቲ ናይ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት መመልከቲታት ኣብ ምቕራብ ኣይክሕግዘካን እዩ። ብዘይካ እዚ ቅድሚ 1 ታሕሳስ 2025 ገና ክትልእኮ ዘለካ ምስ እትኸውን። ድሕሪ 1 ታሕሳስ፣ VWN ንሓድሽ መመልከቲ ብዝምልከት ናብ IND ከመሓላልፈካ ኣለዎ። ግን ድሮ ቅድሚ 1 ታሕሳስ 2025 ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ኣመልኪትካ ዲኻ? ከምኡ እውን ብድሕሪኡ ካብ IND ብዛዕባ እቲ ሕቶታት ዘለካ ምጥርናፍ ስድራ-ቤትካ ደብዳቤ ተቐቢልካ ዲኻ? ስለዚ ድሕሪ 1 ታሕሳስ 2025 እውን ገና ብመንገዲ እቲ ብኢንተርነት ዝካየድ ናይ ምኽሪ ሰዓታት ኣቢልካ ምስ VWN ርክብ ክትገብር ትኽእል ኢኻ።
እቲ ብIND ብዛዕባ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ዝግበር ደገፍ ካብቲ ኣብ VWN ዝለመድካዮ ዝተፈልየ እዩ። ካብ 1 ታሕሳስ ጀሚሩ IND ብዛዕባ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ብቋንቋታት ኔዘርላንድን እንግሊዝን ብመንገዲ IND.nl ሓበሬታ ክህብ እዩ። ብኻልኦት ቋንቋታት ሓበሬታ ኣይክህብን እዩ። ከምኡ እውን ናይ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት መመልከቲ ባዕልኻ ከተቕርብ ኣለካ። IND ብዛዕባ እዚ ኣይሕግዘካን እዩ።
ካብ 1 ታሕሳስ ጀሚርካ ናብ "ቁጽሪ ተሌፎን ዑቕባ ጥርናፈ ስድራቤት" IND ክትድውል ትኽእል ኢኻ። ብዛዕባ ናይ ስድራቤት ጥርናፈ መመልከቲኻ ብቋንቋ ኔዘርላንድ ወይ እንግሊዝኛ ሕቶታት ክትሓትት ትኽእል ኢኻ።እቲ ቁጽሪ ተሌፎን 088 - 043 04 00 እዩ።
RefugeeHelp ብኸመይ ምጥርናፍ ስድራ-ቤትካ ከም እተመልክት ደረጃ ብደረጃ የርእየካ
VWN ንኹሎም ኣባላት ስድራ-ቤትካ ኣብ ግዚኡ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ከተመልክተሎም ኣገዳሲ ምዃኑ ይኣምን። ስለዚ ድማ ኣብ RefugeeHelp ብዛዕባ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ምምልካት ዝምልከት ዝቐርብ ሓበሬታ ክሰፍሕ እዩ። ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ብኸመይ ከም እተመልክት ባዕልኻ ብቛንቋኻ ደረጃ ብደረጃ መምርሒታት ከተንብብን ክትዕዘብን ምእንቲ ክትክእል ድማ፣ እዚ ሓበሬታ ብጽሑፍ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ብቪድዮን ካልእ ስእላዊ ንዋትን እውን ክቐርብ እዩ።