
ንኣፍረይቲ ፊልም፣ ሰኣልቲ፣ ዲዛይነራትን ኣኒሜተራትን ብነጻ ማስተርክላሳት ተመዝገብ

ከም ኣፍራዪ ፊልም፣ ሰኣላይ፣ ዲዛይነር ወይ ኣኒሜተር ተመኩሮ ኣለካ ድዩ፣ ከምኡ እውን ኣብ ናይ ኔዘርላንድ ሚድያ ክትሰርሕ ትደልይ ዲኻ? ስለዚ ብነጻ 'Picturing Success' ንዝበሃል ማስተርክላሳት ተመዝገብ! እዚ ብኸመይ ከም ዝሰርሕ ኣብዚ ኣንብብ።
ኣብ እዋን እቶም ማስተርክላሳት እንታይ ትመሃር?
ኣካል ናይ ህዝባዊ ፈነወ ኔዘርላንድ (NPO) ዝኾነ 'Net in Nederland' ናይ ኢንተርነት መድረኽ 'Picturing Success' ዝበሃል ተኸታታሊ 7 ማስተርክላሳት ኣዳልዩ ይርከብ።
ኣብዚ እዚ ዝስዕብ ዘጠቓልል ክትመሃር ኢኻ፡
ብኸመይ ሓሳባትካ ብጽቡቕ ከተቕርብ ከም እትኽእል።
ብኸመይ ናይ ገዛእ-ርእስኻ ናይ ሚድያ ትካል ከም እትጅምር።
ብኸመይ ኣብ ጽላት ሚድያ ናይ ኔዘርላንድ መርበብ ከም እትሃንጽ።
ኣብ መወዳእታ ናይቲ ማስተርክላሳት ናይ መወዳእታ ስራሕ ከተቐርብ ኢኻ። ኣብዚ ድማ ስራሕካ ድሮ ንገለ እዋን ኣብ ኔዘርላንድ ኣብ ሚድያ ክሰርሑ ንዝጸንሑ ሰባት ከተቕርቦ ትኽእል ኢኻ።
እዞም ማስተርክላሳት ንመን ዝዓለሙ እዮም?
ኣብ ከምዚ ዝስዕብ ነዞም ማስተርክላሳት ክትምዝገብ ትኽእል ኢኻ፡
ዕድሜኻ 18 ዓመት ወይ ልዕሊኡ ምስ ዝኸውን።
ጽቡቕ እንግሊዝኛ ትዛረብ ምስ እትኸውን። እቲ ስልጠና ብእንግሊዝኛ እዩ ዝወሃብ።
ከም ኣፍራዪ ፊልም፣ ሰኣላይ፣ ግራፊክ ዲዛይነር ወይ ከም ኣኒሜተር ናይ ስራሕ ተመኩሮ ምስ ዝህልወካ። እዚ ናይ ስራሕ ተመኩሮ ግድን ኣብ ኔዘርላንድ ዝረኸብካዮ ክኸውን ኣለዎ ማለት ኣይኮነን። ብፍላይ ኣብ መበቆል ሃገርካ ናይ ስራሕ ተመኩሮ ምስ ዝህልወካ ንኽትምዝገብ ርሑው እዩ።
ናብ ኔዘርላንድ ሃዲምካ ዝመጻእካን፣ ኣብ ኔዘርላንድ ካብ 0 ክሳብ 7 ዓመት ዝተቐመጥካን ምስ እትኸውን።
ኣብ ኩሎም ናይ ስልጠና መዓልታት ክትርከብ እትኽእል ምስ እትኸውን፡ 22 ነሓሰ፣ 5 መስከረም፣ 19 መስከረም፣ 3 ጥቅምቲ፣ 17 ጥቅምቲ፣ 31 ጥቅምቲ፣ 14 ሕዳርን 28 ሕዳርን።
ንኽትሳተፍ ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ኣየድልየካን እዩ። ካብ ዩክሬን ሃዲምካ ዝመጻእካ ምስ እትኸውን እውን ኣብቶም ማስተርክላሳት ክትምዝገብ ትኽእል ኢኻ። ወይ ናይ ዑቕባ መመልከቲ ኣቕሪብካ ዘለኻን፣ ግን ድማ ገና ካብ
እዞም ማስተርክላሳት ኣበይ እዮም ዝወሃቡ?
እቶም ማስተርክላሳት ኣብ መዓልታት ሓሙስ ኣብ Hilversum ኣብ ዝርከብ Mediapark እዮም ዝካየዱ። ናብቶም ማስተርክላሳት እትገብሮ ናይ መጎዓዝያ ወጻኢታት ድማ ክምለሰልካ እዩ።
ብኸመይ ክትምዝገብ ትኽእል?
ክትሳተፍ ትደልይ ዲኻ? ቅድሚ 1 ሰነ 2024 ብዛዕባኻን ኣብ ሚድያ ብዛዕባ ዘለካ ናይ ስራሕ ተመኩሮን ሓጺር ጽሑፍ ዘለዎ መልእኽቲ ኢ-መይል ናብ picturingsuccess@ntr.nl ስደድ። ብተወሳኺ ሲቪኻ እውን ምስኡ ስደድ።
ብድምር ን10 ተሳተፍቲ ዝኸውን ቦታ ኣሎ። ድሕሪ ምዝገባ ድማ ንኽትሳተፍ ዝተመረጽካ ምዃንካን ዘይምዃንካን ክትሰምዕ ኢኻ።