ብሕትና
ንሕና VluchtelingenWerk Nederland ኢና። ብስልኪ ክትረኽቡና ትኽእሉ ኢኹም። ናብ መርበብ ሓበሬታና ክትድውለልና ወይ ርክብ ሓበሬታ ክትህቡና ከለኹም እትህብዎ ውልቃዊ መረዳእታ ንእክቦ።
ብተወሳኺ ኣብ መርበብ ሓበሬታና ክትበጽሑ ከለኹም ብዛዕባኹም ኣዝዩ ውሱን ውልቃዊ መረዳእታ ንእክብ። ነዚ ኣብቲ ዝተፈለየ
ውልቃዊ መረዳእታኻ ከም በጻሒ መርበብ ሓበሬታና ነዞም ዝስዕቡ ዕላማታት ጥራይ ኢና እንጥቀመሉ፤
ን(ቴክኒካዊ) ጽገናን ምምሕያሽን መርበብ-ሓበሬታና፤
ብዛዕባ ዝሓተትካና ሕቶታት ብተሌፎን ወይ ብኢ-መይል ምሳኻ ርክብ ንምግባር።
ንተኣፈፍቲ ውልቃዊ ሓበሬታታት ኣይነመስርሕን ኢና። ብዛዕባኻ ካብ ካልኦት ውድባት ሓበሬታ ኣይንእክብን ኢና። ኣብ ኣፈላላይ እውን ኣይንዋፈርን ኢና።
ንመብዛሕትኦም ሓበሬታታት ምሳኻ ናይ ኣገልግሎት ስምምዕ ምግባር ከም ዘድልይ መሰረት ብምግባር፣ ወይ ድማ ሕጋዊ ረብሓና ንምምላእ ኣብ ዘለና ኣድላይነት መሰረት ኢና ነመስርሖም።
ዳታኻ ካብ ኣድላይነቱ ንላዕሊ ኣይንዕቅቦን ኢና። ብሕጊ ግዴታ እንተዘይኮይኑ፡ ብዝኾነ ይኹን መገዲ ዳታኻ ምስ ሳልሳይ ወገን ኣይንካፈልን ኢና። ንኣብነት ምምሕዳር ግብሪን ጉምሩክን ናብ መዛግብቲ ሕሳብና ንኽረክብ እንተሓቲቱ።
ገለ ካልኦት ትካላት ናትና ዕማማት ንኽፍጽሙ ንጥቀም ኢና፣ እዚኦም ግን ኣመስራሕቲ ጥራይ እዮም። ንኣብነት መርበብ-ሓበሬታና ናቫራ [Navara] ብምጥቃም እዩ ዝእንገድ። ስለዚ ንውልቃዊ ሓበሬታታት ንሕና ንዝወሰንናዮ ዕላማታትን፣ ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ምስጢራዊነትን ብስምናን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽርናን ጥራይ እዮም ዘመስርሕዎ።
ንውልቃዊ ሓበሬታታትካ እንተድኣ ነመስርሖ ኮይንና፣ ውልቃዊ ሓበሬታታትካ ናይ ምርኣይ፣ ምቕያርን ምድምሳስን መሰል ኣሎካ። ብተወሳኺ ናይ ምቅዋም መሰልን ሓበሬታታትካ ናይ ምትሕልላፍ መሰልን ኣለካ።
ኣብ ታሕቲ፣ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ናይ VluchtelingenWerk Nederland ንዝርከቡ ዝተፈላለዩ መግለጺታት ብሕትና ንኽትምልከት ድማ ንእምት። ኣብኡ ነየኖት ውልቃዊ ሓበሬታታትካ ከም እንእክብ፣ ብኸመይ ከም እንእክቦም፣ ንኣየናይ ዕላማን ኣብ ኣየናይ መትከላት ብምምርኳስን ከም እንእክቦም ብሰፊሑ ገሊጽና ኣለና።
ብዛዕባ እዚ መግለጺ ወይ ብዛዕባ መሰል ብሕታዊነትካ ዝኾነ ሕቶ ኣለካ ድዩ? በጃኹም
ከምኡ እውን እዚ ርአ፡