ኣብ ኣህጉራዊ መዓልቲ ስደተኛታት Rooted Festival ክካየድ እዩ። ኣብ ሂልቨርሱም ብፍላይ ንስደተኛታት።
ምንጪ፡ Rooted Festival, UNHCR
ንጥፈት

ኣብ ኣህጉራዊ መዓልቲ ስደተኛታት ኣብ Rooted Festival ንምስታፍ ምጻእ

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 25/9/2024 11:27 ቅ.ቀ.
በዚ ዝስዕብ ዝተወደበ፡ኣርማ ናይ UNHCR ኔዘርላንድ።

ኣብ ኣህጉራዊ መዓልቲ ስደተኛታት (ሓሙስ 20 ሰነ 2024)፣ UNHCR ብፍላይ ንስደተኛታት ዝዓለመ ፈስቲቫል ኣዳልዩ ኣሎ። ኣብ እዋን Rooted Festival፣ 300 ሰባት ብቋንቋ እንግሊዝ ዛንታታት ንኸካፍሉ ክእከቡ እዮም። ንስኻ እውን ናብቲ ፈስቲቫል ምጻእ!

ንስኻ እውን ንኣህጉራዊ መዓልቲ ስደተኛታት ኣብ Rooted Festival ናይ UNHCR ጸምብል 

ኣብ ሓሙስ 20 ሰነ፣ UNHCR ምስ ካልኦት ውድባት ብሓባር ብምዃን ኣብ ሂልቨርሱም ኣብ ዝርከብ ደንደስ ቃድራ፣ ካብ ሰዓት 13፡00 ክሳብ 22፡00 Rooted Festival ከዳሉው እዩ። እዚ ፈስቲቫል ናይ ስደተኛ ወይ ናይ ስደት ድሕረ-ባይታ ንዘለዎም ሰባት ዝዓለመ እዩ። ነዚ ኣፍልጦ ምስ ዝህቡ ወይ ዝርድኡ ካልኦት ሰባት ክራኸቡ ንዝደልዩ ዝዓለመ እውን እዩ።

መሰጥቲ ምትእኽኻባት፣ ሰሓብቲ መደርቲ፣ ሓጸርቲ ፊልምታት፣ ናይ ፓነል ዘተታትን ሙዚቃን ዝመልኣ መሳጢት መዓልቲ ድማ ክትከውን እያ። በጻሕቲ ዛንታታት ከካፍሉን፣ ብዛዕባ ናይ ነንሓድሕድ መበቆል፣ መንነትን ሓድሽ ህይወት ምህናጽን ክመሃሩን ኸኣ ይዕደሙ። ናይቲ ፈስቲቫል ቀንዲ ቋንቋ እንግሊዝኛ እዩ።

ብሮሹር ጎስጓስ UNHCR Rooted Festival

ናይ Rooted Festival ትኬታትካ ግዛእ

ኣብቲ ፈስቲቫል ክትህሉው ትደልይ ዲኻ? ስለዚ ትኬት የድልየካ እዩ። ሓደ ትኬት ንኹሉ ምትእክኻባት፣ መደረታትን ምርኢታትን ንኽትኣቱው ዘኽእል እዩ። መግብን 2 ዝስተዩን ድማ ክትቕበል ኢኻ።

ብዛዕባ እቲ ፈስቲቫል ዝያዳ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ናይ Rooted Festival ኣንብብ
ብዛዕባ Rooted Festival ልክዕ በዚ ስም ኣብ ዝጽዋዕ መርበብ-ሓበሬታ ዝያዳ ኣንብብ። Rooted Festival ኣብ ኣህጉራዊ መዓልቲ ስደተኛታት፣ ሓሙስ 20 ሰነ 2024 እዩ ክካየድ

ናብዚ ፈስቲቫል ክትከይድ ትደልይ ዲኻ፣ ግን ድማ ትኬት ንኽትገዝእ ገንዘብ የብልካን ድዩ? ስለዚ ናብ ontmoeten@dehoorneboeg.nl መልእኽቲ ኢ-መይል ስደድ፣ ነጻ ትኬት ዘሎ እንተኾነ ድማ ሕተት።

ኣብዚ ናይ ትኬት ገጽ ናይ Rooted Festival ትኬት ክትእዝዝ ትኽእል ኢኻ
ኣብ ኣህጉራዊ መዓልቲ ስደተኛታት ንዝካየድ Rooted Festival ዝኾኑ ትኬታት ብዝተፈላለዩ ዋጋታት ንምርካብ ይከኣል እዩ። ናይ ስደተኛ ወይ ስደት ድሕረ-ባይታ ዘለካ እንተድኣ ኮይንካን፣ ንትኬት ዝኸውን ገንዘብ ምስ ዘይህልወካን ናብዚ ኢ-መይል ለኣኽ

ኣህጉራዊ መዓልቲ ስደተኛታት ንዋዕላ ስደተኛታት እንጽንብለሉ መዓልቲ እዩ

እቲ 1ይ ኣህጉራዊ መዓልቲ ስደተኛታት ኣብ ዓመተ 2001 እዩ ተኻይዱ።

ዋዕላ ስደተኛታት
ናይ
ሕቡራት ሃገራት
ሽዕኡ መበል 50 ዓመት ዝገበረሉ ግዜ እዩ ነይሩ። ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (UNHCR) ድማ እዚ ምኽንያት ጽምብል ምዃኑ ብምውሳን
ኣህጉራዊ መዓልቲ ስደተኛታት
ንክኸውን ኣዊጁ።

ዋዕላ ስደተኛታት ክሳብ ሕጂ ኣብ ብዙሓት ሃገራት መሰረት ፖሊሲ ዑቕባ ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ። ኣብ ኔዘርላንድ እውን። እዚ ሓደ ሰብ መዓስ ብመንጽር ሕጊ ከም ስደተኛ ክረኣይ ከም ዘለዎን፣ ሃገራት ንስደተኛታት ብኸመይ ክሕዛ ከም ዘለወንን ይውስን።

ካልኦት ኣብ እዋን ኣህጉራዊ መዓልቲ ስደተኛታት ዝኽበሩ ጽምብላት 

ኣብ ኣህጉራዊ መዓልቲ ስደተኛታት፣ ሓያሎ ውድባት ኔዘርላንድ ንህላወ ዋዕላ ስደተኛታት የብዕላ እየን። ንኣብነት Stichting Vluchteling 'ናይ ስደተኛ ለይቲ' ይውድብ እዩ። ነዚ ድማ ሎሚ ዓመት ንመበል 15 ግዜኦም ይገብርዎ ኣለዉ።

ካብ ቀዳም 15 ናብ ሰንበት 16 ሰነ ኣብ ዘውግሕ ለይቲ 7,000 ሰባት ኣተኲሮ ንምስሓብን፣ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ዓለም ንዝርከቡ ስደተኛታት ህጹጽ ሓገዝ ንምሃብ ዝኸውን ገንዘብ ንምእካብን 10፣ 20 ወይ 40 ኪሎ ሜተር ብእግሮም ክጎዓዙ እዮም። ኣብዚ ንምስታፍ ዝኸውን ምዝገባ ድሮ ተዓጽዩ ኣሎ፤ ሕጂ ነዚ ክትምዝገብ ኣይትኽእልን ኢኻ።


ነዚ ንጥፈት ከመይ ረኺብካዮ?