ኣብ ኣህጉራዊ መዓልቲ ስደተኛታት ኣብ Rooted Festival ንምስታፍ ምጻእ
ኣብ ኣህጉራዊ መዓልቲ ስደተኛታት (ሓሙስ 20 ሰነ 2024)፣ UNHCR ብፍላይ ንስደተኛታት ዝዓለመ ፈስቲቫል ኣዳልዩ ኣሎ። ኣብ እዋን Rooted Festival፣ 300 ሰባት ብቋንቋ እንግሊዝ ዛንታታት ንኸካፍሉ ክእከቡ እዮም። ንስኻ እውን ናብቲ ፈስቲቫል ምጻእ!
ኣብ ሓሙስ 20 ሰነ፣ UNHCR ምስ ካልኦት ውድባት ብሓባር ብምዃን ኣብ ሂልቨርሱም ኣብ ዝርከብ ደንደስ ቃድራ፣ ካብ ሰዓት 13፡00 ክሳብ 22፡00 Rooted Festival ከዳሉው እዩ። እዚ ፈስቲቫል ናይ ስደተኛ ወይ ናይ ስደት ድሕረ-ባይታ ንዘለዎም ሰባት ዝዓለመ እዩ። ነዚ ኣፍልጦ ምስ ዝህቡ ወይ ዝርድኡ ካልኦት ሰባት ክራኸቡ ንዝደልዩ ዝዓለመ እውን እዩ።
መሰጥቲ ምትእኽኻባት፣ ሰሓብቲ መደርቲ፣ ሓጸርቲ ፊልምታት፣ ናይ ፓነል ዘተታትን ሙዚቃን ዝመልኣ መሳጢት መዓልቲ ድማ ክትከውን እያ። በጻሕቲ ዛንታታት ከካፍሉን፣ ብዛዕባ ናይ ነንሓድሕድ መበቆል፣ መንነትን ሓድሽ ህይወት ምህናጽን ክመሃሩን ኸኣ ይዕደሙ። ናይቲ ፈስቲቫል ቀንዲ ቋንቋ እንግሊዝኛ እዩ።
ኣብቲ ፈስቲቫል ክትህሉው ትደልይ ዲኻ? ስለዚ ትኬት የድልየካ እዩ። ሓደ ትኬት ንኹሉ ምትእክኻባት፣ መደረታትን ምርኢታትን ንኽትኣቱው ዘኽእል እዩ። መግብን 2 ዝስተዩን ድማ ክትቕበል ኢኻ።
ናብዚ ፈስቲቫል ክትከይድ ትደልይ ዲኻ፣ ግን ድማ ትኬት ንኽትገዝእ ገንዘብ የብልካን ድዩ? ስለዚ ናብ
እቲ 1ይ ኣህጉራዊ መዓልቲ ስደተኛታት ኣብ ዓመተ 2001 እዩ ተኻይዱ።
ዋዕላ ስደተኛታት ክሳብ ሕጂ ኣብ ብዙሓት ሃገራት መሰረት ፖሊሲ ዑቕባ ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ። ኣብ ኔዘርላንድ እውን። እዚ ሓደ ሰብ መዓስ ብመንጽር ሕጊ ከም ስደተኛ ክረኣይ ከም ዘለዎን፣ ሃገራት ንስደተኛታት ብኸመይ ክሕዛ ከም ዘለወንን ይውስን።
ኣብ ኣህጉራዊ መዓልቲ ስደተኛታት፣ ሓያሎ ውድባት ኔዘርላንድ ንህላወ ዋዕላ ስደተኛታት የብዕላ እየን። ንኣብነት Stichting Vluchteling 'ናይ ስደተኛ ለይቲ' ይውድብ እዩ። ነዚ ድማ ሎሚ ዓመት ንመበል 15 ግዜኦም ይገብርዎ ኣለዉ።
ካብ ቀዳም 15 ናብ ሰንበት 16 ሰነ ኣብ ዘውግሕ ለይቲ 7,000 ሰባት ኣተኲሮ ንምስሓብን፣ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ዓለም ንዝርከቡ ስደተኛታት ህጹጽ ሓገዝ ንምሃብ ዝኸውን ገንዘብ ንምእካብን 10፣ 20 ወይ 40 ኪሎ ሜተር ብእግሮም ክጎዓዙ እዮም። ኣብዚ ንምስታፍ ዝኸውን ምዝገባ ድሮ ተዓጽዩ ኣሎ፤ ሕጂ ነዚ ክትምዝገብ ኣይትኽእልን ኢኻ።