ኣርእስታት

show menu options

TI

ትግርኛ

Tigrinya




ባንዴራ ኤውሮጳዊ ሕብረት
ምንጪ፡ De Europese vlag

መስርሕ ዱብሊን

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 7/2/2024 2:50 ድ.ቀ.
ነዚ ዓንቀጽ ኣካፍል

ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND) ንዘመልከትካዮ ዑቕባ ካልእ ኤውሮጳዊት ሃገር ከተመስርሖ ከም ዘለዋ ክውስን ይኽእል እዩ። ከምኡ ምስ ዝኸውን ድማ ናብ መስርሕ ዱብሊን ትኣቱው። መስርሕ ዱብሊን ብኸመይ ከምዝካየድ ዝያዳ ኣብዚ ኣንብብ።

ፖሊስ ካልእ ኤውሮጳዊት ሃገር ንዘመልከትካዮ ዑቕባ ከተመስርሖ ዘለዋ ምዃኑን ዘይምዃኑን ይምርምር

ኣብ ተር ኣፐል ኣብ እትምዝገበሉ እዋን፣ ፖሊስ ብዛዕባ መንነትካን ኣባላት ስድራ-ቤትካን ሕቶታት ክሓተካ እዩ። ፖሊስ ኣሰር ኣጻብዕትኻ ኣብ

ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
EURODAC ወይ EU-VIS
ዘሎ ምዃኑን ዘይምዃኑን እውን ይቖጻጸር። ከምኡ ምስ ዝኸውን ቅድሚ ሕጂ ኣብ ካልእ ኤውሮጳዊት ሃገር ዑቕባ ሓቲትካ ኣለኻ ማለት እዩ።

ቅድሚ ሕጂ ኣብ ካልእ ኤውሮጳዊ ሃገር ዑቕባ ንምርካብ ኣመልኪትካ ነይርካ ዲኻ? ከምኡ ምስ ዝኸውን እዛ ሃገር ንዘመልከትካዮ ዑቕባ ከተመስርሖ ኣለዋ። ነዚ ብዝምልከት ሃገራት ኤውሮጳ ስምምዕ ገይረን እየን። እዚ ስምምዕ ድማ

ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
‘Dublinverordening’
ማለት ድንጋገ ዱብሊን ይበሃል።

ንመጀመርታ ግዜ ዲኻ ኣብ ኔዘርላንድ ዑቕባ ንምርካብ ተመልክት ዘለኻ? ከምኡ ምስ ዝኸውን እውን

ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
IND
ካልእ ኤውሮጳዊት ሃገር ንዘመልከትካዮ ዑቕባ ከተመስርሖ ዘለዋ ምዃኑን ዘይምዃኑን ክምርምር እዩ። ንኣብነት በዚ ዝስዕብ ምኽንያት፡

  • ኣብ ካልእ ኤውሮጳዊት ሃገር ዑቕባ ንምርካብ ዘመልከቱ ወይ ኣብኡ መንበሪ ፍቓድ ዘለዎም ኣባላት ስድራ-ቤት ዘለካ ብምዃንካ።

  • ናይ ካልእ ሃገር (ግዜኡ ዝሓለፎ) ቪዛ ወይ መንበሪ ፍቓድ ዘለካ ብምዃንካ። ንኣብነት ትምህርቲ ንምክትታል።

  • ብዘይሕጋዊ መንገዲ ብኻልእ ሃገር ኣቢልካ ናብ ኤውሮጳ ዝኣተኻ ስለ ዝኾንካ።

ምስ IND ቃለ-መሕትት ክህልወካ እዩ

ምስ IND 1 ቃለ-መሕትት ክህልወካ እዩ። እዚ ቃለ-መሕትት ድማ 'Dublingehoor' ማለት ናይ ዱብሊን ቃለ-መሕትት ይበሃል። IND ኣብ ካልእ ኤውሮጳዊት ሃገር ከም ዝተመዝገብካ ይነግረካ። ብዛዕባ እዚ ድማ IND ሕቶታት ይሓትት። IND ብዛዕባ ናይ ህድማ ታሪኽካ ዝምልከት ዝኾነ ሕቶ ኣይሓትትን እዩ። ኣብ እዋን እቲ ቃለ-መሕትት፣ ንምንታይ ኔዘርላንድ ንዘመልከትካዮ ዑቕባ ከተመስርሖ ኣለዋ ኢልካ ከም እትሓስብ ክትገልጽ ትኽእል ኢኻ። IND ናይቲ ቃለ-መሕትት ጸብጻብ ከዳሉው እዩ።

ኣብቲ ምስ IND ዝግበር ቃለ-መሕትት ቋንቋኻ ዝዛረብ ኣተርጓሚ ኣሎ

ሰራሕተኛ ናይ IND ነቶም ሕቶታት ብቋንቋ ኔዘርላንድ እዩ ዝሓትት። ኣተርጓሚ ድማ ነዚ ክትርጉመልካ እዩ። ንመልስታትካ እውን እቲ ኣተርጓሚ ናብ ቋንቋ ኔዘርላንድ ክትርጉሞም እዩ። እቲ ኣተርጓሚ ካብ መበቆል ሃገርካ ዝመጽአ ኮይኑ ገለልተኛ እዩ፣ ኣብ IND ዝሰርሕ እውን ኣይኮነን፣ ከምኡ እውን ኣብቲ ብዛዕባ እቲ ዘመልከትካዮ ዑቕባ ዝውሰድ ውሳኔ ዋላ ሓንቲ ጽልዋ የብሉን። ኣተርጎምቲ ኣዝዩ ስራሕ ስለ ዝጽዕቆም ካልእ ላህጃ ዝዛረብ ኣተርጓሚ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ንስኻን እቲ ኣተርጓሚን ጽቡቕ ገይርኩም ክትረዳድኡ እንተድኣ ዘይክኢልኩም ብቀጥታ ንገር። ምኽንያቱ እቲ ኣተርጓሚን ንስኻን ጽቡቕ ገይርኩም ክትረዳድኡ ብሰንኪ ዘይምኽኣልኩም ዘይምርድዳእ ከይፍጠር ኣገዳሲ ስለዝኾነ።

ኣብ እዋን ናይ ምዝገባ ቃለ-መሕትት፣ ብላህጃኻ ዝዛረብ ኣተርጓሚ ክትሓትትን ከማኻ ጾታ ዘለዎ ኣተርጓሚ ክትሓትትን ትኽእል ኢኻ።

IND ናብታ ኤውሮጳዊት ሃገር ሕቶ የቕርብ

IND ንዘመልከትካዮ ዑቕባ ንኸተመስርሖ ናብታ ካልእ ኤውሮጳዊት ሃገር ሕቶ ከቕርብ ኣለዎ። እታ ካልእ ኤውሮጳዊት ሃገር ድማ ነቲ ሕቶ ክትምርምሮን፣ ከምኡ እውን ናብ IND መልሲ ክትህብን እያ። እታ ሃገር ነቲ ሕቶ ክትነጽጎ ትኽእል እያ። ብድሕሪኡ ድማ IND ዳግመ-ግምገማ ንኽግበር ሕቶ ከቕርብ ይኽእል እዩ። እዚ ማለት እታ ካልእ ኤውሮጳዊት ሃገር ዳግማይ ክትምርምሮ ኣለዋ ማለት እዩ። ​

IND ንዘመልከትካዮ ዑቕባ ንኸየመስርሖ ውጥን ኣለዎ

እንተድኣ IND ንዘመልከትካዮ ዑቕባ ካልእ ኤውሮጳዊት ሃገር ተሓታቲት ኮይና ረኺብዎ፣ ደብዳቤ ክትቕበል ኢኻ። እዚ ድማ IND ነቲ ዘመልከትካዮ ዑቕባ ከም ዘየምስርሖ ውጥን ከምዘለዎ ዝገልጽ እዩ። እዚ ደብዳቤ ናይ IND ክውሰድ ዝተሓስበ ውሳኔ ይበሃል። IND ንዘመልከትካዮ ዑቕባ ተሓታቲት ኔዘርላንድ እያ ኢሉ ይሓስብ ድዩ? ከምኡ ምስ ዝኸውን IND ብምቕጻል ንመመልከቲኻ ኣብ ሓፈሻዊ መስርሕ ዑቕባ ከመስርሖ እዩ።

ክውሰድ ንዝተሓስበ ናይ IND ውሳኔ እትህቦ መልሲ

ብዛዕባ እቲ ናይ IND ክውሰድ ዝተሓስበ ውሳኔ ምስ ጠበቓኻ ትዘራረብ። ጠበቓ ነቲ ክውሰድ ዝተሓስበ ውሳኔ ብዝምልከት ብደብዳቤ ክምልስ ይኽእል እዩ። ኣብዚ ደብዳቤ እቲ ጠበቓ ንስኻ ንምንታይ ምስቲ ክውሰድ ዝተሓስበ ውሳኔ ዘይትሰማማዕ ምዃንካ ክገልጽ ይኽእል እዩ። IND ድማ ነቲ ናይ ጠበቓ ደብዳቤ ኣብ ግምት ከእትዎ ኣለዎ።

IND ናይ መወዳእታ ውሳኔ ይወስድ

IND ናይቲ ጠበቓ ደብዳቤ ድሕሪ ምንባቡ፣ እቲ ክውሰድ ዝተሓስበ ውሳኔ ክስተኻኸል ዘለዎ ምዃኑን ዘይምዃኑን ክውስን እዩ። IND ሕጂ እውን እታ ካልእ ኤውሮጳዊት ሃገር ናይ ዑቕባ ሕቶኻ ተሓታቲት ኮይና ድዩ ረኺብዎ? ከምኡ ምስ ዝኸውን ብዛዕባ እዚ ደብዳቤ ክትቕበል ኢኻ። እዚ ደብዳቤ ድማ ናይ መወዳእታ ውሳኔ ናይ IND ዝሓዘ እዩ።

ናብ ካልእ ኤውሮጳዊት ሃገር ምስግጋር

ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፍካ፣ ከምኡ እውን እንተደንጎኻ ኣብ ውሽጢ 6 ኣዋርሕ ናብታ ናይ ዑቕባ ሕቶኻ ተሓታቲት ዝኾነት ኤውሮጳዊት ሃገር ክትሰጋገር ኣለካ። ክሳብ እቲ ምስግጋር ዝግበር ድማ ኣብ ኔዘርላንድ መዕቆቢ ንኽትረክብ መሰል ኣለካ። ናብታ ካልእ ኤውሮጳዊት ሃገር ብ 3 ኣገባባት ክትሰጋገር ትኽእል ኢኻ፡

  1. ባዕልኻ ናብታ ካልእ ሃገር ክትምለስ ትኽእል ኢኻ። ገዛእ-ርእስኻ ብወለንታ ክትከይድ እንተድኣ ደሊኻ፣ ምስ

    ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
    ኣገልግሎት ምምላስን ንቕሎን (DT&V)
    ርክብ ክትገብር ትኽእል ኢኻ።

  2. ሓደ ኔዘርላንዳዊ በዓል-መዚ ክመልሰካ እዩ።

  3. ካብታ ካልእ ኤውሮጳዊት ሃገር ዝመጸ በዓል-መዚ ክመልሰካ እዩ።

ኣስተውዕል፡ እታ ካልእ ሃገር ነቲ ንዓኻ ንምምላስ ብ IND ዝቐረበላ ሕቶ ድሕሪ ምስምማዓ፣ ኔዘርላንድ ነዚ ንምግባር ናይ 6 ኣዋርሕ ግዜ ኣለዋ። እዚ (ላዕለዋይ) ይግባይ እንተድኣ ኣቕሪብካ ዝያዳ ግዜ ክወስድ ይኽእል እዩ።

ቤት-ማሕቡስ ወጻእተኛታት ድሕሪ ናይ ዱብሊን ውሳኔ
እዚ ዓንቀጽ ሓጊዙካ' ዶ?