መስርሕ ዱብሊን
ኣብ ተር ኣፐል ዝርከብ ፖሊስ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ካልእ ኤውሮጳዊት ሃገር ከም ዝተመዝገብካ ይርእይ። ካልእ ኤውሮጳዊት ሃገር ድማ ነቲ ዘመልከትካዮ ዑቕባ ከተመስርሖ ኣለዋ። ቤት-ጽሕፈት ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND) ኸኣ ናብ መስርሕ ዱብሊን ንኽትኣቱው ይውስን።
ናይ ዑቕባ ሕቶኻ ብዝምልከት ካልእ ኤውሮጳዊት ሃገር እያ ተሓታቲት፣ እንተድኣ፡
ንመጀመርታ ግዜ ኣብቲኣ ሃገር ዑቕባ ሓቲትካ ምስ ምስ እትኸውን።
በዛ ሃገር ኣቢልካ ናብ ኤውሮጳ ዝኣተኻ ምስ እትኸውን።
ናይታ ሃገር ቪዛ ምስ ዝህልወካ።
እዚ ኣብ መንጎ ሃገራት ኤውሮጳ ዝተገብረ ስምምዕ እዩ። እዚ ስምምዕ እዚ undefinedDublinverordening’ ይበሃል።
ኣብ ተር ኣፐል፣ ፖሊስ ብዛዕባ ዘመልከትካዮ ዑቕባ ተሓታቲት ካልእ ኤውሮጳዊት ሃገር ምዃናን ዘይምዃናን ክምርምር እዩ። እዚ ድማ መንነትካ ብምቚጽጻር ይግበር። ከምኡ እውን ኣሰር ኣጻብዕትኻ ኣብ
ምስ IND ዝግበር ናይ ዱብሊን ቃለ-መሕትት
ምስ
ኣብ ቃለ-መሕትት ቋንቋኻ ዝዛረብ ኣተርጓሚ ኣሎ
ሰራሕተኛ ናይ IND ነቶም ሕቶታት ብቋንቋ ኔዘርላንድ እዩ ዝሓትት። እቲ ኣተርጓሚ ድማ ነዚ ክትርጉመልካ እዩ። ንመልስታትካ እውን እቲ ኣተርጓሚ ናብ ቋንቋ ኔዘርላንድ ክትርጉሞም እዩ። እቲ ኣተርጓሚ ገለልተኛ እዩ፣ ከምኡ እውን ናይ IND ሰራሕተኛ ኣይኮነን። እቲ ኣተርጓሚ ኣብቲ ብዛዕባ ዘመልከትካዮ ዑቕባ ዝግበር ውሳኔ ዝኾነ ጽልዋ የብሉን።
ኣስተውዕል፡ ንስኻን እቲ ኣተርጓሚን ጽቡቕ ገይርኩም ክትረዳድኡ እንተድኣ ዘይክኢልኩም ብቕጽበት ንIND ኣፍልጥ። ንስኻን ኣተርጓሚን ነንሓድሕድኩም ብግቡእ ዘይትረዳድኡ ብሰንኪ ምዃንኩም ዝኾነ ዘይምርድዳእ ከይፍጠር ኣገዳሲ እዩ።
ድሕሪ ናይ ዱብሊን ቃለ-መሕትት IND 1ይ ውሳኔ ይወስድ
2 ተኽእሎታት ኣለዉ፡
IND ንናይ ዑቕባ ሕቶኻ ብዝምልከት ተሓታቲት ኔዘርላንድ ምዃና ይውስን፡ IND ብምቕጻል ንመመልከቲ ዑቕባኻ ኣብ ሓፈሻዊ መስርሕ ዑቕባ (AA) ከመስርሖ እዩ።
IND ናይ ዑቕባ ሕቶኻ ተሓታቲት ካልእ ኤውሮጳዊት ሃገር ምዃና ይውስን፡ ብዛዕባ እዚ ዝምልከት ደብዳቤ ካብ IND ክትቕበል ኢኻ። ኣብኡ ድማ ናይ ዑቕባ ሕቶኻ ኣብ ኔዘርላንድ ከም ዘይምስራሕን ምኽንያቱን ተገሊጹ ክትረኽቦ ኢኻ። ኣብ ውሽጢ 4 ሳምንታት ገዛእ-ርእስኻ ክኢልካ ካብ ኔዘርላንድ ክትወጽእን፣ ናብታ ካልእ ኤውሮጳዊት ሃገር ክትምለስን ኣለካ። ከምኡ እንተዘይገይርካ
ብኣገልግሎት ምምላስን ንቕሎን (DT&V)ክትሰጋገር ኢኻ። ክሳብ እቲ ምስግጋር ዝግበር ኣብ ኔዘርላንድ መጽለሊ ክትረክብ መሰል ኣለካ።
ንውሳኔ ናይ IND እትህቦ መልሲ
ብዛዕባ እቲ ናይ IND ደብዳቤ ምስ ጠበቓኻ ትዘራረብ። ጠበቓኻ ብደብዳቤ ንIND መልሲ ንኽህብ ድማ 1 መዓልቲ ኣለዎ። IND ነቲ ናይ ጠበቓ ደብዳቤ ኣብ ግምት ከእትዎ ኣለዎ። IND ነቲ ናይ ጠበቓ ደብዳቤ ድሕሪ ምንባብ፣ እቲ 1ይ ውሳኔ ክስተኻኸል ዘለዎ ምዃኑን ዘይምዃኑን ክውስን እዩ።
ናብ ካልእ ኤውሮጳዊት ሃገር ምስግጋር
ናብታ ካልእ ኤውሮጳዊት ሃገር ብ3 ኣገባባት ክትሰጋገር ትኽእል ኢኻ፡
ባዕልኻ ናብታ ካልእ ሃገር ክትምለስ ትኽእል። ስለዚ ኣብ ውሽጢ 10 መዓልታት ክትምለስ ኣለካ።
ሓደ ኔዘርላንዳዊ በዓል-መዚ ክመልሰካ እዩ።
ካብታ ካልእ ኤውሮጳዊት ሃገር ዝመጸ በዓል-መዚ ክመልሰካ እዩ።
ኣስተውዕል፡ እታ ካልእ ኤውሮጳዊት ሃገር ነቲ ካብ IND ዝቐረበላ ሕቶ ድሕሪ ምቕባላ፣ ኣብ ውሽጢ 6 ኣዋርሕ ክትምለስ ኣለካ። ወይ ድሕሪ ውሳኔ ናይ (ላዕለዋይ) ይግባይ ኣብ ውሽጢ 6 ኣዋርሕ። እዚ ድማ undefinedናይ ምስግጋር ገደብ-ግዜundefined ይበሃል።
ድሕሪ ናይ ዱብሊን ውሳኔ IND ከምዚ እዩ ዝገብር
IND ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፉ ናብታ ካልእ ኤውሮጳዊት ሃገር ናይ ዳግመ-ምቕባል ወይ እንደገና ሓላፍነት ናይ ምቕባል ሕቶ ከቕርብ ኣለዎ። እታ ካልእ ኤውሮጳዊት ሃገር ነቲ ዝቐረበ ሕቶ ብዝምልከት መርመራ ትገብር፣ ከምኡ እውን ንIND መልሲ ትህብ። እታ ሃገር ነቲ ዝቐረበ ሕቶ ክትነጽጎ ትኽእል እያ። እታ ሃገር ንዝቐረበላ ናይ ዳግመ-ምቕባል ሕቶ ኣብ ውሽጢ 2 ኣዋርሕ መልሲ ክትህብ ኣለዋ።
እታ ካልእ ኤውሮጳዊት ሃገር ካብ IND ንዝቐረበላ ሕቶ ነጺጋቶ ድያ? ስለዚ IND ናይ ዳግመ-ግምገማ ሕቶ ከቕርብ ይኽእል እዩ። እዚ ማለት እታ ካልእ ኤውሮጳዊት ሃገር ከም ብሓድሽ መርመራ ክትገብር ኣለዋ ማለት እዩ።