ኣርእስታት

show menu options

TI

ትግርኛ

Tigrinya




ኣብ ናይ ቅልውላው ህጹጽ መዕቆቢ ኣብ ኣዳራሽ ጂምናዝየም ዝርከቡ ሰባት

ኣነ ኣብ ግዝያዊ መቐበሊ እየ ዝቕመጥ ዘለኹ

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 28/3/2024 8:49 ቅ.ቀ.
ነዚ ዓንቀጽ ኣካፍል

ኣብ ግዝያዊ መቐበሊ ትቕመጥ ኣለኻ፣ ምኽንያቱ ድማ እቲ ንቡር መቐበሊ ስለ ዝመልአ እዩ። ኣብዚ ንኽንደይ ግዜ ክትጸንሕ ከም ዘለካ መብዛሕትኡ ግዜ ንጹር ኣይኮነን። ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ መንጎ ብዙሓት መቐበሊ ቦታታት ንኽትግዕዝ ክትግደድ ኢኻ።

ግዝያዊ መቐበሊ

እቲ ግዝያዊ መቐበሊ ካብቲ ንቡር መቐበሊ ዝወሓደ መሳለጥያታት ኣለዎ። መቐበሊ ንኣብነት ኣዳራሽ ስፖርት፣ ዓብይ ዳስ ወይ ንግዚኡ ኣብ ጥቕሚ ዝውዕል ናይ ቀደም ቤት-ትምህርቲ እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ምስ ሓያሎ ሰባት ኣብ ሓደ ክፍሊ (ኣብ ዓራት-ደምበ ወይ ኣብ ደርቢ-ዓራት) ኢኻ እትድቅስ። እቲ እትነብረሉ ምምሕዳር ከተማ እዩ ሓላፍነት ናይቲ መቐበሊ ዝወስድ። ኣባል ስድራ-ቤትካ ኣብ ንቡር መቐበሊ፣ ንስኻ ድማ ኣብ ግዝያዊ መቐበሊ ዲኻ ትቕመጥ ዘለኻ? መብዛሕትኡ ግዜ ቦታ ስለዘየለ ናብ ኣባል ስድራ-ቤትካ ክትግዕዝ ኣይትኽእልን ኢኻ።

ኣብቲ ግዝያዊ መቐበሊ ነዚ ናይ ምርካብ መሲል እዩ ዘለካ

  • ዓራት

  • መግብን ዝስተይን

  • ናይ ውልቃዊ ክንክን ፍርያት (ሳሙናን ሻምፖን) ዝሓዘ ጥምሮ

  • ሕክምናዊ ክንክን

መስርሕ ዑቕባኻ ብወግዒ ምስ ተጀመረ ናይ

ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
መነባብሮ ኣበል
ክትረክብ እውን መሰል ኣለካ። እዚ ድማ ምስ
ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND)
ካልኣይ ቃለ-መሕትት ንኽትገብር ዕድመ ምስ ተቐበልካ እዩ።

ኣብ ግዝያዊ መቐበሊ ዝርከቡ መሳለጥያታት

  • መብዛሕትኡ ግዜ ዋይፋይ [Wi-Fi] ኣሎ።

  • መብዛሕትኡ ግዜ መግቢ ባዕልኻ ክትሰርሓሉ እትኽእል ክሽነ የለን። መግቢ ትቕበል ኢኻ።

  • ካብቲ ንቡር መቐበሊ ማእከላት ዝወሓደ ንጥፈታት ድማ ኣሎ። ሓደ ሓደ ግዜ ትምህርቲ ቋንቋ ኔዘርላንድ ክትከታተል ትኽእል ኢኻ። ወይ ድማ ወለንታዊ ስራሕ ትሰርሕ። ኣብቲ መቐበሊ ማእከል ንዝርከቡ ሰራሕተኛታት እንታይ ክትገብር ከም እትደልይ ንገሮም። ሓደ ሓደ ግዜ ተኽእሎታት ኣለዉ።

  • ኣብ እዋን መዓልቲ ኣብ ዝኾነ እዋን ካብቲ ቀጽሪ ክትወጽእ ትኽእል ኢኻ። መስርሕ ዑቕባኻ ብዝምልከት ብፖስታን ብተሌፎንን ክትረክብ ከም እትኽእል ኩን። ብዛዕባ እዚ ተሓታቲ ንስኻ ባዕልኻ ኢኻ።

  • ካብ IND ቃለ-መሕትት ንኽትገብር ዕድመ እንተድኣ ተቐቢልካ፣ እቲ መቐበሊ ቦታ መጓዓዝያ ከዋድደልካ እዩ። ነዚ ባዕልኻ ክትከፍሎ ኣየድልየካን እዩ።

  • ኣብቲ ግዝያዊ መቐበሊ ከባቢ 20 ኪሎ ዝምዘን ኣቚሑት ምሳኻ ክህልወካ ይፍቀደልካ እዩ።

ኣስተውዕል፡ገና ዑቕባ ንምርካብ ዘየምልከትካ ምስ እትኸውን (ስለዚ ድማ ገና V-ቁጽሪ ዘይብልካ ምስ እትኸውን)፣ መድሕን የብልካን። ብዛዕባ እዚ ኣብቲ መቐበሊ ምስ ዝርከብ

ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
VluchtelingenWerk (VWN)
ወይ
ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
ማእከላይ ኣካል መቐበሊ ሓተትቲ ዑቕባ (COA)
ዝህልወካ ናይ ምኽሪ ሰዓት ሓብር። ንሳቶም ድማ ብዛዕባ እዚ ክሕብሩ እዮም። ብድሕሪኡ ብዝተኻእለ መጠን ብዝቐልጠፈ ንምዝገባኻ ዝምልከት ዕድመ ክመጸካ እዩ።

ኣብ ግዝያዊ መቐበሊ ዝርከቡ ቆልዑት

  • ኩሎም ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑት ናይ ትምህርቲ መሰል ኣለዎም። ኣብ ግዝያዊ መቐበሊ ሓደ ሓደ ግዜ ንቆልዑት ዝኸውን ትምህርቲ የለን። እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ብሰንኪ ሕጽረት መምህራን እዩ። ነዚ ንምምሕያሽ ድማ VWN ምስ መንግስቲ ይዘራረብ ኣሎ።

  • ኣብ ግዝያዊ መቐበሊ መብዛሕትኡ ግዜ ንቆልዑት ዝውደቡ ንጥፈታት ኣዝዮም ውሑዳት እዮም። ከም ጸወታታት፣ ሙዚቃን ስፖርትን ዝኣመሰሉ። ሓደ ሓደ ግዜ ቆልዑት ዝጻወቱሉ ቦታ ውሑድ እዩ ዘሎ።

ኣብቲ ግዝያዊ መቐበሊ ክትዕቆብ ዘይትኽእል ክትከውን ትኽእል ኢኻ፣ እንተድኣ፡
እዚ ዓንቀጽ ሓጊዙካ' ዶ?