ኣብ ተር ኣፐል ትምዝገብ
ኣብ ኔዘርላንድ ዑቕባ ንምሕታት ኣብ ገጠር ተር ኣፐል ኣብ ዝርከብ ማእከል መመልከቲ ትምዝገብ። ኣብዚ ዑቕባ ንምርካብ ናብ IND ተመልክት፣ ፖሊስ ኔዘርላንድ ድማ ንመመልከቲኻ ክምዝግቦ እዩ።
ኣብ ተር ኣፐል ምስ ኣተኻ፣ ኣብ
ስምካ
ዕለት ልደትካ
መቦቆል ሃገርካ
ኣየኖት ኣባላት ስድራ-ቤት ምሳኻ ከምዝተጓዕዙ
ኣየናይ ቋንቋ ከም እትዛረብ
ንምንታይ ከምዝሃደምካ
ካብ IND ደብዳቤ ክትቕበል ኢኻ። ኣብዚ ደብዳቤ ድማ ዘመልከትካሉ ዕለት ተጠቒሱ ይርከብ።
ተራኻ ምስ በጽሐ፣ ነቲ ካብ IND ዝተቐበልካዮ ደብዳቤ ሒዝካ ናብ ፖሊስ (
ስምካ
ዕለት ልደትካ
ዝተወለድካሉ ቦታ
ኣብ ኔዘርላንድ ኣባላት ስድራ-ቤት ዘለካ ምዃንካን ዘይምዃንካን
ኣየናይ ቋንቋ ከም እትዛረብ
ንምንታይ ከም ዝሃደምካ
ፖሊስ ስእልኻን ኣሰር ኣጻብዕትኻን ይወስዱ። ፖሊስ ንሓበሬታታትካ፣ ስእልታትካን ኣሰር ኣጻብዕትኻን ኣብ፡
ኣብዚ ስርዓት ቁጽሪ ክትቕበል ኢኻ። እዚ ድማ '
' ይበሃል።V-ቁጽሪብተወሳኺ ጉርዲ ስእልኻ፣ ውልቃዊ ዝርዝር ሓበሬታኻን 'V-ቁጽርኻን' ዝሓዘ ካርድ ክትቕበል ኢኻ። እዚ ካርድ እዚ
ይበሃል። ቅድሚ 11 መስከረም 2024 ዲኻ W-document ተቐቢልካ? ስለዚ እዚ ን18 ኣዋርሕ ዘገልግል እዩ። ብዕለት 11 መስከረም ወይ ድሕሪኡ W-document ዝተቐበልካ ምስ እትኸውን ድማ ን24 ኣዋርሕ ዘገልግል እዩ።'W-document'ኣብ ፖሊስ ነቲ ናይ ዑቕባ መመልከቲኻ ክትፍርመሉ ኢኻ። እዚ ድማ
ይበሃል።ቅጥዒ-M35H
ፖሊስ ንክዳውንትኻን ንሻንጣኻን ይፍትሹ። ፖሊስ ምናልባት ተሌፎንካ ንኽፍትሽዋ ካባኻ ክወስድዋ ይኽእሉ እዮም። ፖሊስ ኣቑሑት እንተድኣ ወሲዶምልካ ናይዚ መረጋገጺ ወረቐት ክትቕበል ኢኻ። ነዚ ወረቐት ድማ ኣብ ጽቡቕ ኣቐምጦ። ድሒርካ ነዞም ኣቑሑት በዚ ወረቐት ተጠቂምካ ክትወስዶም ትኽእል ኢኻ።
ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ መንጎ ምዝገባኻ ኣብ INDን ምስ ፖሊስ ዝግበር ዝርርብን ግዜ ይወስድ እዩ። ገና ናብ ፖሊስ ኣይከድካን ዲኻ፣ ከምኡ እውን ኣብ ተር ኣፐል ወይ ቡደል ናብ ፖሊስ ንኽትከይድ ቆጸራ የብልካን ዲኻ? ከምኡ ምስ ዝኸውን ናብ
ኣብ ተር ኣፐል እውን ሓደ ሓደ ግዜ እኹል መዕቆቢ የለን። ስለዚ ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ እዋን መስርሕ ምዝገባኻ፣ ኣብቲ ከባቢ ናብ ዝርከብ
INDን ፖሊስን ንዓኻ ቅድሚ ምምዝጋቦም ነዊሕ ግዜ ክወስድ ከም ዝኽእል ኣብ ግምት ኣእቱው። INDን ፖሊስን ኣዝዩ ጻዕቂ ስራሕ ኣለዎም። ክልቲኦን ውድባት ንብዝሒ ሕቶታት ዑቕባ ንምምስራሕ እኹላት ሰራሕተኛታት የብሎምን፣ ስለዚ ድማ መስርሕ ምዝገባ ነዊሕ ግዜ ክወስድ ይኽእል እዩ።
ብመሰረት መንግስቲ ኔዘርላንድ ውሕስቲ ካብ ዝኾነት ሃገር ዝመጻእካ ምስ እትኸውን፡