ዜናዕዳጋ
ኣብ ተር ኣፐል ዝርከብ ስደተኛታት ዝምዝገብሉ ነቚጣ
ምንጪ፡ IND
ሓበሬታ
ኣብ ተር ኣፐል ትምዝገብ
ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 17/7/2024 7:25 ቅ.ቀ.

ኣብ ኔዘርላንድ ዑቕባ ንምሕታት ኣብ ገጠር ተር ኣፐል ኣብ ዝርከብ ማእከል መመልከቲ ትምዝገብ። ኣብዚ ዑቕባ ንምርካብ ናብ IND ተመልክት፣ ፖሊስ ኔዘርላንድ ድማ ንመመልከቲኻ ክምዝግቦ እዩ።

ኣብ IND ተመዝገብ

ኣብ ተር ኣፐል ምስ ኣተኻ፣ ኣብ

ቤት-ጽሕፈት ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND)
ክትምዝገብ ኣለካ። IND ድማ ነዚኦም ዝስዕቡ ይሓተካ፡

  • ስምካ 

  • ዕለት ልደትካ

  • መቦቆል ሃገርካ

  • ኣየኖት ኣባላት ስድራ-ቤት ምሳኻ ከምዝተጓዕዙ

  • ኣየናይ ቋንቋ ከም እትዛረብ

  • ንምንታይ ከምዝሃደምካ

ካብ IND ደብዳቤ ክትቕበል ኢኻ። ኣብዚ ደብዳቤ ድማ ዘመልከትካሉ ዕለት ተጠቒሱ ይርከብ።

ምስ ፖሊስ ዝግበር ዝርርብ

ተራኻ ምስ በጽሐ፣ ነቲ ካብ IND ዝተቐበልካዮ ደብዳቤ ሒዝካ ናብ ፖሊስ (

ክፍሊ ፖሊስ ወጻእተኛታት፣ መለለዪን ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባትን፣ AVIM
) ክትቐርብ ትኽእል ኢኻ። ድሕሪኡ ምስ ፖሊስ ዝርርብ ትገብር። ፖሊስ ድማ ነዚኦም ዝስዕቡ ይሓተካ፡

  • ስምካ

  • ዕለት ልደትካ

  • ዝተወለድካሉ ቦታ

  • ኣብ ኔዘርላንድ ኣባላት ስድራ-ቤት ዘለካ ምዃንካን ዘይምዃንካን

  • ኣየናይ ቋንቋ ከም እትዛረብ

  • ንምንታይ ከምዝሃደምካ

ፖሊስ ስእልኻ ይወስዱ፣ ከምኡ እውን ኣሰር ኣጻብዕትኻ ይወስዱ። ፖሊስ ንሓበሬታታትካ፣ ስእልታትካን ኣሰር ኣጻብዕትኻን ኣብ፡

መሰረታዊ ማዕከን-ሓበሬታ ወጻእተኛ ዜጋታት (BVV)
ዝበሃል ሃገራዊ ስርዓት ድማ ይምዝግብዎ።

  • ኣብዚ ስርዓት ቁጽሪ ክትቕበል ኢኻ። እዚ ድማ '

    V-ቁጽሪ
    ' ይበሃል።

  • ብተወሳኺ ጉርዲ ስእልኻ፣ ውልቃዊ ዝርዝር ሓበሬታኻን 'V-ቁጽርኻን' ዝሓዘ ካርድ ክትቕበል ኢኻ። እዚ ካርድ እዚ

    'W-document'
    ይበሃል። ቅድሚ 22 ሰነ 2023 ዲኻ W-document ተቐቢልካ? ከምኡ ምስ ዝኸውን እዚ ን12 ኣዋርሕ ዘገልግል እዩ። ብዕለት 22 ሰነ ወይ ድሕሪኡ W-document ዝተቐበልካ ምስ እትኸውን ድማ ን18 ኣዋርሕ ዘገልግል እዩ።

  • ኣብ ፖሊስ ነቲ ናይ ዑቕባ መመልከቲኻ ክትፍርመሉ ኢኻ። እዚ ድማ

    ቅጥዒ-M35H
    ይበሃል።

ፖሊስ ንክዳውንትኻን ንሻንጣኻን ይፍትሹ። ፖሊስ ምናልባት ተሌፎንካ ንኽፍትሽዋ ካባኻ ክወስድዋ ይኽእሉ እዮም። ፖሊስ ኣቑሑት እንተድኣ ወሲዶምልካ ናይዚ መረጋገጺ ወረቐት ክትቕበል ኢኻ። ነዚ ወረቐት ድማ ኣብ ጽቡቕ ኣቐምጦ። ድሒርካ ነዞም ኣቑሑት በዚ ወረቐት ተጠቂምካ ክትወስዶም ትኽእል ኢኻ። 

ኣብ እዋን መስርሕ ዑቕባ ሰነዳት ብኸምዚ ኢኻ ናብ IND እተረክብ
ኣብዚ ገጽ ኣየኖት ሰነዳት ናብ IND ከተረክብ ከም እትኽእል ከተንብብ ትኽእል ኢኻ። ብኸመይ ከም እተረክቦም ድማ።

ገና ናብ ፖሊስ እንተድኣ ዘይበጻሕካ ኮይንካ ናብ VluchtelingenWerk ሓብር

ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ መንጎ ምዝገባኻ ኣብ INDን ምስ ፖሊስ ዝግበር ዝርርብን ግዜ ይወስድ እዩ። ገና ናብ ፖሊስ ኣይከድካን ዲኻ፣ ከምኡ እውን ኣብ ተር ኣፐል ወይ ቡደል ናብ ፖሊስ ንኽትከይድ ቆጸራ የብልካን ዲኻ? ከምኡ ምስ ዝኸውን ናብ

VluchtelingenWerk
ኪድ። ኣብቲ መዕቆቢ ቦታኻ ቤት-ጽሕፈት ኣለዎም። ሰራሕተኛታት ናይ VWN ገና ንምዝገባ ትጽበይ ከምዘለኻን ክምዝግቡኻ ከምዘለዎምን ንፖሊስ ክሕብሩ ይኽእሉ እዮም። 

ሓደ ሓደ ግዜ እኹል መዕቆቢ ቦታታት የለን

ኣብ ተር ኣፐል እውን ሓደ ሓደ ግዜ እኹል መዕቆቢ የለን። ስለዚ ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ እዋን መስርሕ ምዝገባኻ፣ ኣብቲ ከባቢ ናብ ዝርከብ

ግዝያዊ መዕቆቢ
ክትውሰድ ኢኻ። ከምዚ ሕጂ ዘለዎ ኩነታት፣ ኣብዚ ብርክት ንዝበሉ ሳምንታት ክትጸንሕ ኢኻ። ተራኻ ምስ በጽሐ ድማ መስርሕ ምዝገባኻ ንምዝዛም ናብ ተር ኣፐል ወይ ቡደል ክትውሰድ ኢኻ።

ኣብ ተር ኣፐል ዝግበር ምዝገባ ነዊሕ ግዜ ክወስድ ይኽእል እዩ

INDን ፖሊስን ንዓኻ ቅድሚ ምምዝጋቦም ነዊሕ ግዜ ክወስድ ከም ዝኽእል ኣብ ግምት ኣእቱው። INDን ፖሊስን ኣዝዩ ጻዕቂ ስራሕ ኣለዎም። ክልቲኦን ውድባት ንብዝሒ ሕቶታት ዑቕባ ንምምስራሕ እኹላት ሰራሕተኛታት የብሎምን፣ ስለዚ ድማ መስርሕ ምዝገባ ነዊሕ ግዜ ክወስድ ይኽእል እዩ።

እቶም ኣብዚ መስርዕ ዝርከቡ ዝተረፉ ስጉምትታት ብዛዕባ ኣገባብ ዑቕባ ኣብ ከምዚ ዝስዕብ ንዓኻ ኣይምልከቱኻን እዮም፡

ብመሰረት መንግስቲ ኔዘርላንድ ውሕስቲ ካብ ዝኾነት ሃገር ዝመጻእካ ምስ እትኸውን፡

IND ንዘመልከትካዮ ዑቕባ ብዝቐልጠፈ መስርሕ እዩ ዘመስርሖ
IND ካብ ውሑስ መበቆል ሃገር ዝመጻእካ ኢኻ ኢሉ ድዩ ዝሓስብ? ስለዚ እቲ ዝቐልጠፈ መስርሕ ዑቕባ ንዓኻ ይምልከት እዩ። ውሑስ መበቆል ሃገር እንታይ ማለት ምዃኑን፣ እቲ ዝቐልጠፈ መስርሕ እንታይ ከም ዘጠቓልልን ኣብዚ ገጽ ኣንብብ።
ፖሊስ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ካልእ ኤውሮጳዊት ሃገር ከም ዝተመዝገብካ ምስ ዝርእይ፡

IND ንዘመልከትካዮ ዑቕባ ኣብ መስርሕ ዱብሊን እዩ ዘመስርሖ
ብዛዕባ መስርሕ-ዱብሊን ዝያዳ ኣብዚ ገጽ ኣንብብ።

ነዚ ዓንቀጽ ከመይ ረኺብካዮ?