ኣብ Ter Apel ምምዝጋብ
ኣብ ኔዘርላንድ ዑቕባ ንምርካብ ከተመልክት ትደልይ ዲኻ? ስለዚ ኣብ ቁሸት ተር ኣፐል ናብ ዝርከብ ማእከል መመልከቲ ክትከይድ ኣለካ። ኣብኡ ዑቕባ ክትሓትትን ምስ ፖሊስ ኔዘርላንድ ክትዘራረብን ትኽእል ኢኻ።
ምዝገባ ካብ 7 ክሳብ 10 መዓልታት ይወስድ
ብሰንኪ ጻዕቂ ሰብ ኣብዚ እዋን ኣብ ተር ኣፐል እኹል መቐበሊ የለን። ስለዚ ኣብ እዋን ምምልካት ሓደ-ሓደ ግዜ ናብ ናይ ህጹጽ እዋን መዕቆቢ ክትውሰድ ኢኻ። ኣብዚ ካብ 7 ክሳብ 10 መዓልታት ክትጸንሕ ኢኻ። መመልከቲኻ ንምዝዛም ድማ ናብ ተር ኣፐል ከም እትምለስ ክግበር እዩ።
ኣብ IND ተመዝገብ
ኣብ ተር ኣፐል ምስ ኣተኻ፣ ኣብ
ስምካ
ዕለት ልደትካ
መቦቆል ሃገርካ
ኣየኖት ኣባላት ስድራ-ቤት ምሳኻ ከምዝተጓዕዙ
ኣየናይ ቋንቋ ከም እትዛረብ
ንምንታይ ከምዝሃደምካ
ካብ IND ደብዳቤ ክትቕበል ኢኻ። ኣብዚ ደብዳቤ ድማ ዘመልከትካሉ ዕለት ተጠቒሱ ይርከብ። ናብ IND ሰነዳት ከተረክብ ትኽእል ኢኻ። ከም በዓል መረጋገጺ መንነትካ ወይ ንናይ ስደተኛ ታሪኽካ ዝድግፉ ሰነዳት ዝኣመሰሉ። እንተድኣ ናብ IND ሰነዳት ኣረኪብካ ብዛዕባ እዚ ብጽሑፍ መረጋገጺ ክትቕበል ኢኻ። ገና ምሳኻ ሰነዳት የብልካን ድዩ? ስለዚ ድሒርካ ከተረክብ እውን ትኽእል ኢኻ።
ምስ ፖሊስ ዝግበር ዝርርብ
ተራኻ ምስ በጽሐ፣ ነቲ ካብ IND ዝተቐበልካዮ ደብዳቤ ሒዝካ ናብ ፖሊስ (ክፍሊ ፖሊስ ወጻእተኛታት፣ መለለዪን ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባትን፣ AVIM) ክትቐርብ ትኽእል ኢኻ። ድሕሪኡ ምስ ፖሊስ ዝርርብ ትገብር። ፖሊስ ድማ ነዚኦም ዝስዕቡ ይሓተካ፡
ስምካ
ዕለት ልደትካ
ዝተወለድካሉ ቦታ
ኣብ ኔዘርላንድ ኣባላት ስድራ-ቤት ዘለካ ምዃንካን ዘይምዃንካን
ኣየናይ ቋንቋ ከም እትዛረብ
ንምንታይ ከምዝሃደምካ
ፖሊስ ስእሊታትካ ይወስድ፣ ከምኡ እውን ኣሰር ኣጻብዕትኻ ይወስድ። ፖሊስ ንክዳውንትኻን ንሻንጣኻን ክፍትሾ እዮ። ፖሊስ ንቴለፎንካ ንኽፍትሻ ምናልባት ካባኻ ክወስዳ ይኽእል እዩ። ፖሊስ ንሓበሬታታትካ፣ ስእልታትካን ኣሰር ኣጻብዕትኻን ኣብ፡ መሰረታዊ መሳለጥያ ንወጻእተኛታት ዜጋታት (BVV) ዝበሃል ሃገራዊ ስርዓት ይምዝግቦም። ካብዚ ስርዓት ድማ ቁጽሪ ክትቕበል ኢኻ። እዚ ድማ undefinedV-ቁጽሪundefined ይበሃል። ብተወሳኺ ጉርዲ ስእሊ፣ ውልቃዊ ሓበሬታታትካ፣ ከምኡ እውን ናትካ undefinedV-ቁጽሪundefined ዝሓዘ ደብዳቤ ክትቕበል ኢኻ። ናይ ዑቕባ መመልከቲኻ ድማ ኣብ ፖሊስ ትፍርም። እዚ ድማ ቅጥዒ-M35H ይበሃል።
ኣስተውዕል:ኣብ ፖሊስ ገና ኣይተመዝገብካን ዲኻ ዘለኻ? ከምኡ እውን ገና ኣብ ናይ ቅልውላው ህጹጽ መዕቆቢ ንነዊሕ እዋን ትጽበይ ዲኻ ዘለኻ? እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት IND ብሰንኪ ሕጽረት ሰራሕተኛታት ምስ ብዝሒ ሕቶታት ዑቕባ ማዕሪኡ ክኸይድ ስለ ዘይክእል እዩ። IND ክሳብ ዘርክበሉ ዓቕሊ ንኽትገብር ድማ ይሓተካ።
እቶም ኣብዚ መስርዕ ዝርከቡ ዝተረፉ ስጉምትታት ብዛዕባ ኣገባብ ዑቕባ ኣብ ከምዚ ዝስዕብ ንዓኻ ኣይምልከቱኻን እዮም፡
ብመሰረት መንግስቲ ኔዘርላንድ ውሕስቲ ካብ ዝኾነት ሃገር ዝመጻእካ ምስ እትኸውን፡
ፖሊስ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ካልእ ኤውሮጳዊት ሃገር ከም ዝተመዝገብካ ምስ ዝርእይ፡