ኣርእስታት

show menu options

TI

ትግርኛ

Tigrinya




ኣብ ኔዘርላንዳዊት ገጠር ተር ኣፐል ዝርከብ ማእከል መመልከቲ ናይ IND
ምንጪ፡ IND

ምስ IND ዝግበር 1ይ ቃለ-መሕትት

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 9/2/2024 3:15 ድ.ቀ.
ነዚ ዓንቀጽ ኣካፍል

ምስ ቤት-ጽሕፈት ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND) እትገብሮ 1ይ ቃለ-መሕትት ክህልወካ እዩ። ኣብዚ ቃለ-መሕትት IND ብዛዕባኻን ናብ ኔዘርላንድ ብዛዕባ ዝገበርካዮ ምህዳምን ሕቶታት ክሓተካ እዩ። ንቃለ-መሕትት ብኸመይ ከም እትዳሎው ኣብዚ ታሕቲ ኣንብብ።

ቃለ-መሕትት ንምግባር ምዕዳም

ምስ

ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
IND
1ይ ቃለ-መሕትት ንምግባር ዕድመ ብፖስታ ክመጽኣካ እዩ። ነዚ ፖስታ ካብቲ ናይ መዕቆቢ ቦታኻ መቐበሊ ኣጋይሽ ክትወስዶ ትኽእል ኢኻ። ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ መቐበሊ ኣጋይሽ ናይ መዕቆቢ ቦታኻ፣ ናይቶም ፖስታ ዝመጽኦም ሰባት '
ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
V-ቁጽሪታት
' ዘለዎ ዝርዝር ይልጠፍ እዩ። ፖስታኻ ንምቕባል ድማ ኣብቲ መቐበሊ ኣጋይሽ ናይ መንነት ወረቐትካ (
ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
W-document
) ከተርእይ ኣለካ።

ብተወሳኺ ብኢንተርነት ብመንገዲ MyCoa ፖስታ መጺኡካ ዘሎ ምዃኑን ዘይምዃኑን ክትርእይ ትኽእል ኢኻ። ኣብኡ V-ቁጽሪኻ እንተድኣ ጽሒፍካዮ፣ ቀጠልያ ወይ ቀይሕ ፖስታ ክትርእይ ኢኻ። ቀጠልያ ፖስታ ማለት ፖስታ መጺኡካ ኣሎ ማለት እዩ። ቀይሕ ፖስታ ማለት ድማ ዝመጽኣካ ፖስታ የለን ማለት እዩ። 

IND ኣብ እዋን ቃለ-መሕትት ነዚ ይሓትት

ኣብ እዋን እቲ ቃለ-መሕትት IND ዝርዝር ሓበሬታታትካ ቅኑዓት ምዃኖምን ዘይምዃኖም ይምርምር። IND ብዛዕባኻ፣ ብዛዕባ ናብ ኔዘላንድ ዝገበርካዮ ምህዳምን ኣቃውማ ስድራ-ቤትካን ዝምልከቱ ሕቶታት ይሓትት። IND ኣብዚ 1ይ ቃለ-መሕትት ብዛዕባ ምኽንያታት ተወሳኺ ሕቶታት ኣይሓትትን እዩ። ኣብ 2ይ ቃለ-መሕትት ብዛዕባ እዚ ብዝርዝር ንኽትነግር ዕድል ክወሃበካ እዩ።

ንምድላው ነዚ ክትፈልጥ ኣለካ

ኣብቲ ምስ IND እትገብሮ 1ይ ቃለ-መሕትት ከምቲ ኣብ 2ይ ቃለ-መሕትት እትብሎ ክትዛረብ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ንኣብነት ብዛዕባ ኣባላት ስድራ-ቤትካ። ኣብ እዋን እቲ ቃለ-መሕትት ብዛዕባ ኣባላት ስድራ-ቤትካ ብቕንዕና ንገር። ድሒርካ ንጥርናፈ ስድራ-ቤት ከተመልክት ምስ እትደልይ፣ IND ኣብዚ ቃለ-መሕትት ብዛዕባ ኣባላት ስድራ-ቤትካ ድሮ ዝነገርካ ምዃንካን ዘይምዃንካን ክምርምር እዩ።

ኣብ ኩሎም ምስ IND እትገብሮም ኣፋዊ ቃለ-መሕትታት መዘኻኸሪ ጽሑፋት ሒዝካ ክትመጽእ ትኽእል ኢኻ። ኣገደስቲ ዕለታት ንምዝካር ድማ ናይ ግዜ መስመር ከተዳሉው ትኽእል ኢኻ። ዕለት እንተድኣ ዘይትፈልጦ ኮይንካ፣ ብዛዕባ እዚ ንIND ብቕንዕና ንገር። ኣብ እዋን ምስ IND እትገብሮ ቃለ-መሕትት ንታሪኽካ ዝድግፉ ሰነዳት ከተረክብ ድማ ትኽእል ኢኻ።

ኣብቲ ምስ IND ዝግበር ቃለ-መሕትት ቋንቋኻ ዝዛረብ ኣተርጓሚ ኣሎ

ሰራሕተኛ ናይ IND ነቶም ሕቶታት ብቋንቋ ኔዘርላንድ እዩ ዝሓትት። ኣተርጓሚ ድማ ነዚ ክትርጉመልካ እዩ። ንመልስታትካ እውን እቲ ኣተርጓሚ ናብ ቋንቋ ኔዘርላንድ ክትርጉሞም እዩ። እቲ ኣተርጓሚ ካብ መበቆል ሃገርካ ዝመጽአ ኮይኑ ገለልተኛ እዩ፣ ኣብ IND ዝሰርሕ እውን ኣይኮነን፣ ከምኡ እውን ኣብቲ ብዛዕባ እቲ ዘመልከትካዮ ዑቕባ ዝውሰድ ውሳኔ ዋላ ሓንቲ ጽልዋ የብሉን። ኣተርጎምቲ ኣዝዩ ስራሕ ስለ ዝጽዕቆም ካልእ ላህጃ ዝዛረብ ኣተርጓሚ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ንስኻን እቲ ኣተርጓሚን ጽቡቕ ገይርኩም ክትረዳድኡ እንተድኣ ዘይክኢልኩም ብቀጥታ ንገር። ምኽንያቱ እቲ ኣተርጓሚን ንስኻን ጽቡቕ ገይርኩም ክትረዳድኡ ብሰንኪ ዘይምኽኣልኩም ዘይምርድዳእ ከይፍጠር ኣገዳሲ ስለዝኾነ።

ኣብ እዋን ናይ ምዝገባ ቃለ-መሕትት፣ ብላህጃኻ ዝዛረብ ኣተርጓሚ ክትሓትትን ከማኻ ጾታ ዘለዎ ኣተርጓሚ ክትሓትትን ትኽእል ኢኻ።

ኣብ IND ነዊሕ ናይ ምጽባይ ግዜ ኣሎ

ሕጂ ኣብ IND ናይ መጀመርታ ቃለ-መሕትትካ ንምግባር ብማእከላይ ገምጋም 18 ሳምንታት ትጽበይ።

እዚ ዓንቀጽ ሓጊዙካ' ዶ?

መርሓ ስጉምቲ

መስርሕ ዕቚባ