
ምስ IND ኣብ ተር ኣፐል 1ይ ቃለ-መሕትት ትገብር
ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣካፍል፡
ምስ ቤት-ጽሕፈት ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND) እትገብሮ 1ይ ቃለ-መሕትት ክህልወካ እዩ። ኣብዚ ቃለ-መሕትት IND ብዛዕባኻን ናብ ኔዘርላንድ ብዛዕባ ዝገበርካዮ ምህዳምን ሕቶታት ክሓተካ እዩ። ንቃለ-መሕትት ብኸመይ ከም እትዳሎው ኣብዚ ታሕቲ ኣንብብ።
ቃለ-መሕትት ንምግባር ምዕዳም
ምስ
ብተወሳኺ ብኢንተርነት ብመንገዲ MyCoa ፖስታ መጺኡካ ዘሎ ምዃኑን ዘይምዃኑን ክትርእይ ትኽእል ኢኻ። ኣብኡ V-ቁጽሪኻ እንተድኣ ጽሒፍካዮ፣ ቀጠልያ ወይ ቀይሕ ፖስታ ክትርእይ ኢኻ። ቀጠልያ ፖስታ ማለት ፖስታ መጺኡካ ኣሎ ማለት እዩ። ቀይሕ ፖስታ ማለት ድማ ዝመጽኣካ ፖስታ የለን ማለት እዩ።
My COA
IND ኣብ እዋን ቃለ-መሕትት ነዚ ይሓትት
ኣብ እዋን እቲ ቃለ-መሕትት
ንምድላው ነዚ ክትፈልጥ ኣለካ
እዚ 1ይ ቃለ-መሕትት ብዘይ ጠበቓ በይንኻ ኢኻ ምስ IND እትገብሮ። 2ይ ቃለ-መሕትት ክትገብር ቁሩብ ግዜ ምስ ተረፈካ ጥራይ እዩ ጠበቓ ዝምደበልካ።
ኣብቲ ምስ IND እትገብሮ 1ይ ቃለ-መሕትት ከምቲ ኣብ 2ይ ቃለ-መሕትት እትብሎ ክትነግር ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ንኣብነት ብዛዕባ ኣባላት ስድራ-ቤትካ። ኣብ እዋን እቲ ቃለ-መሕትት ብዛዕባ ኣባላት ስድራ-ቤትካ ብቕንዕና ንገር። ድሒርካ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ከተመልክት እንተድኣ ደሊኻ፣ IND ኣብዚ ቃለ-መሕትት ድሮ ብዛዕባ ኣባላት ስድራ-ቤትካ ዝነገርካ ምዃንካን ዘይምዃንካን ክምርምር እዩ።
ኣብ ኩሎም ምስ IND እትገብሮም ኣፋዊ ዝርርባት ምሳኻ መዘኻኸሪ ጽሑፋት ክትወስድ ትኽእል ኢኻ። ኣገደስቲ ዕለታት ንምዝካር ናይ ግዜ መስመር ከተዳሉው ትኽእል ኢኻ። ዕለት ኣይትፈልጦን ዲኻ? ስለዚ ብዛዕባ እዚ ንIND ብቕንዕና ንገር። ምስ IND ኣብ እትገብሮ ቃለ-መሕትት ንታሪኽካ ዝድግፉ ሰነዳት ከተቕርብ ድማ ትኽእል ኢኻ።
ኣብ እዋን መስርሕ ዑቕባ ሰነዳት ብኸምዚ ኢኻ ናብ IND እተረክብ
ኣብቲ ምስ IND ዝግበር ቃለ-መሕትት ቋንቋኻ ዝዛረብ ኣተርጓሚ ኣሎ
ሰራሕተኛ ናይ IND ነቶም ሕቶታት ብቋንቋ ኔዘርላንድ እዩ ዝሓትት። ኣተርጓሚ ድማ ነዚ ክትርጉመልካ እዩ። ንመልስታትካ እውን እቲ ኣተርጓሚ ናብ ቋንቋ ኔዘርላንድ ክትርጉሞም እዩ። እቲ ኣተርጓሚ ገለልተኛ እዩ፣ ኣብ IND ዝሰርሕ ኣይኮነን፣ ከምኡ እውን ኣብቲ ብዛዕባ እቲ ዘመልከትካዮ ዑቕባ ዝውሰድ ውሳኔ ዋላ ሓንቲ ጽልዋ የብሉን። ኣተርጎምቲ ኣዝዩ ስራሕ ስለ ዝጽዕቆም ካልእ ላህጃ ዝዛረብ ኣተርጓሚ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ንስኻን እቲ ኣተርጓሚን ጽቡቕ ገይርኩም ክትረዳድኡ እንተድኣ ዘይክኢልኩም ብቀጥታ ንገር። ምኽንያቱ እቲ ኣተርጓሚን ንስኻን ጽቡቕ ገይርኩም ክትረዳድኡ ብሰንኪ ዘይምኽኣልኩም ዘይምርድዳእ ከይፍጠር ኣገዳሲ ስለዝኾነ።
ምሳኻ ዝጓዓዙ ቆልዑት እውን ቃለ-መሕትት ክገብሩ ይኽእሉ እዮም
IND ብቐንዱ ምስ ዓበይቲ ስለ ዝዛረብ መስርሕ ዑቕባ ብቐንዱ ንበጽሒታት ዝዓለመ እዩ። እንተኾነ ግን ምስ ወለዶም ብሓባር ዝሃደሙ ቆልዑት ሓደ ሓደ ግዜ ምስ IND ናይ ገዛእ-ርእሶም ቃለ-መሕትት ክገብሩ እውን መሰል ኣለዎም። እንተድኣ ዘይደልዮም ቆልዑት ምስ IND ቃለ-መሕትት ክገብሩ ኣይግደዱን እዮም። ይኹን እምበር IND ብዛዕባ እዚ ነቲ ቆልዓን ወለዱን ክሓትት ኣለዎ።
ካብ 15 ዓመት ንላዕሊ ዝኾኑ ቆልዑት ምስ IND ናይ ገዛእ-ርእሶም ቃለ-መሕትት ክገብሩ ዝደልዩ እንተኾኑ ይሕተቱ
ቆልዑት ብኣውቶማቲክ ቃለ-መሕትት ኣይግበረሎምን እዩ። ኣብ 1ይ ቃለ-መሕትት፣ IND ልዕሊ 15 ዓመት ንዝዕድሚኦም ቆልዑት ዝሃደምሉ ናይ ገዛእ-ርእሶም ምኽንያት ዝነበሮም ምዃኑን ዘይምዃኑን ይሓቶም እዩ። ከምኡ እውን ብዛዕባ ህድማኦም ምስ IND ባዕሎም 2ይ ቃለ-መሕትት ክገብሩ ዝደልዩ ምዃኖምን ዘይምዃኖምን ይሓቶም።
ካብ 12 ክሳብ 15 ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑት ምስ IND ናይ ገዛእ-ርእሶም ቃለ-መሕትት ክገብሩ ዝደልዩ እንተኾኑ ብመንገዲ ወለዶም ይሕተቱ
IND ኣብ 1ይ ቃለ-መሕትት እውን ካብ 12 ክሳብ 15 ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑት ቃለ-መሕትት ክገብሩ ዝደልዩ ምዃኖምን ዘይምዃኖምን ብመንገዲ ወለዶም ይሓቶም። IND ኣብቲ 1ይ ቃለ-መሕትት ንወለዲ እንተድኣ ዘይሓቲቱ፣ እቲ ቆልዓ ግን ቃለ-መሕትት ክገብር እንተድኣ ደልዩ፣ ኣብ ምጅማር መስርሕ ዑቕባ ብዛዕባ እዚ ገና ብመንገዲ ጠበቓኡ ንIND ክሕብር ይኽእል እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ካብ 12 ክሳብ 15 ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑት ብዝምልከት፣ እዚ ምስ ሰራሕተኛ ናይ IND ብኣካል ዝግበር ናይ ብሓቂ ቃለ-መሕትት ዘጠቓልል ኣይኮነን። መብዛሕትኡ ግዜ ቆልዑት እንታይ ክነግሩ ከምዝደልዩ ብጽሑፍ ንኸስፍርዎ ዕድል ይወሃቦም እዩ።
ኣብ IND ነዊሕ ናይ ምጽባይ ግዜ ኣሎ
ሕጂ ኣብ IND ናይ መጀመርታ ቃለ-መሕትትካ ንምግባር ብማእከላይ ገምጋም 4 ሳምንታት ትጽበይ።