ምስ IND ዝግበር 1ይ ቃለ-መሕትት
ምስ ቤት-ጽሕፈት ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND) እትገብሮ 1ይ ቃለ-መሕትት ክህልወካ እዩ። ኣብዚ ቃለ-መሕትት IND ብዛዕባኻን ናብ ኔዘርላንድ ብዛዕባ ዝገበርካዮ ምህዳምን ሕቶታት ክሓተካ እዩ። ንቃለ-መሕትት ብኸመይ ከም እትዳሎው ኣብዚ ታሕቲ ኣንብብ።
ቃለ-መሕትት ንምግባር ምዕዳም
ምስ
IND ኣብ እዋን ቃለ-መሕትት ነዚ ይሓትት
ኣብ እዋን እቲ ቃለ-መሕትት IND ዝርዝር ሓበሬታታትካ ቅኑዓት ምዃኖምን ዘይምዃኖም ይምርምር። IND ብዛዕባኻ፣ ብዛዕባ ናብ ኔዘላንድ ዝገበርካዮ ምህዳም፣ ከምኡ እውን ዝሃደምካሉ ምኽንያት(ታት) ዝምልከቱ ሕቶታት ይሓትት። IND ኣብዚ ቃለ-መሕትት ብዛዕባ ምኽንያታት ተወሳኺ ሕቶታት ኣይሓትትን እዩ። ኣብ 2ይ ቃለ-መሕትት ብዛዕባ እዚ ብዝርዝር ንኽትነግር ዕድል ክወሃበካ እዩ።
ንምድላው ነዚ ክትፈልጥ ኣለካ
ኣብቲ ምስ IND እትገብሮ 1ይ ቃለ-መሕትት ከምቲ ኣብ 2ይ ቃለ-መሕትት እትብሎ ክትዛረብ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ንኣብነት ብዛዕባ ንኽንደይ ዝኸውን ግዜ ናብ ቤት-ትምህርቲ ከም ዝኸድካን፣ መዓስ ከም ዝሃደምካን ብዝምልከት። ወይ ብዛዕባ ካልኦት ኣብ ህይወትካ ኣገደስቲ ዝኾኑ ዕለታት ብዝምልከት።
ኣብ እዋን እቲ ቃለ-መሕትት ብዛዕባ ኣባላት ስድራ-ቤትካ ብቕንዕና ክትዛረብ ኣገዳሲ እዩ። ድሒርካ ናይ ምውህሃድ ስድራ-ቤት ከተመልክት እንተድኣ ደሊኻ፣ IND ኣብዚ ቃለ-መሕትት ድሮ ብዛዕባ ኣባላት ስድራ-ቤትካ ሓበሬታ ሂብካ ዘለኻ ምዃንካን ዘይምዃንካን ክምርምር እዩ።
ኣብ ኩሎም ምስ IND እትገብሮም ቃለ-መሕትታት መዘኻኸሪ ጽሑፋት ሒዝካ ክትመጽእ ትኽእል ኢኻ። ኣገደስቲ ዕለታት ንምዝካር ድማ ናይ ግዜ መስመር ከተዳሉው ትኽእል ኢኻ። ነቲ ዕለት እንተድኣ ዘይትፈልጦ ኮይንካ፣ ብዛዕባ እዚ ንIND ብቕንዕና ንገር።
ኣብ እዋን ምስ IND እትገብሮ ቃለ-መሕትት ንታሪኽካ ዝድግፉ ሰነዳት ከተቕርብ ትኽእል ኢኻ።
ኣብ ቃለ-መሕትት ቋንቋኻ ዝዛረብ ኣተርጓሚ ኣሎ
ሰራሕተኛ ናይ IND ነቶም ሕቶታት ብቋንቋ ኔዘርላንድ እዩ ዝሓትት። እቲ ኣተርጓሚ ድማ ነዚ ክትርጉመልካ እዩ። ንመልስታትካ እውን እቲ ኣተርጓሚ ናብ ቋንቋ ኔዘርላንድ ክትርጉሞም እዩ። እቲ ኣተርጓሚ ገለልተኛ እዩ፣ ከምኡ እውን ናይ IND ሰራሕተኛ ኣይኮነን። እቲ ኣተርጓሚ ኣብቲ ብዛዕባ ዘመልከትካዮ ዑቕባ ዝግበር ውሳኔ ዝኾነ ጽልዋ የብሉን።
ኣስተውዕል፡ ንስኻን እቲ ኣተርጓሚን ጽቡቕ ገይርኩም ክትረዳድኡ እንተድኣ ዘይክኢልኩም ብቕጽበት ንIND ኣፍልጥ። ንስኻን ኣተርጓሚን ነንሓድሕድኩም ብግቡእ ዘይትረዳድኡ ብሰንኪ ምዃንኩም ዝኾነ ዘይምርድዳእ ከይፍጠር ኣገዳሲ እዩ።