ኣርእስታት

show menu options

TI

ትግርኛ

Tigrinya




  • Home
  • ምስ IND ንዝግበር 2ይ ቃለ-መሕትት ምጽባይ
ሓደ ሰብኣይ ሰነድ እናንበበ እንከሎ

ምስ IND ንዝግበር 2ይ ቃለ-መሕትት ምጽባይ

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 9/2/2024 3:15 ድ.ቀ.
ነዚ ዓንቀጽ ኣካፍል

ድሕሪ እቲ ምስ ቤት-ጽሕፈት ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND) ዝግበር 1ይ ቃለ-መሕትት፣ 2ይ ቃለ-መሕትት ንምግባር ክትጽበይ ኣለካ። ነዚ ናይ ምጽባይ ግዜ ንምድላው ክትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ። እቲ ናይ ምጽባይ ግዜ ብማእከላይ ገምጋም 37 ሳምንታት እዩ።

ኣብቲ ናይ ምጽባይ ግዜ ሰነዳትካ ኣክብ

ኣብ እዋን እቲ ናይ ምጽባይ ግዜ፣ ብዝተኻእለ መጠን ብዙሓት ንመንነትካን ናይ ህድማ ታሪኽካን ዝድግፉ ሰነዳት ክትእክብ ኣገዳሲ እዩ።

ካብ VluchtelingenWerk Nederland (VWN) ሓበሬታ ክትረክብ ኢኻ

ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
VWN
ኣብ እዋን መስርሕ እንታይ ክትጽበይ ከም እትኽእል ክገልጸልካ እዩ። ከምኡ እውን መሰላትካን ግዴታታትካን ኣየኖት ምዃኖም። እቲ ሓበሬታ ንበይንኻ፣ ወይ ድማ ምስ ከም ናትካ ቋንቋ ዝዛረቡ ሰባት ብጉጅለ ክትቅበሎ ኢኻ። 

VWN ብሕጋዊ ደገፍ እውን ክሕግዘካ ይኽእል እዩ። ከምኡ እውን ሰነዳትን መርትዖታትን ኣብ ምእካብ ይሕግዘካ። ካብ VWN እትረኽቦ ሓገዝ ገለልተኛን ብነጻን እዩ።

ምናልባት መርመራ ዓባይ ሰዓል ይግበረልካ

ሓደ ሓደ ግዜ መርመራ ሕማም ዓባይ ሰዓል ይግበረልካ እዩ፣ እዚ ድማ ኣብ መበቆል ሃገርካ ዝምርኮስ እዩ። ሕማም ዓባይ ሰዓል ዘለካ ምዃኑን ዘይምዃኑን ኣብቲ መቐበሊ ነርስ ትምርምረካ። ኣድላዪ ምስ ዝኸውን እታ ነርስ ናይ ሳንቡእካ ራጂ ክትወስድ እያ። ሕማም ዓባይ ሰዓል ምስ ዝህልወካ ድማ ነዚ ዝኸውን መድሃኒት ይወሃበካ።

ኩሉ ግዜ ናብቲ ናይ ሕማም ዓባይ ሰዓል መርመራ ኪድ። መርመራ እንተድኣ ዘይገበርካ፣ IND ንመስርሕካ ደው ከብሎ ይኽእል እዩ። ስለዚ ናብቲ ቆጸራ ከም እትኸይድ ኣረጋግጽ። 

ኣብ ናይ ምጽባይ ግዜ ጻንሖትካ

ሓደ ሓደ ግዜ ኣብቲ ናይ ምጽባይ ግዜ ብዙሕ ግዜ ናብ ካልኦት ኣብ ኔዘርላንድ ዝርከቡ መቐበሊ ቦታታት ትሰጋገር ኢኻ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ ኣብዚ እዋን ኣብቶም መቐበሊ ቦታታት ኣዝዩ ውሑድ ቦታ ስለዘሎ እዩ። ብሰንኪ እዚ ድማ መብዛሕትኡ ግዜ ንሓጺር ግዜ ኣብ ጥቕሚ ዝውዕሉ ብዙሓት

ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
ግዝያዊ መቐበሊ ቦታታት
ከም ዝኽፈቱ ይግበር።

2ይ ቃለ-መሕትት ንምግባር ነዊሕ ናይ ምጽባይ ግዜ ኣሎ

ከም ንቡር ኣሰራርሓ ምስ IND 1ይ ቃለ-መሕትትካ ድሕሪ ምግባርካ፣ 2ይ ቃለ-መሕትትካ ንኽትገብር ከባቢ 6 መዓልታት ክትጽበይ ኣለካ። እንተኾነ ግን IND ጻዕቂ ስራሕ ስለዘለዎ፣ ሕጂ ምስ IND ካልኣይ ቃለ-መሕትትካ ክሳብ እትገብር ብማእከላይ ገምጋም 37 ሳምንታት እዩ ዝወስድ።  

ገሊኦም ሰባት ካብ ካልኦት ንላዕሊ ነዊሕ ግዜ ክጽበዩ ኣለዎም።ምስ IND 2ይ ቃለ-መሕትት ንምግባር ንምንታይ ገሊኦም ሰባት ካብ ካልኦት ንላዕሊ ተራኦም ኣቐዲሙ ከምዝበጽሕ መብዛሕትኡ ግዜ ንጹር ኣይኮነን። እዚ ሓደ ሓደ ግዜ ምስ መበቆል ሃገርካ ዝተኣሳሰር ክኸውን ይኽእል እዩ፣ እንተኾነ ግን ኩሉ ግዜ ከምኡ ኣይኮነን። 

እዚ ዓንቀጽ ሓጊዙካ' ዶ?

መርሓ ስጉምቲ

መስርሕ ዕቚባ