ኣርእስታት

show menu options
ትግርኛ (Tigrinya)



ምስ IND ንዝግበር 2ይ ቃለ-መሕትት ምጽባይ

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 16/3/2023 1:55 ድ.ቀ.

ድሕሪ እቲ ምስ ቤት-ጽሕፈት ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND) ዝግበር 1ይ ቃለ-መሕትት፣ 2ይ ቃለ-መሕትት ንምግባር ክትጽበይ ኣለካ። ነቲ ናይ ምጽባይ ግዜ ንምድላው ተጠቐመሉ። እቲ ናይ ምጽባይ ግዜ ብማእከላይ ገምጋም ልዕሊ 1 ዓመት እዩ።

ሰነዳትካ ኣብቲ ናይ ምጽባይ ግዜ ኣረክብ

ኣብ እዋን እቲ ናይ ምጽባይ ግዜ፣ ንመንነትካን ናይ ህድማ ታሪኽካን ዝድግፉ ብዝተኻእለ መጠን ብዙሓት ሰነዳት ምእካብ ኣገዳሲ እዩ።

ካብ VluchtelingenWerk Nederland (VWN) ሓበሬታ ክትረክብ ኢኻ

VWN
ኣብ እዋን መስርሕ እንታይ ክትጽበይ ከም እትኽእል ክገልጸልካ እዩ። ከምኡ እውን መሰላትካን ግዴታታትካን ኣየኖት ምዃኖም። እቲ ሓበሬታ ንበይንኻ፣ ወይ ድማ ምስ ከም ናትካ ቋንቋ ዝዛረቡ ሰባት ብጉጅለ ክትቅበሎ ኢኻ። 

VWN ብሕጋዊ ደገፍ እውን ክሕግዘካ ይኽእል እዩ። ከምኡ እውን ሰነዳትን መርትዖታትን ኣብ ምእካብ ይሕግዘካ። ካብ VWN እትረኽቦ ሓገዝ ገለልተኛን ብነጻን እዩ።

ምናልባት መርመራ ዓባይ ሰዓል ይግበረልካ

ሕማም ዓባይ ሰዓል ዘለካ ምዃኑን ዘይምዃኑን ኣብቲ መቐበሊ ነርስ ትምርምረካ። ኣድላዪ ምስ ዝኸውን እታ ነርስ ናይ ሳንቡእካ ራጂ ክትወስድ እያ። ሕማም ዓባይ ሰዓል ምስ ዝህልወካ ድማ ነዚ ዝኸውን መድሃኒት ክወሃበካ እዩ።

ኣብቲ ናይ ምጽባይ ግዜ ጻንሖትካ

ሓደ ሓደ ግዜ ኣብቲ ናይ ምጽባይ ግዜ ብዙሕ ግዜ ናብ ካልኦት ኣብ ኔዘርላንድ ዝርከቡ መቐበሊ ቦታታት ትሰጋገር ኢኻ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ ኣብዚ እዋን ኣብቶም መቐበሊ ቦታታት ኣዝዩ ውሑድ ቦታ ስለዘሎ እዩ። ብሰንኪ እዚ ድማ መብዛሕትኡ ግዜ ንሓጺር ግዜ ኣብ ጥቕሚ ዝውዕሉ ብዙሓት ግዝያዊ ህጹጽ ናይ ቅልውላው መዕቆቢ ቦታታት ከም ዝኽፈቱ ይግበር።

ገሊኦም ሰባት ካብ ካልኦት ንላዕሊ ነዊሕ ግዜ ክጽበዩ ኣለዎም

ምስ IND 2ይ ቃለ-መሕትት ንምግባር ንምንታይ ገሊኦም ሰባት ካብ ካልኦት ንላዕሊ ተራኦም ኣቐዲሙ ከምዝበጽሕ መብዛሕትኡ ግዜ ንጹር ኣይኮነን። እዚ ምስታ ዝመጻእካላ ሃገር ዘራኽብ የብሉን።

VWN ብዛዕባ እዚ ካብ

ቤት-ጽሕፈት ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND)
ዝያዳ ንጹርነት ንምርካብ ይጽዕር ኣሎ። VWN ነቲ ሓበሬታ ምስ ረኸበ ድማ ብዛዕባኡ ኣብዚ ዝያዳ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ዝርዝር ትሕዝቶ