ኣርእስታት

show menu options
ትግርኛ (Tigrinya)



ምስ IND ዝግበር 2ይ ቃለ-መሕትት

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 16/3/2023 1:40 ድ.ቀ.

ምስ ቤት-ጽሕፈት ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND) 2ይ ቃለ-መሕትት ክህልወካ እዩ። እዚ ንዘመልከትካዮ ዑቕባ ኣገዳሲ ዝኾነ ቃለ-መሕትት እዩ። ንምንታይ ከም ዝሃደምካ ድማ ብዝርዝር ትገልጽ። ጠበቓን ሕክምናዊ መርመራን ድማ ክትረክብ ኢኻ።

ን2ይ ቃለ-መሕትት ጠበቓ ክትረክብ ኢኻ

ጠበቓ ባዕልኻ ክትደልይ ኣየድልየካን እዩ። ቦርድ ሕጋዊ ሓገዝ (RvR) ጠበቓ ከዳልወልካ እዩ። እቲ ጠበቓ ብዛዕባ መስርሕ ዑቕባ ተመኩሮ ዘለዎ እዩ። ንጠበቓ ክትከፍል ድማ ኣየድልየካን እዩ። 

እቲ ጠበቓ ከም ናትካ ቋንቋ ዝዛረብ ምዃኑን ዘይምዃኑን ዘገድስ ኣይኮነን። ኣብ እዋን ቆጸራኹም ኩሉ ግዜ ኣተርጓሚ ኣሎ። እቲ ጠበቓ ብዛዕባ እቲ ምስ IND ዝገበርካዮ 1ይ ቃለ-መሕትት ምሳኻ ክመያየጥ እዩ፣ ከምኡ እውን 2ይ ቃለ-መሕትት ንኽትገብር ኣብ ምድላው ክሕግዘካ ​​እዩ።

ባዕልኻ ጠበቓ ከተዋድድ ትደልይ ዲኻ? ሓደ ጠበቓ ጉዳይካ ንኸካይዶ እንተድኣ ተቐቢልዎ፣ ንRvR ክሕብር ኣለዎ። ሽዕኡ RvR ብምቕጻል ጠበቓ ኣይከናድይን እዩ። እቲ ባዕልኻ እተዋድዶ ጠበቓ እውን ብናጻ እዩ።

ን2ይ ቃለ-መሕትት ሕክምናዊ መርመራ ክትረክብ ኢኻ

ገለልተኛ ዝኾነት ናይ MediFirst ነርስ፣ ምስ

IND
2ይ ቃለ-መሕትት ንኽትገብር እኹል ኣካላውን ኣእምሮኣውን ጥዕና ዘለካ ምዃንካን ዘይምዃንካን ክትምርምር እያ።

እቲ ሕክምናዊ መርመራ ብኸመይ ከም ዝካየድ ኣብዚ ታሕቲ ኣንብብ፡

ሕክምናዊ መርመራ

ን2ይ ቃለ-መሕትት ንምድላው ነዚ ክትፈልጥ ኣለካ

  • ኣብ እዋን ቃለ-መሕትት IND ብዛዕባ ምኽንያታት መህደሚኻ ሕቶታት ክሓተካ እዩ። ኣብ መልስታትካ ምርኲስ ብምግባር ድማ IND ሕቶታት ምሕታት ይቕጽል። 

  • ንምንታይ ከም ዝሃደምካ ብቕንዕና፣ ብዝርዝርን ብንጹርን ንገር።

  • IND ብዛዕባ ኣብ ሃገርካ ዘሎ ሓፈሻዊ ኩነታት ይፈልጥ እዩ። ስለምንታይ ንዓኻ ብውልቂ ዑቕባ ከም ዘድልየካ ግለጽ።

  • ሓደ-ሓደ ግዜ ብዛዕባ ህድማኻ ንኽትዛረብ ኣጸጋሚ እዩ። ብዛዕባ ዝኾነ ነገር ክትዛረብ እንተድኣ ኣጸጋሚ ኮይኑ ረኺብካዮ ብዛዕብኡ ብንጹር ንIND ንገር። ንሓደ ነገር ደጊም ዘይትዝክሮ እንተድኣ ኮይንካ እውን።

  • ምስ ህድማኻ ዝተኣሳሰሩ በሰላታት ወይ ኣካላዊ ወይ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጥርዓናት ኣለዉኻ ድዮም? ስለዚ ብዛዕባ እዚ ንIND ንገር። IND ሕክምናዊ መርመራ ንኽትረክብ ከቕርበልካ ይኽእል እዩ።

  • እንተደሊኻ ልክዕ ከም ናትካ ጾታ ብዘለዎም ኣተርጓሚን ሰራሕተኛ ናይ INDን ቃለ-መሕትት ክትገብር ትኽእል ኢኻ።

  • እንተደሊኻ፣ ሓደ ሰራሕተኛ ናይ

    VWN
    ኣብ ቃለ-መሕትት ክርከብ ይኽእል እዩ። VWN ክድግፈካን ጸብጻብ ናይቲ ቃለ-መሕትት ከዳሉውን እዩ። ናይ ዑቕባ ሕቶኻ እንተድኣ ተነጺጉን ይግባይ ክትብል ምስ እትደልይን ድማ፣ ነቲ ጸብጻብ ናይ VWN ኣብቲ ይግባይ ክትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ።

  • IND ናይቲ ቃለ-መሕትት ጸብጻብ ከዳሉው እዩ። ድሕሪ እቲ ቃለ-መሕትት ንስኻን ጠበቓኻን ብዛዕባ እቲ ናይ IND ጸብጻብ ትዘራረቡ። ኣብቲ ናይ IND ጸብጻብ ሓበሬታ እንተድኣ ጎዲሉ ወይ ቅኑዕ ምስ ዘይከውን ንጠበቓኻ ንገር።

ኣብ ቃለ-መሕትት ቋንቋኻ ዝዛረብ ኣተርጓሚ ኣሎ

ሰራሕተኛ ናይ IND ነቶም ሕቶታት ብቋንቋ ኔዘርላንድ እዩ ዝሓትት። እቲ ኣተርጓሚ ድማ ነዚ ክትርጉመልካ እዩ። ንመልስታትካ እውን እቲ ኣተርጓሚ ናብ ቋንቋ ኔዘርላንድ ክትርጉሞም እዩ። እቲ ኣተርጓሚ ገለልተኛ እዩ፣ ከምኡ እውን ናይ IND ሰራሕተኛ ኣይኮነን። እቲ ኣተርጓሚ ኣብቲ ብዛዕባ ዘመልከትካዮ ዑቕባ ዝግበር ውሳኔ ዝኾነ ጽልዋ የብሉን።

ኣስተውዕል፡ ንስኻን እቲ ኣተርጓሚን ጽቡቕ ገይርኩም ክትረዳድኡ እንተድኣ ዘይክኢልኩም ብቕጽበት ንIND ኣፍልጥ። ንስኻን ኣተርጓሚን ነንሓድሕድኩም ብግቡእ ዘይትረዳድኡ ብሰንኪ ምዃንኩም ዝኾነ ዘይምርድዳእ ከይፍጠር ኣገዳሲ እዩ።

ዝርዝር ትሕዝቶ