
ምንጪ፡ IND
ምስ IND ዝግበር 2ይ ቃለ-መሕትት
ነዚ ዓንቀጽ ኣካፍል
ምስ ቤት-ጽሕፈት ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND) 2ይ ቃለ-መሕትት ክህልወካ እዩ። እዚ ንዘመልከትካዮ ዑቕባ ኣገዳሲ ዝኾነ ቃለ-መሕትት እዩ። ንምንታይ ከም ዝሃደምካ ድማ ብዝርዝር ትገልጽ። ጠበቓን ሕክምናዊ መርመራን ድማ ክትረክብ ኢኻ።
ን2ይ ቃለ-መሕትት ጠበቓ ክትረክብ ኢኻ
ካልኣይ ቃለ-መሕትትካ ዝካየደሉ ዕለት ምስ ተፈልጠ ጠበቓ ክምደበልካ እዩ። ጠበቓ ባዕልኻ ክትደልይ ኣየድልየካን እዩ።
ባዕልኻ ጠበቓ ከተዋድድ ትደልይ ዲኻ? ሓደ ጠበቓ ጉዳይካ ንኸካይዶ እንተድኣ ተቐቢልዎ፣ እዚ ጠበቓ ብዛዕባ እዚ ንRvR ክሕብር ኣለዎ። ብምቕጻል ሽዕኡ RvR ጠበቓ ኣይከናድይን እዩ። እቲ ባዕልኻ እተዋድዶ ጠበቓ እውን ብናጻ እዩ።
ቅድሚ 2ይ ቃለ-መሕትት ምስ ጠበቓኻ ትዛረብ
ቅድሚ ምስ
ናብ ጠበቓ ንኽትጎዓዝ ካብ COA ናይ ህዝባዊ መጓዓዝያ (OV) ናይ መዓልቲ ትኬት ንምርካብ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። በዚ ናይ መዓልቲ ትኬት ተጠቒምካ ድማ ናብ ጠበቓኻ ብነጻ ክትጎዓዝ ትኽእል ኢኻ። ካብን ናብን መዕቆቢኻ ኣብ እትጎዓዘሉ እዋን ኩሉ ግዜ ብቚዕ ትኬት የድልየካ እዩ።
ን2ይ ቃለ-መሕትት ሕክምናዊ መርመራ ክትረክብ ኢኻ
ገለልተኛ ዝኾነት ናይ
እቲ ሕክምናዊ መርመራ ብኸመይ ከም ዝካየድ ኣብዚ ታሕቲ ኣንብብ፡
ን2ይ ቃለ-መሕትት ንምድላው ነዚ ክትፈልጥ ኣለካ
ኣብ እዋን ቃለ-መሕትት ሰራሕተኛ ናይ IND ብዛዕባ ምኽንያታት መህደሚኻ ሕቶታት ክሓተካ እዩ።
ኣብ መልስታትካ ምርኲስ ብምግባር ሰራሕተኛ ናይ IND ሕቶታት ምሕታት ይቕጽል።
እንተደሊኻ ልክዕ ከም ናትካ ጾታ ብዘለዎም ኣተርጓሚን ሰራሕተኛ ናይ INDን ቃለ-መሕትት ክትገብር ትኽእል ኢኻ። ሰራሕተኛ ናይ IND ብዛዕባ እዚ ኣብ እዋን ናይ ምዝገባ ቃለ-መሕትት ክሓተካ እዩ።
ንምንታይ ከም ዝሃደምካ ብቕንዕና፣ ብዝርዝርን ብንጹርን ንገር።
ስለምንታይ ንዓኻ ብውልቂ ዑቕባ ከም ዘድልየካ ግለጽ። IND ብዛዕባ ኣብ ሃገርካ ዘሎ ሓፈሻዊ ኩነታት ይፈልጥ እዩ። ስለዚ ንምንታይ ብውልቂ ኣብ ሓደጋ ከም ዘለኻ ክትገልጽ ኣገዳሲ እዩ።
ሓደ ሓደ ግዜ ብዛዕባ ህድማኻ ንኽትዛረብ ኣጸጋሚ እዩ። ብዛዕባ ዝኾነ ነገር ክትዛረብ እንተድኣ ኣጸጋሚ ኮይኑ ረኺብካዮ ብዛዕብኡ ብንጹር ንIND ንገር። ንሓደ ነገር ደጊም ዘይትዝክሮ እንተድኣ ኮይንካ እውን።
ምስ ህድማኻ ዝተኣሳሰሩ በሰላታት፣ ኣካላዊ ወይ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጥርዓናት ኣለዉኻ ድዮም? ስለዚ ብዛዕባ እዚ ንIND ንገር። IND ሕክምናዊ መርመራ ንኽትረክብ ከቕርበልካ ይኽእል እዩ።
እንተደሊኻ፣ ሓደ ሰራሕተኛ ናይ
ኣብቲ ቃለ-መሕትት ክርከብ ይኽእል እዩ። VWN ክድግፈካን ጸብጻብ ናይቲ ቃለ-መሕትት ከዳሉውን እዩ። VWN ምናልባት ካብቲ ናይ IND ዝፍለይ ሓበሬታ ጽሒፉ ክኸውን ይኽእል እዩ። ሓደ ሓደ ግዜ እዚ ሓበሬታ እዚ ኣገዳሲ እዩ። ናይ ዑቕባ ሕቶኻ እንተድኣ ተነጺጉን ይግባይ ክትብል ምስ እትደልይን ድማ፣ ነቲ ጸብጻብ ናይ VWN ኣብቲ ይግባይ ክትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ።VluchtelingenWerk NederlandIND ናይቲ ቃለ-መሕትት ጸብጻብ ከዳሉው እዩ። ድሕሪ እቲ ቃለ-መሕትት ኣብ ዘሎ መዓልቲ ድማ ንስኻን ጠበቓኻን ብዛዕባ እቲ ናይ IND ጸብጻብ ትዘራረቡ። ኣብቲ ናይ IND ጸብጻብ ሓበሬታ እንተድኣ ጎዲሉ ወይ ቅኑዕ ምስ ዘይከውን ንጠበቓኻ ንገር።
ኣብቲ ምስ IND ዝግበር ቃለ-መሕትት ቋንቋኻ ዝዛረብ ኣተርጓሚ ኣሎ
ሰራሕተኛ ናይ IND ነቶም ሕቶታት ብቋንቋ ኔዘርላንድ እዩ ዝሓትት። ኣተርጓሚ ድማ ነዚ ክትርጉመልካ እዩ። ንመልስታትካ እውን እቲ ኣተርጓሚ ናብ ቋንቋ ኔዘርላንድ ክትርጉሞም እዩ። እቲ ኣተርጓሚ ካብ መበቆል ሃገርካ ዝመጽአ ኮይኑ ገለልተኛ እዩ፣ ኣብ IND ዝሰርሕ እውን ኣይኮነን፣ ከምኡ እውን ኣብቲ ብዛዕባ እቲ ዘመልከትካዮ ዑቕባ ዝውሰድ ውሳኔ ዋላ ሓንቲ ጽልዋ የብሉን። ኣተርጎምቲ ኣዝዩ ስራሕ ስለ ዝጽዕቆም ካልእ ላህጃ ዝዛረብ ኣተርጓሚ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ንስኻን እቲ ኣተርጓሚን ጽቡቕ ገይርኩም ክትረዳድኡ እንተድኣ ዘይክኢልኩም ብቀጥታ ንገር። ምኽንያቱ እቲ ኣተርጓሚን ንስኻን ጽቡቕ ገይርኩም ክትረዳድኡ ብሰንኪ ዘይምኽኣልኩም ዘይምርድዳእ ከይፍጠር ኣገዳሲ ስለዝኾነ።
ኣብ እዋን ናይ ምዝገባ ቃለ-መሕትት፣ ብላህጃኻ ዝዛረብ ኣተርጓሚ ክትሓትትን ከማኻ ጾታ ዘለዎ ኣተርጓሚ ክትሓትትን ትኽእል ኢኻ።