ኣርእስታት

show menu options

TI

ትግርኛ

Tigrinya




ካብ IND ዝመጸት ደብዳቤ
ምንጪ፡ IND

IND ብዛዕባ ዘመልከትካዮ ዑቕባ ይውስን

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 7/2/2024 2:50 ድ.ቀ.
ነዚ ዓንቀጽ ኣካፍል

ድሕሪ 2ይ ቃለ-መሕትት ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND) ውሳኔ ክህብ እዩ። IND ንዘመልከትካዮ ዑቕባ ከጽድቖ ወይ ክነጽጎ ይኽእል፣ ወይ ንIND ዝያዳ ግዜ ዘድልዮ ይኸውን። ብዛዕባ እቲ ውሳኔ ኣብዚ ዝያዳ ኣንብብ።

IND 1ይ ውሳኔ ይወስድ

IND ኣብቶም ቃለ-መሕትታት፣ ሰነዳትካን ካልኦት መርትዖታትን ምርኲስ ብምግባር ብዛዕባ ዘመልከትካዮ ዑቕባ 1ይ ውሳኔ ክህብ እዩ። 3 ተኽእሎታት ድማ ኣለዉ፡ ምጽዳቕ፣ ምንጻግ ወይ ተወሳኺ ግዜ የድልይ።

IND ንዘመልከትካዮ ዑቕባ የጽድቖ

እቲ ዘመልከትካዮ ዑቕባ ከም ዝጸደቐ ዝገልጽ ደብዳቤ ክትቕበል ኢኻ። ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ክትረክብ ኢኻ። እዚ ድማ ካብቲ ዑቕባ ንምርካብ ዘመልከትካሉ ዕለት ጀሚሩ ን5 ዓመት ዘገልግል እዩ። 

ድሕሪ 5 ዓመት ቀዋሚ ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ንምርካብ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ።

IND ነቲ ዘመልከትካዮ ዑቕባ ንኽነጽጎ ውጥን ይህልዎ

IND ንዘመልከትካዮ ዑቕባ ንኽነጽጎ ውጥን ከምዘለዎ ዝገልጽ ደብዳቤ ካብ IND ክትቕበል ኢኻ። እዚ ደብዳቤ 'voornemen' ማለት ክውሰድ ዝተሓሰበ ውሳኔ ይበሃል። ኣብዚ ደብዳቤ፣ ምኽንያታት ምንጻግን ከምኡ እውን እዚ ኣባኻ እንታይ ሳዕቤናት ከምዘለዎን ተጠቒሱ ይርከብ። 

ብዛዕባ እዚ ናይ IND ደብዳቤ ምስ ጠበቓኻ ትዘራረብ። ኣብ ሓፈሻዊ መስርሕ ዑቕባ፣ ጠበቓኻ ብደብዳቤ ንIND መልሲ ንኽህብ 1 መዓልቲ ኣለዎ። እዚ ደብዳቤ 'ርእይቶ' ይበሃል። IND ነቲ ናይ ጠበቓ ርእይቶ ኣብ ግምት ከእትዎ ኣለዎ።

IND ብመሰረት እቲ ርእይቶ እቲ 1ይ ውሳኔ ክስተኻኸል ዘለዎ ምዃኑን ዘይምዃኑን ክውስን እዩ። ድሕሪኡ IND ናይ መወዳእታ ውሳኔ ክወስድ እዩ። እዚ ድማ 'beschikking' ማለት ውሳኔ ይበሃል። IND ሕጂ እውን ነቲ ዘመልክትካዮ ዑቕባ ክነጽጎ ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር IND ድሕሪ እቲ ርእይቶ ነቲ ዘመልክትካዮ ዑቕባ ከጽድቖ እውን ይኽእል እዩ።

ሓደ ሓደ ግዜ IND ናይ ጠበቓ ርእይቶ ድሕሪ ምቕባሉ ዝያዳ ግዜ የድልዮ እዩ። ከምኡ ምስ ዝኸውን IND ንመመልከቲኻ ኣብ ዝተናውሐ መስርሕ ዑቕባ (VA) ከመስርሖ እዩ።

IND ንምርመራ ዝኸውን ዝያዳ ግዜ የድልዮ

IND ንመመልከቲኻ ብምቕጻል ኣብ ዝተናውሐ መስርሕ ዑቕባ (VA) ከመስርሖ እዩ።

IND ንዘመልከትካዮ ዑቕባ ምስ ዝነጽጎ ዘኸትሎ ሳዕቤናት

IND ንዘመልከትካዮ ዑቕባ እንተድኣ ነጺጉዎ ደጊም ኣብ ኔዘርላንድ ክትጸንሕ ኣይፍቀደልካን እዩ፣ ከምኡ እውን ናብ መበቆል ሃገርካ ክትምለስ ኣለካ።

ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
ኣገልግሎት ምምላስን ንቕሎን (DT&V)
ድማ ብዛዕባ ምምላስካ ብዝምልከት ምሳኻ ክዘራረብ እዩ። 

እዚ ዓንቀጽ ሓጊዙካ' ዶ?

መርሓ ስጉምቲ

መስርሕ ዕቚባ