IND ብዛዕባ ዘመልከትካዮ ዑቕባ ይውስን
ነዚ ዓንቀጽ ኣካፍል
ድሕሪ 2ይ ቃለ-መሕትት ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND) ውሳኔ ክህብ እዩ። IND ንዘመልከትካዮ ዑቕባ ከጽድቖ ወይ ክነጽጎ ይኽእል፣ ወይ ንIND ዝያዳ ግዜ ዘድልዮ ይኸውን። ብዛዕባ እቲ ውሳኔ ኣብዚ ዝያዳ ኣንብብ።
IND 1ይ ውሳኔ ይወስድ
IND ኣብቶም ቃለ-መሕትታት፣ ሰነዳትካን ካልኦት መርትዖታትን ምርኲስ ብምግባር ብዛዕባ ዘመልከትካዮ ዑቕባ 1ይ ውሳኔ ክህብ እዩ። 3 ተኽእሎታት ድማ ኣለዉ፡ ምጽዳቕ፣ ምንጻግ ወይ ተወሳኺ ግዜ የድልይ።
IND ንዘመልከትካዮ ዑቕባ የጽድቖ
እቲ ዘመልከትካዮ ዑቕባ ከም ዝጸደቐ ዝገልጽ ደብዳቤ ክትቕበል ኢኻ። ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ክትረክብ ኢኻ። እዚ ድማ ካብቲ ዑቕባ ንምርካብ ዘመልከትካሉ ዕለት ጀሚሩ ን5 ዓመት ዘገልግል እዩ።
ድሕሪ 5 ዓመት ቀዋሚ ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ንምርካብ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ።
IND ነቲ ዘመልከትካዮ ዑቕባ ንኽነጽጎ ውጥን ይህልዎ
IND ንዘመልከትካዮ ዑቕባ ንኽነጽጎ ውጥን ከምዘለዎ ዝገልጽ ደብዳቤ ካብ IND ክትቕበል ኢኻ። እዚ ደብዳቤ 'voornemen' ማለት ክውሰድ ዝተሓሰበ ውሳኔ ይበሃል። ኣብዚ ደብዳቤ፣ ምኽንያታት ምንጻግን ከምኡ እውን እዚ ኣባኻ እንታይ ሳዕቤናት ከምዘለዎን ተጠቒሱ ይርከብ።
ብዛዕባ እዚ ናይ IND ደብዳቤ ምስ ጠበቓኻ ትዘራረብ። ኣብ ሓፈሻዊ መስርሕ ዑቕባ፣ ጠበቓኻ ብደብዳቤ ንIND መልሲ ንኽህብ 1 መዓልቲ ኣለዎ። እዚ ደብዳቤ 'ርእይቶ' ይበሃል። IND ነቲ ናይ ጠበቓ ርእይቶ ኣብ ግምት ከእትዎ ኣለዎ።
IND ብመሰረት እቲ ርእይቶ እቲ 1ይ ውሳኔ ክስተኻኸል ዘለዎ ምዃኑን ዘይምዃኑን ክውስን እዩ። ድሕሪኡ IND ናይ መወዳእታ ውሳኔ ክወስድ እዩ። እዚ ድማ 'beschikking' ማለት ውሳኔ ይበሃል። IND ሕጂ እውን ነቲ ዘመልክትካዮ ዑቕባ ክነጽጎ ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር IND ድሕሪ እቲ ርእይቶ ነቲ ዘመልክትካዮ ዑቕባ ከጽድቖ እውን ይኽእል እዩ።
ሓደ ሓደ ግዜ IND ናይ ጠበቓ ርእይቶ ድሕሪ ምቕባሉ ዝያዳ ግዜ የድልዮ እዩ። ከምኡ ምስ ዝኸውን IND ንመመልከቲኻ ኣብ ዝተናውሐ መስርሕ ዑቕባ (VA) ከመስርሖ እዩ።
IND ንምርመራ ዝኸውን ዝያዳ ግዜ የድልዮ
IND ንመመልከቲኻ ብምቕጻል ኣብ ዝተናውሐ መስርሕ ዑቕባ (VA) ከመስርሖ እዩ።
IND ንዘመልከትካዮ ዑቕባ ምስ ዝነጽጎ ዘኸትሎ ሳዕቤናት
IND ንዘመልከትካዮ ዑቕባ እንተድኣ ነጺጉዎ ደጊም ኣብ ኔዘርላንድ ክትጸንሕ ኣይፍቀደልካን እዩ፣ ከምኡ እውን ናብ መበቆል ሃገርካ ክትምለስ ኣለካ።
ንውሳኔ ናይ IND ይግባይ ምባል ኣብዚ ገጽ ዘመልከትካዮ ዑቕባ ምስ ዝነጽግዎ ብዛዕባ ኣንጻር IND ይግባይ ምባል ዝያዳ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።