IND ብዛዕባ ዘመልከትካዮ ዑቕባ ይውስን
ድሕሪ 2ይ ቃለ-መሕትት ቤት-ጽሕፈት ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND) ውሳኔ ክህብ እዩ። IND ንዘመልከትካዮ ዑቕባ ከጽድቖ ወይ ክነጽጎ ይኽእል እዩ። ወይ ድማ ንIND ዝያዳ ግዜ ዘድልዮ ይኸውን። ብዛዕባ እቲ ውሳኔ ኣብዚ ዝያዳ ኣንብብ።
1ይ ውሳኔ ናይ IND
IND ንዘመልከትካዮ ዑቕባ የጽድቖ፡ ዘመልከትካዮ ዑቕባ ከም ዝጸደቐ ዝገልጽ ደብዳቤ ክመጸካ እዩ። ብድሕሪኡ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። መንበሪ ፍቓድካ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ዓመት ተሳሒቡ ክስረዝ ይኽእል እዩ፣ ንኣብነት መበቆል ሃገርካ መሊሱ ንምንባር ውሑስ ኣብ ዝኾነሉ እዋን። ሓቂ ዘይነገርካ ምስ እትኸውን እውን ናይ መንበሪ ፍቓድካ ተሳሒቡ ክስረዝ ይኽእል እዩ።
IND ነቲ ዘመልከትካዮ ዑቕባ ንኽነጽጎ ውጥን ኣለዎ፡ IND ንዘመልከትካዮ ዑቕባ ንኽነጽጎ ውጥን ከምዘለዎ ዝገልጽ ደብዳቤ ካብ IND ክትቕበል ኢኻ። እዚ ደብዳቤ undefinedክውሰድ ዝተሓሰበ ምንጻግundefined ይበሃል። ኣብዚ ደብዳቤ፣ ምኽንያታት ምንጻግን ከምኡ እውን እዚ ኣባኻ እንታይ ሳዕቤናት ከምዘለዎን ተጠቒሱ ይርከብ።
IND ንምርመራ ዝኸውን ዝያዳ ግዜ የድልዮ፡ IND ብምቕጻል ንመመልከቲኻ ኣብ ዝተናውሐ መስርሕ ዑቕባ (VA) ከመስርሖ እዩ።
IND ንዘመልከትካዮ ዑቕባ ምስ ዝነጽጎ እትህቦ መልሲ
ብዛዕባ እቲ ናይ IND ደብዳቤ ምስ ጠበቓኻ ትዘራረብ። ጠበቓኻ ብደብዳቤ ንIND መልሲ ንኽህብ ድማ 1 መዓልቲ ኣለዎ። IND ነቲ ናይ ጠበቓ ደብዳቤ ኣብ ግምት ከእትዎ ኣለዎ። IND ነቲ ናይ ጠበቓ ደብዳቤ ድሕሪ ምንባብ፣ እቲ 1ይ ውሳኔ ክስተኻኸል ዘለዎ ምዃኑን ዘይምዃኑን ክውስን እዩ።
IND ንዘመልከትካዮ ዑቕባ ምስ ዝነጽጎ ዘኸትሎ ሳዕቤናት
ድሕሪ ደጊም ኣብ ኔዘርላንድ ክትጸንሕ ኣይፍቀደልካን እዩ፣ ከምኡ እውን ናብ መበቆል ሃገርካ ክትምለስ ኣለካ።