
ምንጪ፡ Fauxels
ብናይ 1 ዓመት w-document ንምስራሕ ዘለካ መሰላትን ግዴታታትን
ነዚ ዓንቀጽ ኣካፍል
ከም ሰራሕተኛ መጠን ንስኻን ኣስራሒኻን ከተኽብርዎም ዘለኩም ብርክት ዝበሉ መሰላትን ግዴታታትን ኣለዉኻ። ብዛዕባ እቶም ቀንዲ ሕግታት ኣብዚ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።
ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ (ገና) ዘይብልካ ምስ እትኸውን ኣብ ትሕቲ ዝተወሰኑ ቅድመ-ኩነታት ክትሰርሕ ትኽእል ኢኻ
ናይ 1 ዓመት
ናይ 1 ዓመት W-document እናሃለወካ ንምስራሕ ብዛዕባ ዝምልከቱ ቅድመ-ኩነታት ዝያዳ ኣንብብ
ስራሕን ግዴታዊ ትምህርትን ክሳብ 18 ዓመት ዕድመ
ኣብ ኔዘርላንድ ካብ 5 ክሳብ 16 ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑት ግዴታዊ ትምህርቲ ክከታተሉ ኣለዎም። እዚ ንቆልዑት ናይ ካልኦት ዜጋታትን ንቆልዑት ናይ ሓተትቲ ዑቕባን እውን ይምልከት እዩ። መንእሰያት ገና ናይ ካልኣይ ደረጃ ቤት-ትምህርቲ ዲፕሎማ ምስ ዘይህልዎም፣ ዕድሚኦም 18 ዓመት ክሳብ ዝመልእ ግዴታዊ ትምህርቲ ክከታተሉ ኣለዎም።
ሕግታት ብዛዕባ ደሞዝን ጥቕምታትን
ደሞዝ ዝኽፈሎ ሰራሕተኛ ከም ምዃንካ መጠን ዝተወሰነ መሰላት ኣለካ። እቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝኾነ መሰል ድማ መሰል ዝተሓተ ገደብ-ደሞዝ እዩ። እዚ ንእትሰርሖ ስራሕ እንተወሓደ ክትረኽቦ ዝግበኣካ መጠን ገንዘብ እዩ፣ ከምኡ እውን ኣብ ሕጊ ተደንጊጉ ኣሎ።
እቲ ዝተሓተ ደሞዝ ብዕድመ ይፈላለ እዩ። ብዕድመ ብዝዓበኻ መጠን እቲ ዝተሓተ ደሞዝ ዝለዓለ ይኸውን። ካብ 21 ዓመት ዕድመ ጀሚሩ እቲ ዝተሓተ ደሞዝ ቀዋሚ መጠን ዘለዎ እዩ። ካብቲ ዝተሓተ ደሞዝ ዝውሕድ ትረክብ ከይትኸውን ድማ ኣገዳሲ እዩ።
ብተወሳኺ ኩሉ ግዜ ንደሞዝካ ብዝምልከት ክትመያየጥ ትኽእል ኢኻ። ደሞዝካ ኣዝዩ ትሑት ከም ዘይኮነን፣ ካብ ካልኦት ተመሳሳሊ ስራሕ ዝሰርሑ ሰባት ዝወሓደ ኣታዊ ከም ዘይትረክብን ድማ ኣረጋግጽ።
ብዛዕባ ስራሕ ኣብ ውዕልካ ዝርከቡ ስምምዓት
ብዘይካ ደሞዝካ፣ ኣብ ውዕልካ ዝተቐመጡ ካልኦት ስምምዓት ኣለዉ። እዚኦም ቅድመ-ኩነታት ዕዮ ተባሂሎም ይጽውዑ። ኣብ መዓልቲ እትሰርሖ ብዝሒ ሰዓታትን ኣብ ዓመት ክትወስዶ እትኽእል ናይ ዕረፍቲ መዓልታትን ድማ የጠቓልሉ። ብተወሳኺ ኣብ ትሕቲ ዝተወሰኑ ኩነታት ዝኽፈሎ ዕረፍቲ ክትረክብ መሰል ኣለካ፡ ናይ ወሊድ ዕረፍቲ፣ ናይ ወለዲ ዕረፍቲን ናይ ክንክን ዕረፍቲን።
ሕቶታትን ምኽርን
ንሕጋዊ ሕቶታት ብዝምልከትን፣ ከምኡ እውን ብዛዕባ ውዕላት ዕዮ ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብን ምስ
ናይ መጓዓዝያ ኣበል
ካብን ናብን ስራሕ ዝግበር ናይ መጓዓዝያ ወጻኢታት ክቡር ክኸውን ይኽእል እዩ። ኣስራሒኻ ናይ መጓዓዝያ ኣበል ክህበካ ይኽእል እዩ። እዚ ድማ ካሕሳ ናይቲ ናብ ስራሕ ንምኻድ ዘጋጥመካ ወጻኢታት እዩ።
ካብ ግብሪ ነጻ
ብውልቃዊ መጓዓዝያ፣ ብናይ ሓባር መኪና ወይ ብህዝባዊ መጓዓዝያ ኣብ እትጓዓዘሉ እዋን፣ ሓደ ኣስራሒ ንሓደ ኪሎ ሜተር እንተበዝሐ ክሳብ €0.21 ዝበጽሕ ካብ ግብሪ ነጻ ዝኾነ መሕወይ ክፍሊት ክህብ ይኽእል እዩ። ኣስራሒኻ ንሓደ ኪሎ ሜተር ልዕሊ €0.21 መሕወይ ክፍሊት ዝህብ እንተድኣ ኮይኑ፣ ካብዚ €0.21 ንላዕሊ እትረኽቦ ኹሉ ከም ደሞዝ እዩ ዝቑጸር። ስለዚ ድማ ልክዕ ከምቲ ዝተረፈ ደሞዝካ ግብሪ ይኽፈለሉ እዩ።
ብህዝባዊ መጓዓዝያ ኣብ ዝግበር ጒዕዞ፣ ኣስራሒ ነቲ ዝተገብረ ናይ መጓዓዝያ ወጻኢታት ካብ ግብሪ ነጻ ዝኾነ መሕወይ ክፍሊት ክህብ እውን ክመርጽ ይኽእል እዩ። እዚ ማለት እቲ ኣስራሒ ንኣብነት ምሉእ ዋጋ ናይ ባቡር ትኬትካ ይኸፍል ማለት እዩ።
ምስ ኣስራሒኻ ስምምዓት ግበር
ኣስራሒኻ ንወጻኢታት ህዝባዊ መጓዓዝያ ብኸመይ መሕወይ ክፍሊት ከም ዝህብ እንተድኣ ዘይፈሊጥካ፣ ብዛዕባ እዚ ኣብ ውዕልካ ኣቐዲምካ ክትሰማማዕ ጽቡቕ ሓሳብ እዩ።