ናይ 1 ዓመት W-document እናሃለወካ ስራሕ ምድላይ
ነዚ ዓንቀጽ ኣካፍል
ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ንምርካብ ገና ትጽበይ ዲኻ ዘለኻ፣ ግን ድማ ኣብ ኔዘርላንድ ክትሰርሕ ትደልይ ዲኻ? ኣብዚ ገጽ እዚ ስራሕ ብኸመይ ከም እትረክብ ዝያዳ ሓበሬታ ክትረክብ ኢኻ።
ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ (ገና) ዘይብልካ ምስ እትኸውን ኣብ ትሕቲ ዝተወሰኑ ቅድመ-ኩነታት ክትሰርሕ ትኽእል ኢኻ
ናይ 1 ዓመት
ብናይ ገዛእ ርእስኻ ቋንቋ፣ ብመንገዲ RefugeeWork ስራሕ ምርካብ
ክትሰርሕ እንተድኣ ትደልይ ኮይንካ፣ ብመንገዲ መርበብ-ሓበሬታ ናይ RefugeeWork ንስራሕ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ። ኣብቲ መድረኽ እቲ ብቋንቋኻ ስራሕ ክትደልይ ትኽእል ኢኻ። ከም ዓይኒ ሓቂ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ናይ RefugeeWork ብ11 ቋንቋታት ዝተተርጎሙ ምልክታታት ስራሕ ክትረክብ ኢኻ። ብኸምኡ መንገዲ ድማ እንታይ ዓይነት ስራሕ ከም ዘሎ ብቛንቋኻ ከተንብብን፣ ከምኡ እውን ንኽትሰርሕ ክትመጽእ ከም እትደልይ ንኣስራሕቲ ክትሕብርን ትኽእል።
ኣብ RefugeeWork ንስኻ መን ምዃንካ ዝገልጽ ሓበሬታ ክትመልእ ትኽእል ኢኻ። ን RefugeeWork ዝኸውን ሲቪ እውን ክትጽዕን ትኽእል ኢኻ። ሲቪ፣ ውልቃዊ ሓበሬታኻ፣ ትምህርትኻን ናይ ስራሕ ተመኩሮኻን ዘጠቓልል ገጽ እዩ። ሽዕኡ ምስቲ ዝሰማማዓካ ስራሕ ክትራኸብ ትኽእል ኢኻ።
RefugeeWork ብ
ስራሕ ምድላይ
ብኢንተርነት ብመንገዲ LinkedIn ወይ ከም በዓል undefinedIndeedundefined ከምኡ እውን undefinedNationale Vacaturebankundefined ብዝኣመሰሉ ናይ ስራሕ መርበባት-ሓበሬታ ስራሕ ክትደልይ ትኽእል ኢኻ። ሓደ ሓደ ግዜ ክትሰርሓሉ እትደልዮ ትካል እውን ክትበጽሕ ትኽእል ኢኻ። ሽዕኡ እቲ ትካል ሰራሕተኛታት ዝደልይ ዘሎ ምዃኑን ዘይምዃኑን ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ድኳናትን ኣብያተ-መግብን ይከኣል እዩ።
ብመንገዲ ግዝያዊ ቤት-ጽሕፈት ዕዮ ስራሕ ምርካብ
ግዝያዊ ስራሕ ትደልይ እንተድኣ ኮይንካን ቀልጢፍካ ክትጅምር እንተደሊኻን፣ ኣብ ግዝያዊ ቤት-ጽሕፈት ዕዮ ምምዝጋብ ጽቡቕ ሓሳብ እዩ። ግዝያዊ ቤት-ጽሕፈት ዕዮ ንኣስራሕትን ሰራሕተኛታትን ዘጋጥም ውድብ እዩ። ስራሕ ትደልይ እንተድኣ ኮይንካ፣ ኣብ ግዝያዊ ቤት-ጽሕፈት ዕዮ ከም ደላይ ስራሕ ክትምዝገብ ትኽእል ኢኻ።
ምስ ሓደ ሰራሕተኛ ናይቲ ግዝያዊ ቤት-ጽሕፈት ዕዮ ብሓባር ብምዃን ድማ፣ እንታይ ዓይነት ስራሕ ከም እትደልይ፣ ናይ ስራሕ ተመኩሮኻ እንታይ ምዃኑን፣ እንታይ ዓይነት ትምህርቲ ከም ዘለካን ብዝምልከት ክትዛተዩ ትኽእሉ ኢኹም። እቲ ሰራሕተኛ ንዓኻ ዝሰማማዕ ስራሕ ክረክብ ይፍትን። ብግዝያዊ ቤት-ጽሕፈት ዕዮ ዝርከብ ስራሕ መብዛሕትኡ ግዜ ግዝያዊ እዩ።
ስራሕ ኣብ ምርካብ ሓገዝ
እቲ እትነብረሉ ምምሕዳር ከተማ ከምኡ እውን
VluchtelingenWerk Nederland (VWN) እውን ኣብዚ ክሕግዝ ይኽእል እዩ። ናይ VWN ወለንተኛታት ኣሰልጠንቲ ስራሕ ድማ፣ ዝሰማማዓካ ስራሕ፣ ስልጠና፣ ናይ ስራሕ ልምምድ ወይ ወለንታዊ ስራሕ ንምርካብ ክሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም።