ክልተ ቆልዑት ኣብ ቀጽሪ ናይ ሓደ መዕቆቢ ስደተኛታት ብእግሮም ይኸዱ
ምንጪ፡ ANP

ብዛዕባ እቲ መዕቆቢ እንተድኣ ዘይዓገብካ እዚ ክትገብር ትኽእል

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 28/3/2024 8:49 ቅ.ቀ.
ነዚ ዓንቀጽ ኣካፍል

ብዛዕባ እቲ ትሓድረሉ ዘለኻ መዕቆቢ ኣይዓገብካን ዲኻ? ስለዚ ምስ COA ወይ ምስ ምምሕዳር ከተማ ክትዘራረብ፣ ጥርዓን ከተቕርብ ወይ ክትቃወም ትኽእል ኢኻ።

COA ወይ ምምሕዳር ከተማ እዩ መዕቆቢኻ ዘዋድደልካ

ኣብ ኔዘርላንድ ዑቕባ ንምርካብ እንተድኣ ኣመልኪትካ ወይ ከተመልክት እንተድኣ ደሊኻ፣

ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
ማእከላይ ኣካል መቐበሊ ሓተትቲ ዑቕባ (COA)
መጽለሊ ከም እትረክብ ከረጋግጽ ኣለዎ። እዚ ዕማም ንCOA ካብ መንግስቲ ኔዘርላንድ እዩ ተዋሂብዎ። እቲ መዕቆቢ ከማልኦም ዘለዎ ረቛሒታት ብዝምልከት እውን ስምምዓት ተገይሩ እዩ። ኣብ ኔዘርላንድ ዝርከቡ ኩሎም መዕቆቢታት ናይ COA ኣይኮኑን። ሓደ ሓደ ግዜ ምምሕዳር ከተማ እዩ ሓላፍነት ዝወስድ።

ኣብ መዕቆቢ ብዛዕባ ዘሎ ኩነታት ዘይምዕጋብ

ኣብ ሓደ መዕቆቢ ቦታ ዘሎ ኩነታት ዘይጽቡቕ ኮይኑ ክትረኽቦ ትኽእል ኢኻ። ሕማቕ ኩነታት ንኣብነት እዞም ዝስዕቡ እዮም፡

  • ሓደ መዕቆቢ ንኽትቕመጠሉ ዘይምችእ እዩ። ኣዝዩ ቆራሪ፣ ረሳሕ ወይ ውሑድ ብሕትና ዘለዎ እዩ።

  • ብቕዓት ናይቲ ኣብ መዕቆቢ ዝርከብ መግቢ ጽቡቕ ኣይኮነን

  • ትሕቲ 18 ዓመት ንዝዕድሚኦም ቆልዑት ዝኸውን ትምህርቲ የለን

  • ኣብ መዕቆቢ ዝኻየዱ ንጥፈታት ኣዝዮም ውሑዳት እዮም

ምስ ሰራሕተኛታት ናይቲ ቦታ ተዘራረብ

ብሓደ ካብዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ምኽንያታት ብመዕቆቢኻ ኣይዓገብካን ዲኻ? ወይ ብዛዕባ ካልእ ዝኾነ ነገር? ስለዚ መጀመርታ ኣብ መዕቆቢኻ ምስ ዝርከብ ሰራሕተኛ ናይቲ ቦታ ዝርርብ ክትገብር ትኽእል ኢኻ። ብዛዕባ ኣብቲ መዕቆቢ ዘሎ ጸገማት ክትዘራረብ ከም እትደልይ ድማ ሓብር።

ነዚ ዝርርብ ንምግባር ክትዳሎው ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት ነቶም ጸገማት ንዓኻ ንክኾነካ ብዝርዝር ሰሪዕካ ብምሓዝ። መፍትሒ ናይቶም ጸገማት ድሮ ትፈልጦም እንተድኣ ኮይንካ እውን ምስኡ ወሲኽካ ክትሰርዖም ትኽእል ኢኻ።

ኣብቲ መዕቆቢ ዘለዉ መሳለጥያታት ጽቡቓት ኣይኮኑን ድዮም?
ብቕዓት ናይቲ መግቢ ጽቡቕ ኣይኮነን ድዩ?
ኣብ መዕቆቢኻ ክትገብሮም እትኽእል ኣዝዮም ውሑዳት ንጥፈታት ድዮም ዘለዉ?
ትሕቲ 18 ዓመት ንዝዕድሚኦም ቆልዑት ዝኸውን ትምህርቲ የለን ድዩ?

ጥርዓን ምቕራብ

ምስ COA ወይ ምምሕዳር ከተማ ንኽትዘራረብ ኣይከኣልካን ዲኻ? ወይ እቲ ዝተዘራረብካዮ ኣብቲ መዕቆቢ ንምቕማጥካ ኣየመሓየሾን ድዩ? ስለዚ ብዛዕባ እቲ መዕቆቢ ኣንጻር COA ወይ ምምሕዳር ከተማ ጥርዓን ከተቕርብ ትኽእል ኢኻ። ጥርዓን ድማ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ከተቕርብ ትኽእል ኢኻ።

ናብ COA ጥርዓን ምቕራብ

ብኽልተ ኣገባባት ናብ COA ጥርዓን ከተቕርብ ትኽእል ኢኻ፡

  • ነዚ ንምግባር ናይ COA ናይ ጥርዓን ቅጥዒ ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ። መስርሕ ጥርዓን ናይ COA ብዛዕባ ነበርቲ ንዝቐርቡ ጥርዓናት ዝዓለመ ኣይኮነን። ብዛዕብኡ ኣብቲ ቦታ ምስ ዝርከብ ሰራሕተኛ ናይ COA ርክብ ክትገብር ትኽእል ኢኻ።

  • ብተወሳኺ ብደብዳቤ እውን ናብ COA ጥርዓን ከተቕርብ ትኽእል ኢኻ። ደብዳቤኻ ወይ ኢ-መይልካ ብቋንቋ ኔዘርላንድ ወይ እንግሊዝኛ ክጽሓፍ ኣለዎ። ንደብዳቤኻ ወይ ኢ-መይልካ ድማ ናብዚ ዝስዕብ ትልእኮ፤ Team Juridische zaken Postbus 30203 2500 GE Den Haag info@coa.nl

ናብ ምምሕዳር ከተማ ጥርዓን ምቕራብ

መዕቆቢኻ ብCOA ዘይኮነስ ብምምሕዳር ከተማ ድዩ ዝመሓደር? ከምኡ ምስ ዝኸውን ናብቲ ምምሕዳር ከተማ ጥርዓን ከተቕርብ ኣለካ። ከመይ ገይርካ ጥርዓን ከተቕርብ ከም እትኽእል ድማ ኣብቲ ምምሕዳር ከተማ እዩ ዝምርኮስ። ሓደ ሓደ ግዜ ንምምሕዳር ከተማ ብኸመይ ክትረኽቦ ከም እትኽእል ዝገልጽ ሓበሬታ ኣብቲ መዕቆቢ ቦታ ክትረክብ ኢኻ።

ጥርዓንካ እንተድኣ ዘይተፈትሐ ነዚ ክትገብር ትኽእል ኢኻ

ብዛዕባ መዕቆቢ ሰላማዊ ሰልፊ ምግባር

ብዛዕባ መዕቆቢ እንተድኣ ዘይዓጊብካ ተቓውሞ እውን ከተስምዕ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ኔዘርላንድ ተቓውሞ ናይ ምግባር መሰል ኣብ ቅዋም ኔዘርላንድ ተሰኒዱ ኣሎ። እዚ ኣብ ትሕቲ እቲ ኣብ ኔዘርላንድ ተፈጻምነት ዘለዎ ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ናጽነት ዝምደብ እዩ። ናይ 5 ዓመት ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ገና ዘይብልካ ምስ እትኸውን እውን ተቓውሞ ከተስምዕ ትኽእል ኢኻ።

ተቓውሞ ከተስምዕ ትደልይ ዲኻ? ስለዚ እዞም ነጥብታት ንዓኻ ኣገደስቲ እዮም፡

  • ተቓውሞ ከተስምዕ ምዃንካ ንምምሕዳር ከተማ ክትነግሮ ኣለካ። ነዚ ብመንገዲ መርበብ ሓበሬታ ናይቲ እትነብረሉ ምምሕዳር ከተማ ቅድሚ 48 ሰዓታት ግበሮ። ማለት እቲ ምምሕዳር ከተማ ንተቓውሞኻ ደገፍ ክገብረሉ ኣለዎ። ንኣብነት ንተቓውሞኻ ተቖጻጸርቲ ትራፊክ እንተድኣ ዘድልየካ ኮይኑ፣ ምምሕዳር ከተማ ነዚ ከዋድደልካ ኣለዎ። በይንኻ ንውልቕኻ ተቓውሞ ክትገብር እንተድኣ ኮይንካ ነዚ ምሕባር ኣየድልየካን እዩ።

  • ተቓውሞ ንኸተስምዕ ፍቓድ ኣየድልየካን እዩ። ካብ መንግስቲ እውን ፍቓድ ኣየድልየካን እዩ። 

  • ፖሊስ ንተቓውሞኻ ስቕ ኢሎም ክብትንዎ ኣይክእሉን እዮም። ከንቲባ ናይ ምምሕዳር ከተማ ጥራይ እዩ ኣብ ልዕሊ ተቓውሞኻ ገደብ ክገብር ወይ ክእግዶ ዝኽእል። 

  • ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ እትገብሩሉ እዋን ፖሊስ ካብ ህዝቢ ክከላኸለልካ ኣለዎ።

እዚ ዓንቀጽ ሓጊዙካ' ዶ?