
ምንጪ፡ Cytonn Photography
ኣብ ኔዘርላንድ ጉዳይካ ንምስላጥ ውልቃዊ ቁጽሪ (BSN) ብኸምዚ ኢኻ እትረክብ
ነዚ ዓንቀጽ ኣካፍል
ኣብ ኔዘርላንድ ልዕሊ 6 ኣዋርሕ ገይርካ ዲኻ? ስለዚ ውልቃዊ ቁጽሪ ክትረክብ ኢኻ። ኣብ ኔዘርላንድ ውልቃዊ ጉዳያትካ ንምስላጥ እዚ ቁጽሪ የድልየካ። ብኸመይ ከምዚ ዝበለ ቁጽሪ ትረክብ ኣብዚ ኣንብብ።
ነዚ ናትካ BSN ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ
ኣብ ኔዘርላንድ ወይ ምስ መንግስቲ ኔዘርላንድ ጉዳያት ንምስላጥ
ቁጽሪ BSN ንምርካብ ብኸምዚ ኢኻ እትሓትት
ኣብ ኔዘርላንድ ልዕሊ 6 ኣዋርሕ ገርይርካ ዲኻ? ስለዚ BSN ንምርካብ ባዕልኻ ኣመልክት። ነዚ ብኸምዚ ዝስዕብ ኢኻ ትገብሮ፡
ኣብ ምምሕዳር ከተማ ተመዝገብ።
ኣብቲ እትነብረሉ ምምሕዳር ከተማ ብነጻ ተመዝገብ። እዚ ድማ መሰረታዊ መዝገብ ሰባት (BRP) ይበሃል። ነዚ ንምግባር ናብ ፍሉይ ሰደቓ ናይቲ ምምሕዳር ከተማ ክትከይድ ኣለካ። እዚ “ጎደና BRP” ይበሃል። ነዚ ኣብ 5 ቦታታት ናይ ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND) ክትረኽቦ ትኽእል ኢኻ። ነዚኦም ቦታታት ኣብዚ ዝስዕብ ክትረኽቦም ትኽእል ኢኻ፡
Hoofddorp
Ter Apel
Budel
Zevenaar
Den Bosch
ካብ መንግስቲ BSN ዘለዎ ደብዳቤ ኣውቶማቲክ ክትቕበል ኢኻ።
እዚ ቁጽሪ መብዛሕትኡ ግዜ ድሕሪ ምዝገባኻ ኣብ ውሽጢ 4 ሳምንታት ኢኻ ትቕበሎ።
ነዊሕ ናይ ምጽባይ ግዜ
ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ BRP ንምምዝጋብ ካብቲ ልሙድ ዝነውሐ ናይ ምጽባይ ግዜ ከምዘሎ ኣብ ግምት የእትዎ። ድሮ ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ረኺቦም ዘለዉ ሰባት ኣብ BRP ንምምዝጋብ ቀዳምነት ይወሃቦም እዩ።
ሓደ ሓደ ግዜ ቀዳምነት ክትወሃበካ ይኽእል እዩ
ሓደ ሓደ ግዜ ቀዳምነት ብምርካብ ብህጹጽ መስርሕ ክትምዝገብ ይከኣል እዩ። እዚ ህጹጽ መስርሕ ነዞም ዝስዕቡ እዩ፡
ድሮ ስራሕ ዝረኸቡ ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ዘለዎም ሰባት
መንበሪ-ቤት ዝተዋህቦም ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ዘለዎም ሰባት
ብሕክምናዊ ምኽንያት BSN ዘድልዮም ሰባት
መንነቶም ብIND ዝፍለጥ
ዘለዎም ሰባት።ናይ ስራሕ ፍቓድ (TWV)
ብመንገዲ ጎደና-BRP ኣብ BRP ህጹጽ ምዝገባ ንኽግበረልካ ብቑዕ ንምዃን ናብ ናይ ሓደ ቦታ ሰደቓ-ሓበሬታ ናይ ማእከላይ ኣካል መቐበሊ ሓተትቲ ዑቕባ (COA) ክትሕብር ትኽእል ኢኻ።
ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ BRP ክትምዝገብ ኣይትኽእልን ኢኻ
ካብዞም ዝስዕቡ ኩነታት ሓደ ንዓኻ ዝምልከተካ ምስ ዝኸውን ኣብ BRP ክትምዝገብ ኣይትኽእልን ኢኻ፡
ኣብ ትሕቲ መስርሕ-ዱብሊን ኢኻ እትምደብ
ካብ ሓንቲ ብኔዘርላንድ ከም ውሕስቲ ሃገር እትረኣይ ሃገር ኢኻ መጺእካ
ኣብ ውሽጢ ሕብረት ኤውሮጳ ካብ እትርከብ ካልእ ሃገር ድሮ መንበሪ ፍቓድ ኣለካ
መንነትካ ገና ብIND ኣይተረጋገጸን ኣሎ።