ምንጪ፡ Wikimedia Commons

ኣብ ኔዘርላንድ ህዝባዊ መጓዓዝያ ብኸምዚ እዩ ዝሰርሕ

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 9/4/2024 3:53 ድ.ቀ.
ነዚ ዓንቀጽ ኣካፍል

ኣብ ኔዘርላንድ ዳርጋ ናብ ኩሉ ቦታ ብህዝባዊ መጓዓዝያ ክትበጽሕ ትኽእል ኢኻ። ብባቡራት፣ ኣውቶቡሳት፣ ትራማትን ሜትሮታትን ኣቢልካ። ኣብዚ ገጽ ብዛዕባ ህዝባዊ መጓዓዝያ ኣብ ኔዘርላንድ ዝያዳ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ዝተፈላለያ ትካላት መጎዓዝያ ኣለዋ

ኔዘርላንድ፣ ናይ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ህዝባዊ መጓዓዝያ ሓላፍነት ዝስከማ ሓያሎ ትካላት ሞጎዓዝያ ኣለዋ።

ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
መንገዲ ባቡር ኔዘርላንድ (Nederlandse Spoorwegen - NS)
ዝዓበየ ክፋል ናይ መጓዓዝያ ባቡር ኣብ ኔዘርላንድ የዋድድ። ካልኦት ትካላት ሞጎዓዝያ ድማ ኣብ ዝተፈላለዩ ዞባታት ናይ ኣውቶቡሳት፣ ትራምን ሜትሮን መጎዓዝያ ሓላፍነት ይወስዳ።

ብዛዕባ መጓዓዝያ ኣገዳሲ ሓበሬታ ንምርካብ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ናይ ትካል መጎዓዝያ ናይ ዞባኻ ተወከስ። ከምኡ እውን ክህሉው ዝኽእል ጎደሎ ዋጋ ንምርኣይ።

ጉዕዞኻ ኣቐዲምካ ክትውጥን ትኽእል ኢኻ

ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ናብ ዝኾነ ቦታ ክትከይድ ኣለካ ዲኻ? ብኢንተርነት ኣቐዲምካ መገሻኻ ክትውጥን ትኽእል ኢኻ። ንጉዕዞ ባቡር ብዝምልከት ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ናይ NS ብኢንተርነት ክትርእይ ትኽእል ኢኻ። ኣብ www.ns.nl ባቡርካ መዓስ ከም እትብገስ፣ ካብ ኣየናይ መድረኽን፣ ዝኾነ ጸገም ምህላዉን ዘይምህላዉን ክትርእይ ትኽእል ኢኻ። እዚ ብናቶም ናይ ተሌፎንካ ኣፕ እውን ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ።

ብዛዕባ ኩሉ ዓይነት መጎዓዝያ ሓበሬታ ክትረክብ ትደልይ ዲኻ? ስለዚ ኣብ www.9292.nl ተመልከት። ስለዚ ኣብኡ ካብ ገዛኻ ናብቲ እትኸዶ ቦታ ብኸመይ ከም እትበጽሕ ብልክዕ ክትውጥን ትኽእል ኢኻ። ብኸምዚ ድማ ዘይተጸበኻዮ ነዊሕ ግዜ ካብ ምጽባይ ትድሕን። 9292 ዝብል ኣፕ እውን ኣብ ተሌፎንካ ከተውርዶ ትኽእል ኢኻ።

ብቚዕ ትኬት ክህልወካ ኣለዎ

ኩሉ ግዜ ብቚዕ ትኬት ክህልወካ ኣለዎ። ብቚዕ ትኬት ንምርካብ ዝተፈላለዩ መንገድታት ኣለዉ። ንኣብነት ብናይ ህዝባዊ ሞጎዓዝያ ቺፕ ካርድ ብምእታው። ወይ ድማ ካብ ማሽን ናይ ወረቐት ትኬት ብምግዛእ።

ኣብ መደበራት ባቡር መብዛሕትኡ ግዜ ብሽክለታ ክትካረይ ትኽእል

ኣብ ብዙሓት መደበራት ባቡር ካብ NS ብሽክለታ ክትካረይ ትኽእል ኢኻ። እዚ ድማ ብሽክለታ ህዝባዊ መጎዓዝያ [OV-fiets] ይበሃል። ናይ 'OV-fiets' ብሽክለታ ንምክራይ ውልቃዊ ናይ ህዝባዊ መጎዓዝያ ቺፕ ካርድ [OV-chipkaart] የድልየካ። ኣብኡ ድማ ብነጻ ናይ OV-fiets ውዕል ክትገብረሉ ትኽእል ኢኻ።

OV-fiets ንምጥቃም ንነፍስወከፍ 24 ሰዓታት € 4,55 ትኸፍል። እንተድኣ ንትሕቲ 24 ሰዓታት ብሽክለታ ዘድልየካ ኮይኑ እውን € 4,55 ኢኻ እትኸፍል።

ንህዝባዊ መጓዓዝያ ዝምልከቱ ሕግታት እዚኦም እዮም

ኣብ ህዝባዊ መጎዓዝያ ዝተወሰኑ ሕግታት ክተኽብር ኣለካ። ኣብዚ ታሕቲ ብዛዕባ እቶም ቀንዲ ኣገደስቲ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ፡

ኩሉ ግዜ ንመጎዓዝያኻ ከም ዝኸፈልካ ከተርእይ ክትክእል ኣለካ
ኣብቲ ትኬት ዘለካ ማዕርግ ጥራይ ኢኻ ክትጓዓዝ ትኽእል
ሓደ ሓደ ግዜ ብሽክለታኻ ኣብ ህዝባዊ መጓዓዝያ ምሳኻ ክትማላኣ ይፍቀደልካ እዩ
ንዓረብያ ስንኩላንን ዓረብያ ሕጻናትን ዝኸውን ፍሉይ ቦታታት ኣሎ
ኣብ ህዝባዊ መጓዓዝያ ሽጋራ ምትካኽ ክልኩል እዩ
ረብሻ ድምጺ ወይ ጎሓፋት ክትፈጥር ኣይፍቀደልካን እዩ
እዚ ዓንቀጽ ሓጊዙካ' ዶ?