
ንጥፈታት ንማሕበረሰብ LHBTQIA+
ኣብ ኔዘርላንድ ብፍላይ ንLHBTQIA+ ሰባት ዝዓለሙ ዝተፈላለዩ ንጥፈታት ኣለዉ። ኣብዚ ገጽ ብዛዕባ "Gay Pride"፣ ሮዛዊት ቀዳምን ካልኦት ንጥፈታትን ከተንብብ ትኽእል ኢኻ። ኣብዚ ናይ ስደተኛ ድሕረ ባይታ ንዘለዎም LHBTQIA+ ሰባት ዝዓለሙ ንጥፈታት ኣብ ምውዳብ ዘተኮሩ ውድባት እውን ክትረክብ ኢኻ።
ሮዛዊት ቀዳም
ሮዛዊት ቀዳም ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ ዘላ ቀዳም እያ። ከምኡ እውን ዓመታዊ ንመሰላት ግብረ-ሰዶማዊት፣ ግብረ-ሰዶመኛ፣ በሃግቲ ክልቲኡ ጾታን፣ ዘይክልቲኡ ጾታን ኣቓልቦ ዝስሕብ ጽንብልን ሰላማዊ ሰልፍን እዩ። ኣብ ነፍስወከፍ ክረምቲ ድማ ኣብ መላእ ኔዘርላንድ መደባት Pride ይዳሎ።
ሮዛዊት ቀዳም ኣብ 1969 ኣብ ኒውዮርክ ኣብ 'ስቶንዎል' ንዝተፈጸመ ናዕቢ ንምዝካር ዝተፈጥረ እዩ። እዚ ናዕቢ እዚ ኣብ ታሪኽ ምንቅስቓስ ግብረ-ሰዶማውያን ንኣገዳሲ ህሞት ዝውክል እዩ። ኣብቲ እዋን እቲ ፖሊስ ኣብ 'Stonewall Inn' ዝበሃል ናይ ግብረ-ሰዶማውያን ባር ጎነጻዊ ብዝኾነ ኣገባብ ኣጥቂዖም። ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ግብረ-ሰዶማውያን መንእሰያትን ጓል-ጓሎ ሰብኡትን ድማ ንዓመታት ብፖሊስ ዝፍጸም ዝነበረ ወጽዓን ዓመጽን ስለዝመረሮም ምክልኻላዊ ባእሲ ጀመሩ።
ካልኦት ንጥፈታት
ኣብዞም ዝስዕቡ መርበባት-ሓበሬታ ብዛዕባ ንጥፈታት ዝያዳ ሓበሬታ ክትረክብ ኢኻ፡
ንLHBTQIA+ ፍጻመታት ዝዓለሙ ኣገደስቲ ውድባት
ብፍላይ ንማሕበረሰብ LHBTQIA+ ዝዓለሙ መዳባት ዘዳልዋ ውድባት እውን ኣለዋ።
COCktail
Respect2love
Transgender Infopunt Nederland