ሮዛ ዝሕብሩ ክዳን ዝተኸድኑ ጉጅለ ሰባት ብካናል ኣምስተርዳም ይጅልቡ። ኣብ ደንደስ ጻዕቂ ሰባት ኣሎ፣ ብሓጎስ ድማ ይጭድሩ ኣለዉ።
ምንጪ፡ Flickr / Kitty Terwolbeck
ዓንቀጽ

ንጥፈታት ንማሕበረሰብ LHBTQIA+

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 11/3/2025 9:18 ቅ.ቀ.

ኣብ ኔዘርላንድ ብፍላይ ንLHBTQIA+ ሰባት ዝዓለሙ ዝተፈላለዩ ንጥፈታት ኣለዉ። ኣብዚ ገጽ ብዛዕባ "Gay Pride"፣ ሮዛዊት ቀዳምን ካልኦት ንጥፈታትን ከተንብብ ትኽእል ኢኻ። ኣብዚ ናይ ስደተኛ ድሕረ ባይታ ንዘለዎም LHBTQIA+ ሰባት ዝዓለሙ ንጥፈታት ኣብ ምውዳብ ዘተኮሩ ውድባት እውን ክትረክብ ኢኻ።

ሮዛዊት ቀዳም

ሮዛዊት ቀዳም ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ ዘላ ቀዳም እያ። ከምኡ እውን ዓመታዊ ንመሰላት ግብረ-ሰዶማዊት፣ ግብረ-ሰዶመኛ፣ በሃግቲ ክልቲኡ ጾታን፣ ዘይክልቲኡ ጾታን ኣቓልቦ ዝስሕብ ጽንብልን ሰላማዊ ሰልፍን እዩ። ኣብ ነፍስወከፍ ክረምቲ ድማ ኣብ መላእ ኔዘርላንድ መደባት Pride ይዳሎ።

ሮዛዊት ቀዳም ኣብ 1969 ኣብ ኒውዮርክ ኣብ 'ስቶንዎል' ንዝተፈጸመ ናዕቢ ንምዝካር ዝተፈጥረ እዩ። እዚ ናዕቢ እዚ ኣብ ታሪኽ ምንቅስቓስ ግብረ-ሰዶማውያን ንኣገዳሲ ህሞት ዝውክል እዩ። ኣብቲ እዋን እቲ ፖሊስ ኣብ 'Stonewall Inn' ዝበሃል ናይ ግብረ-ሰዶማውያን ባር ጎነጻዊ ብዝኾነ ኣገባብ ኣጥቂዖም። ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ግብረ-ሰዶማውያን መንእሰያትን ጓል-ጓሎ ሰብኡትን ድማ ንዓመታት ብፖሊስ ዝፍጸም ዝነበረ ወጽዓን ዓመጽን ስለዝመረሮም ምክልኻላዊ ባእሲ ጀመሩ።

ካልኦት ንጥፈታት

ኣብዞም ዝስዕቡ መርበባት-ሓበሬታ ብዛዕባ ንጥፈታት ዝያዳ ሓበሬታ ክትረክብ ኢኻ፡ 

ንLHBTQIA+ ፍጻመታት ዝዓለሙ ኣገደስቲ ውድባት

ብፍላይ ንማሕበረሰብ LHBTQIA+ ዝዓለሙ መዳባት ዘዳልዋ ውድባት እውን ኣለዋ።

COCktail

COCktail ንሓደ LHBTQI+ ስደተኛ/ሓድሽ-መጻኢ ምስ ሓደ ኔዘርላንዳዊ LHBTQI+ ሰብ ዘተኣሳስር ናይ ብጻይነት ፕሮጀክት እዩ።

Respect2love

Respect2Love ማሕበራዊ ፍጻሜታትን ናይ ምሕያል ዓውደ-መጽናዕትታትን ይውድብ እዩ፣ ኣብኡ ድማ ምስ ካልኦት ክልተ-ባህላዊ LHBTQI+ ሰባት ክትራኸብ ትኽእል ኢኻ።

Transgender Infopunt Nederland

ናይ ጾታውነት ሕቶታት ንምሕታት፣ ሓበሬታ ንምርካብ፣ ወይ ሰማዒ እዝኒ ንምርካብ ጥራይ ናብ Transgender Infopunt Nederland [ነቚጣ-ሓበሬታ ስግረ-ጾታ ኔዘርላንድ] ክትውከስ ትኽእል ኢኻ። እቲ ነቚጣ-ሓበሬታ ካብ ሰኑይ ክሳብ ሓሙስ ካብ ሰዓት 14፡00 ክሳብ 17፡00 ብቁጽሪ ተሌፎን 085 13 03 84 6 ንምርካቡ ይከኣል እዩ።


እዚ ሓበሬታ እዚ ሓጊዙካ' ዶ?


ኣብዚ መድረኽ እትረኽቦ ሓበሬታ ካብ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት VluchtelingenWerk Nederland ዝመጸ ኮይኑ፣ ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር እዩ።
ምስ Contentful ብምትሕብባር