2 መንእሰያት ኣብ ደገ ኮፍ ኢሎም።
ምንጪ፡ Shutterstock
ዓንቀጽ

ትሕቲ 18 ዓመት እንተድኣ ኮይንካን ብዘይ ስድራ-ቤት ትነብር ምስ እትኸውንን፣ ኣብ ኔዘርላንድ ምንባር

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 6/20/2025 6:42 ቅ.ቀ.

እንተድኣ ትሕቲ 18 ዓመት ኮይንካ፣ ንበይንኻ ናብ ኔዘርላንድ መጺእካን ኣብዚ መንበሪ ፍቓድ እንተሃልዩካን፣ ኣብ ትሕቲ ሕግታት AMV ኢኻ እትምደብ። ኣብ ትሕቲ ደንቢ-AMV ትምደብ እንተድኣ ኮይንካ፣ ንበይንኻ ክትነብር ኣይፍቀደልካን እዩ። NIDOS መንበሪ ንምርካብ ክሕግዘካ እዩ። እንታይ ሓገዝ ከም እትረክብን፣ ኣበይ ክትነብር ከም እትኽእልን ኣብዚ ዓንቀጽ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ኣበይ ከም እትነብር ዕድመኻ እዩ ዝውስን

ዋላ መንበሪ ፍቓድ እንተሃለወካ እውን፣

NIDOS
እትነብረሉ ቦታ ከዋድደልካ እዩ። NIDOS ምስ ብዙሓት
ውድባት ክንክን ቆልዑትን መንእሰያትን
ብምትሕባብር ይሰርሕ፣ ኣየናይ ቦታ ንዓኻን ንዕድመኻን ብዝበለጸ ከም ዝሰማማዕ ድማ ይርእይ። ምስ ዕድመኻን ርእሰ-ከኣልነትካን ዝሰማማዕ ብዙሕ ተኽእሎታት ኣሎ። ምስ ሞግዚትካን ኣለይትኻን ብሓባር ብንጥፈት ብምስራሕ ድማ ኣብ ኔዘርላንድ ርእስኻ እትኽእለሉ መጻኢ ንምህናጽ ክትሰርሕ ትኽእል። 

ኣብ ኔዘርላንድ ንትሕቲ ዕድመ ስደተኛታት ዝኾኑ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ኣባይቲ ኣለዉ

መጽለሊን ምንባርን ኣብ ስድራ-ቤታዊ ኩነታት (OWG)

ዕድመኻ 14 ዓመትን ትሕቲኡን እንተድኣ ኮይኑ፣ ምስ ሓንቲ ስድራ-ቤት ክትነብር ኢኻ።  እዚ ዓይነት ክንክን መጽለሊን ምንባርን ኣብ ስድራ-ቤታዊ ኩነታት (OWG) ይበሃል። ስለዚ ምስ ሓንቲ ከም ናትካ ዜግነት ወይ ባህላዊ ድሕረ-ባይታ ዘለዋ ስድራ-ቤት ክትነብር ኢኻ። እዚ ድማ ኣብ ኔዘርላንድ ቀልጢፍካ ኣብ ገዛኻ ዘለኻ ኮይኑ ንኽስምዓካ ይሕግዘካ። 

ኣብ ኔዘርላንድ ዝተፈላለዩ መጠነ-ንኡስ መዕቆቢ ቦታታት (KSO) ኣለዉ 

እዞም ኣባይቲ ብ Stichting Nidos ምስ ምምሕዳራት ከተማታት ብምትሕብባር ዝተመስረቱ እዮም። ኣብዚ መብዛሕትኡ ግዜ ካብ 3 ክሳብ 12 መንእሰያት ኣብ ዝሓቖፈት ንእሽቶ ጉጅለ ኢኻ ትነብር። ኣብ ውሽጢ KSO፣ ቋንቋ ኔዘርላንድ ትመሃርን ናብ ቤት-ትምህርቲ ትኸይድን። ብተወሳኺ ግብራውን ማሕበራውን ብቕዓታት ንምምዕባል፣ ትምህርትን ምርሒትን ትረክብ። 

ዕድመኻ 15 ዓመት ወይ ልዕሊኡ እንተድኣ ኮይኑ፣ ኣብ ናይ ቆልዑት መንበሪ ጉጅለ (KWG) ወይ ኣብ ንእሽቶ መንበሪ ኣሃዱ (KWE) ኢኻ እትነብር ። 

ናይ ቆልዑት መንበሪ ጉጅለ (KWG) 

ገና ብእኹል ርእሶም ንዘይክእሉ ቆልዑት ዝኸውን ናይ ቆልዑት መንበሪ ጉጅለ (KWG) ኣሎ። ስለዚ ኣብ መዓልቲ 24 ሰዓታት ሓገዝ ክትረኽበሉ ኣብ እትኽእል ቦታ ኢኻ ትነብር። ኣብ ሓደ ናይ ቆልዑት መንበሪ ጉጅለ፣ እንተበዝሑ ዓሰርተው ክልተ ቆልዑት ይነብሩ። ኣብዚ ምሉእ መዓልቲ ኣብ ኩሉ ንጥፈታት ምርሒት ትረክብ። ንቤት-ትምህርቲ ንምኻድ ኣብ ሰዓትካ ምትንሳእ፣ ዕዳጋ ምግባርን ምኽሻንን ዝኣመሰሉ። 

ንእሽቶ መንበሪ ኣሃዱ (KWE) 

ኣብ ንእሽቶ መንበሪ ኣሃዱ (KWE)፣ እንተበዝሑ ካብ 15 ክሳብ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም 4 መንእሰያት ብሓባር ይነብሩ። መብዛሕትኡ ግዜ ዝተፈላለየ መበቆል ዘለዎም እዮም። ድሮ ምሉእ ብምሉእ ገዛእ-ርእስኻ ትኽእል ምስ እትኸውን፣ ግን ድማ ዕድመኻ በጽሒ ብሰንኪ ዘይምዃኑ ገና ዘይተደላደልካ እንተድኣ ኮይንካ፣ ኣብዚ ክትነብር ትኽእል ኢኻ። ስለዚ ድማ ኢኻ ኣብዚ ካብ ሜንቶር ምርሒት እትረክብ፣ ንሱ ድማ ገዛእ-ርእስኻ ክኢልካ ምንባር ንኽትመሃር ክሕግዘካ እዩ። 

Nidos ናይ ባዕሉ መዕቆቢ (NEO) 

NEO፣ ካብ 14 ክሳብ 18 ዓመት ንዝዕድሚኦም በይኖም ንዝኾኑ ትሕቲ ዕድመ ወጻእተኛታት ዝኸውን ናይ Stichting Nidos ንእሽቶ መዕቆቢ እዩ። ኣብዚ ካብ 4 ክሳብ 12 ሰባት ኣብ ዝሓቖፉ ንኣሽቱ ጉጅለታት ኢኻ ትነብር። ምሉእ መዓልቲ ድማ ካብ ኣሰልጠንቲ መንእሰያት ምርሒት ትረክብ። ኣብ NEO፣ ቋንቋ፣ ትምህርትን ማሕበራዊ ምዕባለን ብዝምልከት እውን ደገፍ ትረክብ። 

ተወሳኺ ምርሒት ዘለዎ መጠነ-ንኡስ መዕቆቢ (PON) 

እንተድኣ ተቓላዒ ኮይንካን ፍሉይ ክንክን ዘድልየካ እንተድኣ ኮይኑን፣ PON (Perspectief Opvang Nidos) ኣሎ። እዚ፣ ፍሉይ ዝኾነ ንእሽቶ መዕቆቢ ኮይኑ፣ ብዙሕ ውልቃዊ ኣቓልቦ፣ ብዙሕ ምርሒትን ምሳኻ ዝሰማማዕ ኣተሓሕዛን ዘለዎ እዩ። ኣብ ግዜኻ ናብ ቤት-ትምህርቲ ምኻድን ቆጸራ ምሓዝን ብዛዕባ ዝኣመሰሉ ግብራዊ ጉዳያት ድማ መዓልታዊ ደገፍ ክትረክብ ኢኻ። ብተወሳኺ ምስ ሓደ ክኢላ ስነ-ፍልጠት ባህሪ ወይ ወሃቢ ሓገዝ ስሩዕ ርክብ ክህልወካ እዩ፣ ንሱ ድማ ስምዒታዊ ወይ ስነ-ኣእምሮኣዊ ብድሆታት ብዝምልከት ክሕግዘካ እዩ። 

ኣብ ኔዘርላንድ ሓለዋ ዝግበረሉ መዕቆቢ እውን ኣሎ

ገሊኦም ቆልዑትን መንእሰያትን ግዳያት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት እዮም።

XONAR ምስ NIDOS ብምትሕብባር ዝሰርሕ ውድብ እዩ።

XONAR፣ ግዳያት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ንዝኾኑ ወይ ቅትለት ክብሪ ማለት ክብሪ ስድራ ወይ ቤተሰብ ንምዕቃብ ዝግበር መቕተልቲ ዘንጸላልዎም መሰነይታ ንዘይብሎም ትሕቲ ዕድመ ወጻእተኛታት ሓለዋ ዝግበረሉ መዕቆቢ ይህብ። ንሕጻናት መርዓውቲ እውን ይሕግዝ። 

ኣብ XONAR ኣብ ዕጹው ኣከባቢ ኣብ ዝርከብ ገዛ ኢኻ ትነብር።  

ኣብ ከባቢ መበል 18 ዓመትካ ኣብ ኔዘርላንድ ምንባር

ኣብ ከባቢ መበል 17 ዓመት ዕድመኻ፣ ርእስኻ ክኢልካ ንኽትነብር ምድላዋት ክትጅምር ኢኻ።  ንዝቕጽል ስጉምቲ ብግቡእ ንኽትዳሎ ምእንቲ ድማ ምስ ሞግዚትካን ኣለይትኻን ብሓባር ብምዃን ብዛዕባ ሓደ ውጥን ምሕሳብ ኣገዳሲ እዩ። 18 ዓመት ምስ መላእካ፣ ርእስኻ ክኢልካ ክትነብር፣  ክትሰርሕን ክትመሃርን ይፍቀደልካ እዩ። ኣብ ብዙሓት ምምሕዳራት ከተማታት ድማ ገና ተወሳኺ ደገፍ ንምርካብ ናብ VluchtelingenWerk Nederland ክትውከስ ትኽእል ኢኻ። 

ዝተናውሐ መዕቆቢ

ድሕሪ መበል 18 ዓመት ልደትካ እውን ምርሒት ምርካብ ምቕጻል ይከኣል እዩ። እዚ ድማ ዝተናውሐ መዕቆቢ ይበሃል። ስለዚ ሽዕኡ ኣብቲ ዘአንግድካ ስድራ-ቤት ወይ መጠነ-ንኡስ መዕቆቢ፣ ክሳብ መበል 21 ዓመት ልደትካ ንነዊሕ እዋን ክትነብር ትኽእል ኢኻ። እዚ ዝተናውሐ መዕቆቢ፣ ዝያዳ ርእስኻ እትኽእል ንኽትከውንን፣ ኣብ ኔዘርላንድ ብዝበለጸ ንኽትወሃሃድን ድማ ይሕግዘካ። 


እዚ ሓበሬታ እዚ ሓጊዙካ' ዶ?


ኣብዚ መድረኽ እትረኽቦ ሓበሬታ ካብ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት VluchtelingenWerk Nederland ዝመጸ ኮይኑ፣ ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር እዩ።
ምስ Contentful ብምትሕብባር