ምንጪ፡ Canva
ዓንቀጽ

ንስድራ ቤት መመስረቲ ዚኸውን ሰነዳት ኣክብ

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 9/4/2025 8:31 ድ.ቀ.

ስድራ-ቤት ንምቛም ኣብ እተምልክተሉ እዋን፣ ብዘይካ እቲ ናይ መመልከቲ ቅጥዒ፣ መርትዖ ሰነዳት እውን ናብ IND ክትሰድድ ኣለካ። እዞም ሰነዳት፣ ንመንነት ናይ መጻምድትኻን፣ ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ መጻምድትኻን ንዘሎ ዝምድናን ዘረጋግጹ እዮም። እዞም ሰነዳት፣ ንኹሎም ቅድመ-ኩነታት ከም እተማልእ ዘርእዩ እዮም።

ናትካን ናይ መጻምድትኻን ቅዳሕ ወረቐት መንነት ክትሰድድ ኣለካ

  • ቅዳሕ ናይ ፓስፖርትኻ ወይ ወረቐት መንነትካ።

  • ናትካን ናይ መጻምድትኻን ቅዳሕ ፓስፖርት። ቅዳሕ ናይቲ ናይ መንነት ሓበሬታታት ዝሓዘ ገጽን፣ ኩሎም ናይ መገሻ ማሕተማት ዝሓዙ ገጻትን ኣጠቓሊልካ ክትሰዶም ኣለካ።

ቅዳሕ ናይ ስራሕ ውዕልካ ክትሰድድ ኣለካ

እኹል ኣታዊ ከም ዘለካ ብመርትዖ ከተረጋግጽ ኣለካ። ከተቕርቦም ዘለካ ሰነዳት ድማ ኣብ ኩነትካ እዮም ዝምርኮሱ፡

  • ውዕልካ ገና ን12 ኣዋርሕ ወይ ልዕሊኡ ዝጸንሕ እንተድኣ ኮይኑ፣ ቅዳሕ ናይቲ ሕጂ ዘለካ ውዕል ክትሰድድ ኣለካ።

  • ውዕልካ ካብ 6 ክሳብ 12 ኣዋርሕ ዝጸንሕ እንተድኣ ኮይኑ፣ ቅዳሕ ናይቲ ህሉውን ናይ ዝሓለፉ 12 ኣዋርሕን ውዕል(ውዕላት) ከተሰድድ ኣለካ። ብተወሳኺ ንዝቕጽሉ 6 ኣዋርሕ ገና ምስራሕ ከም እትቕጽል ዝጠቕስ መግለጺ ካብ ኣስራሒኻ ከድልየካ እዩ።

  • ውዕልካ ትሕቲ 6 ኣዋርሕ ዝጸንሕ እንተድኣ ኮይኑ፣ ወይ ብመንገዲ ቤት-ጽሕፈት ዕዮ ኣቢልካ ስራሕ ዝተቖጸርካ እንተድኣ ኮይንካ፣ ቅዳሕ ናይቲ ሕጂ ዘለካ ውዕል ክትሰድድ ኣለካ።

  • ናይ ገዛእ-ርእስኻ ትካል ዘለካ፣ ወይ ርእስኻ-ክኢልካ እትሰርሕ በዓል-ዋኒን እንተድኣ ኮይንካ፣ ናይቲ ህሉው ፋይናንሳዊ ዓመት፣ ናይቲ ዝሓለፈ ፋይናንሳዊ ዓመትን፣ ቅድሚኡ ናይ ዝነበረ ዓመትን ዝምልከት ናይ መኽሰብን ክሳራን ጸብጻብ ሕሳብ ከተቕርብ ኣለካ።

ቅዳሕ ናይ ጸብጻብ ቅብሊት ደሞዝካን ኣታዊታትካን እውን ክትሰድድ ኣለካ

ብዛዕባ እዚ እውን ኣብ ኩነትካ እዩ ዝምርኮስ፡

  • ውዕልካ ገና ን12 ኣዋርሕ ወይ ልዕሊኡ ዝጸንሕ እንተድኣ ኮይኑ፣ ናይ ዝሓለፉ 3 ኣዋርሕ ጸብጻባት ቅብሊት ደሞዝ ክትሰድድ ኣለካ። ዘይስሩዕ ኣታዊ ዘለካ እንተድኣ ኮይንካ ድማ ናይ ዝሓለፉ 12 ኣዋርሕ ጸብጻባት ቅብሊት ደሞዝ ክትሰድድ ኣለካ።

  • ውዕልካ ገና ካብ 6 ክሳብ 12 ኣዋርሕ ዝጸንሕ እንተድኣ ኮይኑ፣ ኩሎም ናይ ዝሓለፉ 12 ኣዋርሕ ጸብጻባት ቅብሊት ደሞዝን፣ ነቲ ናይ መወዳእታ ዓመታዊ ጸብጻብን ክትሰድድ ኣለካ።

  • ውዕልካ ትሕቲ 6 ኣዋርሕ ዝጸንሕ እንተድኣ ኮይኑ፣ ወይ ድማ ብተዓጻጻፊ ወይ ብቤት-ጽሕፈት ዕዮ ተቖጺርካ ትሰርሕ እንተድኣ ኮይንካ፣ ኩሎም ዓመታዊ ጸብጻባት ናይ ዝሓለፉ 3 ዓመታትን፣ ቅዳሕ ናይ ኩሎም ውዕላት ናይ ዝሓለፉ 3 ዓመታትን ክትሰድድ ኣለካ።

  • ናይ ገዛእ-ርእስኻ ትካል ኣለካ ድዩ፣ ወይ ገዛእ-ርእስኻ ክኢልካ እትሰርሕ በዓል ዋኒን ዲኻ? ስለዚ ናይ ግብሪ መመልከቲታት (ናይ ኣታዊ ግብሪ)፣ ከምኡ እውን ናይ ዝሓለፉ 3 ዓመታት ናይ መኽሰብን ክሳራን ጸብጻባት ሕሳብን ክትሰድድ ኣለካ። ግዝያውን ናይ መወዳእታን ዝተሰልዑልካ ግብሪታት እውን ኣተሓሒዝካ ትሰዶም።

ካብ ባንክ ማሕበራዊ መድሕን እውን መርትዖ ክትሰድድ ኣለካ

ናይ ምሕደራ ደሞዝካ ምሉእ ሓላፍነት ናብ

ከም ዝተመሓላለፈ መርትዖ ከትሰድድ ኣለካ። ካብ ባንክ ማሕበራዊ መድሕን እትረኽቦ ሓፈሻዊ ደሞዝ እንተወሓደ € 2,245.80 ኣብ ወርሒ ክኸውን ኣለዎ። እቲ መጠን ኣታዊታት ኣብ ነፍስወከፍ 6 ኣዋርሕ፣ ማለት ኣብ 1 ጥሪን 1 ሓምለን ይቕየር እዩ። 

ናይ ሓዳር ዝምድናኻ መርትዖ እውን ትሰድድ

  • ምርዑው እንተድኣ ኮይንካወይ ምዝጉብ ሓዳር ምስ ዝህልወካ፣ ቅዳሕ ናይ ቃል-ኪዳን ምስክር ወረቐት ክትሰድድ ኣለካ።

  • ዘይተመርዓኻ እንተድኣ ኮይንካ፣ ቅዳሕ ናይ ዘይምርዕዋት መግለጺ ናይ መጻምድትኻ ክትሰድድ ኣለካ። ንስኻ ዜግነት ኔዘርላንድ ወይ መንበሪ ፍቓድ ስለዘለካ፣ ነዚ መግለጺ ባዕልኻ ምስዳድ ኣየድልየካን እዩ። እዚ መጻምድትኻ ዘይተመርዓወት ምዃና ዝሕብር መግለጺ፣ ካብ መበቆል ሃገር ዝመጽእ ክኸውን ኣለዎ። እቲ መግለጺ ድማ 6 ወርሒ ዘይሓለፎ ክኸውን ኣለዎ። ንስኻን መጻምድትኻን ናይ ሓዳር ዝምድና ከም ዘለኩም እውን ብመርትዖ ከተረጋግጽ ኣለካ። ነዚ ብስእሊታት፣ ብመንገዲ ቻት ወይ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተገብሩ መልእኽቲታት፣ ብናይ ነፋሪት ትኬታት፣ ወይ ዝተመሓላለፉ ገንዘባት ከም እተርእይ ግበር።

  • ብተወሳኺ ናይ ዝምድና መግለጺ እውን ክትሰድድ ኣለካ። ነቲ ናይ ዝምድና መግለጺ ካብ መርበብ-ሓበሬታ ናይ IND ከተውርዶ ትኽእል ኢኻ። ነዚ ክትመልኦን ክታምካ ከተንብረሉን ኣለካ።

IND ኣብ ዳሕራይ ግዜ፣ ናይ ሓዳር ዝምድና ከም ዘለካ ብዝምልከት ነቶም መበቆላውያን ማለት ኦሪጂናል መርትዖታት ክሓትት ምዃኑ ኣስተውዕል።

ኣስተውዕል፡ ካብ ወጻኢ ሃገራት ንዝመጽኡ ወግዓዊ ሰነዳት ኩሉ ግዜ ሕጋዊ ክትገብሮምን፣ ናብ ቋንቋ ኔዘርላንድ፣ እንግሊዝ፣ ፈረንሳ ወይ ጀርመን ከተተርጒሞምን ይግባእ።

ሰነዳት ሕጋዊ ምግባር እንታይ ማለት ምዃኑን፣ እዚ ብኸመይ ክግበር ከም ዘለዎን ኣብዚ ኣንብብ።

ናይ ኣስራሒ መግለጺ እውን ስደድ

ተቖጺርካ ትሰርሕ እንተድኣ ኮይንካ፣ ንስኻን ኣስራሒኻን ናይ ኣስራሒ መግለጺ ክትመልኡ ኣለኩም።  ነዚ እውን ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ናይ IND ክትረኽቦ ትኽእል ኢኻ።

መግለጺ ድሕረ-ባይታ ገበን እውን ክትመልእን ክትሰድድን ኣለካ

መጻምድትኻ ናይ ገበን ታሪኽ ከም ዘይብሉ ከምዚ ዝብል መግለጺ ድሕረ ባይታ ትህብ። እዚ ቅጥዒ እዚ ኣብ መርበብ ሓበሬታ IND እውን ይርከብ እዩ። መጻምድትኻ ክመልኦን ኪፍርሞን ኣለዎ።

መጻምድትኻ ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ ወጻኢ ሃገር መሰረታዊ ናይ ምውህሃድ ፈተና ክ(ት)ሓልፍ ኣለዋ/ዎ

  • ኔዘርላንዳዊ ዲኻ? ስለዚ መጻምድትኻ ኣብ ወጻኢ ሃገር መሰረታዊ ናይ ምውህሃድ ፈተና ክትሓልፍ ኣለዋ። ቅዳሕ ናይቲ ውጽኢት ድማ ምስቲ መመልከቲኻ ኣተሓሒዝካ ክትሰዶ ኣለካ።

  • መንበሪ ፍቓድ ኣለካ ድዩ? ስለዚ መጻምድትኻ ነዚ ፈተና ምውሳድ ኣየድልያን እዩ፣ እንተኾነ ግን ካብ IND ሕድገት ንምርካብ ከተመልክትን፣ ነዚ እውን ምስ መመልከቲኻ ኣተሓሒዝካ ክትሰዶን ኣለካ።

ብዛዕባ መሰረታዊ ፈተናታትን ሕደገታትን ዝያዳ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ናይ IND ኣንብብ።


እዚ ሓበሬታ እዚ ሓጊዙካ' ዶ?


ኣብዚ መድረኽ እትረኽቦ ሓበሬታ ካብ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት VluchtelingenWerk Nederland ዝመጸ ኮይኑ፣ ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር እዩ።
ምስ Contentful ብምትሕብባር