ዳቪድ ን20 ዓመታት ብዘይ መንበሪ ፍቓድ ኣብ ኔዘርላንድ ይነብር ነይሩ። ንዓመታት ብዘይ ቀዋሚ መንበሪ ቦታን ብሒደት ገንዘብን ድሕሪ ምጽናሕ ግን ናብ መበቆል ሃገሩ ጋና ንኽምለስ ወሲኑ። እቲ ዳቪድ ኣብ ኔዘርላንድ ዝሓልሞ ዝነበረ ሕርሻ ድማ ሕጂ ብጋህዲ ኮይኑ ኣሎ። ንሱ ኣብኡ ምስ ሓዉ ብሓባር ይሰርሕን፣ ያምን ባልዶንጓ-ባምባራን ይሓርስን ኣሎ።
ምንጪ፡ Eigen foto familie David
ተመኩሮታት

"ንምምላሰይ ብግቡእ ንኽዳሎው ዕድል ተዋሂቡኒ"

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 15/10/2024 3:18 ድ.ቀ.

ዳቪድ ን20 ዓመታት ብዘይ መንበሪ ፍቓድ ኣብ ኔዘርላንድ ይነብር ነይሩ። ንዓመታት ብዘይ ቀዋሚ መንበሪ ቦታን ብሒደት ገንዘብን ድሕሪ ምጽናሕ ግን ናብ መበቆል ሃገሩ ጋና ንኽምለስ ወሲኑ። "ብዘይ ሓገዝ ናይ ኣከ ነዚ ስጉምቲ ክወስድ ኣይምደፈርኩን።"

ዳቪድ ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ኣብ ኔዘርላንድ ዳርጋ ኩሉ ግዜ ይሓምምን፣ ብዛዕባ ጥዕንኡ ይጭነቕን ነይሩ። ብሰንኪ ሕማሙ ኣብ ኣምስተርዳም መንበሪ ፍቓድ ንዘይብሎም ሰባት ዝዓለመ ፍሉይ ሓገዝ ይረክብ ነበረ። ካብ

ሃገራዊ መደብ መሳለጥያ ወጻእተኛታት (መድብ-LVV)
ድማ መጽለሊ ረኺቡ። ኣብ መወዳእታ ዳቪድ ደጊም ኣበይ ከም ዝድቅስን፣ እንታይ ከም ዝበልዕን ካብ ምጭናቕ ተገላገለ። ብተወሳኺ ንኩነታቱ መፍትሒ ንምርካብ ካብ ኣባል
VluchtelingenWerk Nederland (VWN)
ኣከ ምርሒት ረኺቡ።

"ኣከ ካብ VWN ናይ ባዕለይ ምርጫ ክገብር ከም ዝኽእል ስምዒት ፈጢራትለይ"

ሓደ ካብቲ ንኩነታቱ መፍትሒ ክኸውን ዝኽእል ዝነበረ ኣማራጺ ናብ መበቆል ሃገሩ ምምላስ እዩ ነይሩ። ዳቪድ፡ "ናብ ጋና ንምምላስ ብዛዕባ ዝነበረኒ ምጥርጣር ንኣከ ነጊረያ። ንሳ ድማ ናይ ባዕለይ ምርጫ ክገብር ከም ዝኽእል ስምዒት ፈጢራትለይ። ከምኡ እውን VWN ብኸመይ ክድግፈኒ ይኽእል ከም ዝነበረ ገሊጻትለይ። ኣብ ጋና ኣብ ውድብ ERSO ምስ እትሰርሕ ግሬስ እትበሃል ሰብ እውን ኣራኸበትኒ። ሽዕኡ ኣብ ጋና ከመይ ከም ዝነበረን፣ ብኸመይ ክትሕግዘኒ ከም እትኽእልን ድማ ካብ ግሬስ ሰሚዐ። ሕክምናዊ ኩነታተይ እውን ብጥንቃቐ ተፈቲሹ። ንዓይ ዝኾኑ መድሃኒታትን ሕክምናን ድማ ኣብ ጋና ክርከብ ዝከኣል ኮይኑ ተረኺቡ።"

"ቀስ ብቐስ ኣብ ሓድሽ መጻኢ ክኣምን ጀሚረ"

ዳቪድ ብደገፍ ናይ VWN ናብ ጋና ንምምላሱ ዝኸውን ውጥን ንግዲ እውን ጽሒፉ። ኣብኡ ኣብ መሬት ናይ ኣቦኡ ናይ ሕርሻ ትካል ክጅምር ደለየ። ኣቦኡ፣ ዳቪድ ኣብ ኔዘርላንድ ኣብ ዝነበረሉ እዋን እዩ ሞይቱ። ምምሕዳር ከተማ ኣምስተርዳም ብታሪኹን ብውጥናቱን ተመሲጡ፣ ከምኡ እውን ተወሳኺ ገንዘብ ከም ዝቐርበሉ ገበረ። ዳቪድ፡ "ኣብ ጋና ሓድሽ መጻኢ ከም ዝህልወኒ ክኣምን ጀሚረ።"

"ድሕሪ እዚ ኩሉ ዓመታት ኣብ ጋና ኩሉ ዝተቀየረ ይመስል ነይሩ"

ኣብ መወዳእታኡ ዳቪድ ናብ ጋና ንክምለስ ወሲኑ። "ኣከን ግሬስን ብግቡእ ንኽዳሎው ዕድል ሂበናኒ። ስለዚ ክምለስ ኣብ ዝወሰንክሉ እዋን ቅኑዕ ውሳኔ ከም ዝወሰድኩ ፈሊጠ ነይረ እየ።" ሕጂ ድማ ዳግም ኣብ ጋና ኣብ ጥቓ ኣዲኡ ይነብር ብምህላዉ ሕጉስ እዩ። ዋላ እኳ ክለምዶ ግዜ ዘድልዮ እንተነበረ። "ድሕሪ እዚ ኩሉ ዓመታት ግን ኩሉ ዝተቀየረ ይመስል ነይሩ። ሃንደበት ብነዋሕቲ ህንጻታት መሊኡ ጸኒሑ፣ እቶም ሰባት ድማ ሸጥ ዝበሉ ይመስሉ ነይሮም።"

እቲ ዳቪድ ኣብ ኔዘርላንድ ዝሓልሞ ዝነበረ ሕርሻ ሕጂ ብጋህዲ ኮይኑ ኣሎ። ንሱ ኣብኡ ምስ ሓዉ ብሓባር ይሰርሕን፣ ያምን ባልዶንጓ-ባምባራን ይሓርስን ኣሎ። ሎሚ ዓመት ካሹው እውን ተኺሉ ኣሎ። ዳቪድ፡ "ሕጂ ገና ንኣሽቱ ኣግራብ እዮም ዘለዉ። ኣብ ዝመጽእ ዓመት ናይ መጀመርታ ምህርቲ ክሓፍስ ትጽቢት ይገብር። እዚ ጽቡቕ እንሰሊጡ ድማ ኣብ ድልዱል ባይታ ተበጊሰ ኣለኹ ማለት እዩ።"

ንስኻ እውን ናብ መበቆል ሃገርካ ክትምለስ ትደልይ ዲኻ? ሓገዝ ብኸመይ ክትረክብ ከም እትኽእል ኣብዚ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ፡
ናብ መበቆል ሃገርካ ክትምለስ ትደልይ ምዃንካን ዘይምዃንካን ንስኻ ባዕልኻ ኢኻ እትውስን። ናብ መበቆል ሃገርካ ክትምለስ ምስ እትውስን ድማ ደገፍ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ነዚ ዓንቀጽ ከመይ ረኺብካዮ?