ኣርእስታት

show menu options

TI

ትግርኛ

Tigrinya




  • ጀምር
  • ውሳኔ ቤት-ፍርዲ፡ መዕቆቢ ሓተትቲ ዕቚባ ክመሓየሽ ኣለዎ
ፍራንክ ካንደል ምስ ኣማኻሪ ናይ Vluchtelingenwerk Nederland ኣብ ቤት ፍርዲ

ውሳኔ ቤት-ፍርዲ፡ መዕቆቢ ሓተትቲ ዕቚባ ክመሓየሽ ኣለዎ

ዝተሓትመሉ ኣብ: 20/12/2022 12:24 ድ.ቀ.
ነዚ ዓንቀጽ ኣካፍል

መዕቆቢ ስደተኛታት ዝያዳ ሰብኣዊ ክኸውን ኣለዎ። ቤት-ፍርዲ ከምኡ ኢሉ ወሲኑ ኣሎ። VluchtelingenWerk (VWN) ኣንጻር ማእከላይ ኣካል መቐበሊ ሓተትቲ-ዕቚባ (COA)ን መንግስቲ ኔዘርላንድን ክሲ ኣቕሪቡ። VluchtelingenWerk ከምኡ ዝገበረሉ ምኽንያት ድማ ኣስታት 18,000 ሓተትቲ ዕቚባ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ተዓቚቦም ስለ ዘለዉ እዩ።

ናብ ቤት ፍርዲ ምኻድ

ብመሰረት ጸብጻብ VluchtelingenWerk (VWN)፣ መቐበሊ ማእከላት ናይ ሓተትቲ ዑቕባ ዝሓለፈ ዓመት ብሓቂ ኣዝዩ ሕማቕ እዩ ነይሩ። ዝያዳ ሰባት ዑቕባ ስለ ዝሓተቱ ዘይኮነስ፣ እቶም መቐበሊ ማእከላት ንዓመታት ሕማቕ ውዳበ ስለ ዝነበሮም እዩ። እቲ ኩነታት ዝመሓየሽ ዘሎ እውን ኣይመስልን። ስለዚ VWN ካብ ክሲ ምጅማር ሓሊፉ ካልእ መፍትሒ ክረክብ ኣይከኣለን። እዚ ድማ ኣብ ነሓሰ 2022 ተገይሩ።

ብድሕሪኡ መቐበሊ ማእከላት ሓተትቲ ዑቕባ እኳ ደኣ ዝያዳ ዝገደዱ ኮይኖም። VWN እቶም ሓደስቲ መንግስታዊ ስጉምትታት ነቶም (ናይ ቅልውላው) ህጹጽ መቐበሊ ማእከላት ዝያዳ ዝገደዱ ናብ ምዃን ከም ዘስዕቡ ይኣምን። ስለዚ VWN፣ መንግስቲ ኔዘርላንድ ንሓተትቲ ዑቕባ ዝሓሸ መጽለሊ ክህብ ንኸገድዶ ንቤት-ፍርዲ ሓቲቱ። ብመሰረት VWN እቲ መቐበሊ ማእከል ብመሰረት ኤውሮጳውን ዓለምለኻውን ሕጊ ክኸውን ኣለዎ።

ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ እቲ ቤት ፍርዲ እዚ ዝስዕብ ውሳነ ሂቡ፤

  • ድሕሪ ደጊም ሓተትቲ ዑቕባ ኣብ ጎደናታት ተር ኣፐል ክውድኡ ክፍቀደሎም የብሉን።

  • ካብ Ter Apel ኣብ ውሽጢ 5 መዓልታት ዝስንዮም ዘይብሎም ህጻናት (ትሕቲ 18 ዓመት) ናብ ንህጻናት ዝምችእ መዕቆቢታት ክሰጋገሩ ኣለዎም።

  • ዑቕባ ዝሓቱ ንጥቕዓት ተቓላዕቲ ሰባት ድሕሪ ደጊም ኣብ ናይ ቅልውላው ህጹጽ መዕቆቢ ክቕመጡ የብሎምን። እዚኦም ድማ ህጻናት፣ ነፍሰጾራትን ስንባደ ዘለዎም ስደተኛታትን ይርከብዎም።

  • ኣብ ኩሉ መዕቆቢ ቦታታት ጽሩይ ዝስተ ማይን ጥዕና ዘለዎ መግብን ክህሉ ኣለዎ።

  • ኣብ (ቅልውላው) ህጹጽ መዕቆቢ ዝርከቡ ህጻናት ኣብ ውሽጢ 4 ሰሙን ትምህርቲ ክረኽቡ ኣለዎም። ኣብ ውሽጢ 4 ሰሙን ዝጻወቱሉ ነገራት እውን ክህልዎም ኣለዎ።

  • ኩሎም ዑቕባ ዝሓቱ ሰባት ኣብ ውሽጢ 9 ወርሒ ኣብ መዕቆቢ ቦታ ክወሃቦም ኣለዎ። ብድሕሪኡ ኩሉ ሓታቲ ዑቕባ ሻወር ዝኣትወሉ ጽሩይ መጽለሊ፣ ውዑይን ዝሑልን ማይ ዘለዎ መሕጸቢ ሳእንን ናይ ስራሕ ሽቓቕን ክረክብ ይግባእ። ብተወሳኺ ናሕሲ ዘለዎ መደቀሲ ክፍሊ፣ ኣርባዕተ መንደቕ፣ ክትዓጽዎ እትኽእል ማዕጾን መስኮትን ክወሃቦም ኣለዎ።

ጽቡቕ መጽለሊ ኣገዳሲ እዩ።

ናይ VluchtelingenWerk (VWN) ፕረዚደንት Frank Candel፡ እቲ ብይን "ገና ምኽንያት ዕልልታ ኣይኮነን" ይብል። ውሳነ ቤት ፍርዲ ኣድላዪ ምዃኑ ዘሕዝን ይመስሎ። ጽቡቕ መዕቆቢ ዑቕባ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ ስለዝብል እቲ መዕቆቢ ብመንግስቲ ጽቡቕ ምቁጽጻር ክህልዎ ይግባእ።

"ሓደ ተወሳኺ ሓታቲ ዑቕባ ኣብ ዳስ፡ ጂምናዝየም ወይ ኣዳራሽ ፍጻመታት ክድቅስ ክሳብ ዘይግደድ ሕጉሳት ኣይንኸውንን ኢና" ይብል። "ሓያል ውሳነ ቤት ፍርዲ ነቶም ኣብዚ እዋን ኣብ ጎደናታት ደቂሶም ዘለዉ ሰባት ኣይሕግዞምን እዩ።"

ክሳብ ሕጂ ናይ መወዳእታ ውሳኔ የለን

መንግስቲ ሆላንድ ድሕሪ እቲ ውሳነ ቤት ፍርዲ ይግባይ ኢሉ። እዚ ማለት መንግስቲ ምስቲ ቤት ፍርዲ ዝሃቦ ውሳነ ኣይሰማማዕን ማለት እዩ። ስለዚ ብተመሳሳሊ ጉዳይ ካልእ ናይ ቤት ፍርዲ ክሲ ቀሪቡ ኣሎ። ካልእ ቤት ፍርዲ ድማ ነቲ ጉዳይ ክውስኖ እዩ። 

ድሕሪ እቲ ይግባይ ቤት ፍርዲ እንታይ ከምዝውስን ዛጊት ኣይተፈልጠን። ቤት ፍርዲ ውሳነ ክህብ ከሎ ኣብ RefugeeHelp ብዛዕባኡ ከተንብቡ ትኽእሉ ኢኹም።

እዚ ዓንቀጽ ንዓኻ ሓጋዚ ድዩ?