ኣርእስታት

show menu options
ትግርኛ (Tigrinya)



ኣባላት ስድራ-ቤት ድሕሪ ምጽዳቕ ዳግመ-ምጥርናፍ ብቕጽበት ናብ ኔዘርላንድ ክኣትዉ ይፍቀደሎም

ዝተሓትመሉ ኣብ: 8/2/2023 2:30 ድ.ቀ.

ምጥርናፍ ስድራ-ቤት እንተድኣ ጸዲቑ፣ ድሕሪ ደጊም ኣባላት ስድራ-ቤት ናብ ኔዘርላንድ ንምምጻእ ክጽበዩ የብሎምን። ቤት-ምኽሪ መንግስቲ ረቡዕ ነዚ ውሳኔ ሂቡ።

'ስጉምቲ ድሕረ-ጉዕዞ'

ኣብ ዝሓለፈ ክረምቲ፣ ካቢነ ሚኒስተራት ኔዘርላንድ፣ ኣባላት ስድራ-ቤት ናይ

ወነንቲ መንበሪ ፍቓድ
ዝኾኑ ሰባት ብቕጽበት ናብ ኔዘርላንድ ክመጽኡ ዘይፍቀደሎም ምዃኑ ወሲኑ ነይሩ። ኣባላት ስድራ-ቤት ናብ ኔዘርላንድ ንኽጎዓዙ ፍቓድ ቅድሚ ምርካቦም፣ ኣብ መበቆል ሃገሮም እንተበዝሐ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ክጽበዩ ነይርዎም። እዚ ድማ undefinedስጒምቲ ድሕረ-መገሻundefined ተባሂሉ ይጽዋዕ ነይሩ።

ኣባላት ስድራ-ቤት ዋላ ድሮ ንዓኣቶም ዝኸውን መንበሪ ቤት እውን እንተሃለወ ጥራይ እዮም፣ ኣቐዲሞም ናብ ኔዘርላንድ ክመጽኡ ዝፍቀደሎም ነይሩ።

መንግስቲ ኣብ መቐበሊ ማእከል ስደተኛታት ንዝፍጠር ጽቕጥቕጥ ንምምካት undefinedስጒምቲ ድሕረ-ጉዕዞundefined ሓንጺጹ። ኣብቲ እዋን እቲ ኣብ መቐበሊ ማእከል ሓተትቲ ዑቕባ ዝነበረ ኩነታት ኣዝዩ ሕማቕ ብምንባሩ፣ ሰባት ኣብ ጎደናታት ኣብ ጥቓ ማእከል መመልከቲ ኣብ ተር ኣፐል ለይቲ ምሉእ ይድቅሱ ነይሮም።

ይኹን እምበር፣ እዚ undefinedስጉምቲ ድሕረ-ጉዕዞundefined ዘይፍቀድ ምዃኑ ክኢላታት ሕጊ ኣቐዲሞም ኣጠንቂቖም ነይሮም እዮም። ብሕጊ፣ ድሮ ምጥርናፍ ስድራ-ቤቶም እንተድኣ ተፈቒዱ፣ ኣባላት ስድራ-ቤት ክጽበዩ ክትገብር ኣይትኽእልን ኢኻ። ብመሰረት ሕጊ ኤውሮጳ እውን ኣይፍቀድን እዩ።

ዳኛ ምስ ወነንቲ መንበሪ ፍቓድ ይሰማማዕ

ስለዚ ድማ እዮም ብርክት ዝበሉ ወነንቲ መንበሪ ፍቓድ ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ዓመት ናብ ቤት-ፍርዲ ዝኸዱ። ድሮ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ተፈቐዱ እናሃለወ፣ ኣባላት ስድራ-ቤቶም ንነዊሕ ግዜ ክጽበዩ ኣይደለዩን። ቅኑዓት ምንባሮም ድማ ብሓያሎ ዳያኑ ተረጋጊጹ። ብድሕሪ እዚ ድማ ኣባላት ስድርኦም ናብ ኔዘርላንድ ክመጹ ተፈቒዱሎም።

ምክትል-ሚኒስተር ኤሪክ ቫን ደር ቡርኽ [Eric van der Burg] ናይ ጉዳያት ዑቕባን ፍልሰትን ምስ ውሳኔ ናይ እቶም ዳያኑ ኣይተሰማምዐን። ይግባይ ኢሉ። ይኹን እምበር ሕጂ

ቤት-ምኽሪ መንግስቲ
ናይ ምውህሃድ ስድራ-ቤት ፍቓድ ዘለዎም ሰባት ብቕጽበት ናብ ኔዘርላንድ ክመጹ ከም ዝኽእሉ ወሲኑ።

'ስጉምቲ ድሕረ-ጉዕዞ' ደጊም ኣይፍቀድን እዩ

ስለዚ መንግስቲ ኔዘርላንድ ድሕሪ ደጊም ወነንቲ መንበሪ ፍቓድ ናይ ዝኾኑ ሰባት ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ክድርት ኣይክእልን እዩ። እዚ ንኹሉ ጉዳያት ዝምልከት እዩ፡ ድሮ ዝምስራሕ ናይ ዘሎ ምጥርናፍ ስድራ-ቤትን፣ ከምኡ እውን ንመጻኢ ናይ ዝቐርቡ መመልከቲታትን ንኽልቲኦም።