ኣርእስታት

show menu options

TI

ትግርኛ

Tigrinya




  • Home
  • ናይ 1 ዓመት W-document እናሃለወካ ሕጂ ቤት-ፍርዲ ብዝፈቐዶ ብዘይ ገደብ ክትሰርሕ ትኽእል ኢኻ
መእተዊ ኣብ ኣርንሄም ናይ ዝርከብ ቤተ-መንግስቲ ፍትሒ

ናይ 1 ዓመት W-document እናሃለወካ ሕጂ ቤት-ፍርዲ ብዝፈቐዶ ብዘይ ገደብ ክትሰርሕ ትኽእል ኢኻ

ዝተሓትመሉ ኣብ: 20/4/2023 10:07 ቅ.ቀ.
ነዚ ዓንቀጽ ኣካፍል

ዳኛ ካብ ሕጂ ንደሓር ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ እናተጸበኻ እንከለኻ ዝያዳ ክትሰርሕ ከም እትኽእል ወሲኑ ኣሎ። ቅድሚ ሕጂ ኣብ ኔዘርላንድ 6 ኣዋርሕ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ዓመት 24 ሳምንታት ጥራይ ኢኻ ንኽትሰርሕ ዝፍቀደልካ ነይሩ። እዚ ድማ ናይ 24 ሳምንታት ጠለብ ይበሃል። ሕጂ ቤት-ፍርዲ ነዚ ጠለብ ሰሪዝዎ ኣሎ።

ሓደ ሰብኣይን ኣስራሒኡን ክሲ ኣቕሪቦም

ገና ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓዱ ንምርካብ ዝጽበይ ዘሎ ሰብኣይ ድሕሪ 24 ሳምንታት ስርሑ ክቕጽል ደልዩ። ኣስራሒኡ እውን ነዚ እዩ ዝደልይ ነይሩ። እንተኾነ ግን

ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
Uitvoeringsinstituut Werknemersverzekeringen (UWV)
ሓድሽ
ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
ናይ ስራሕ ፍቓድ (TWV)
ኣይሃበን።

እቲ ሰብኣይ ዳግማይ ክሰርሕ ምእንቲ ክኽእል ካብ UWV ሓድሽ TWV ንኽረክብ ን28 ሳምንታት ክጽበይ ነይርዎ። እቲ ሰብኣይን ኣስራሒኡን ድማ ብዛዕባ እዚ ኣይተሰማምዑን፣ ከምኡ እውን ናብ ቤት-ፍርዲ ኣርንሄም ከይዶም። ካብ ውድብ

ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
Refugee Connect
ድማ ሓገዝ ረኺቦም።

ቤት-ፍርዲ መንበሪ ፍቓድ ንምርካብ ዝጽበይ ነፍስወከፍ ሰብ ንዘይተወሰነ ግዜ ንኽሰርሕ ፈቒዱ

ዳኛ ምስቲ ሰብኣይን ኣስራሒኡን ብምስምማዕ ውሳኔ ሂቡ። ብመሰረት እቲ ዳኛ፣ እቲ ሰብኣይ ክሰርሕ ምእንቲ ክኽእል UWV ሓድሽ ፍቓድ ስራሕ -TWV- ከህብ ኣለዎ። እቲ ሰብኣይ መጀመርታ 28 ሳምንታት ክጽበይ ድማ ኣየድልዮን እዩ።

እቲ ዳኛ፣ እቲ ናይ 24 ሳምንታት ጠለብ ብመሰረት ሕጊ ኤውሮጳ ዘይፍቀድ ምዃኑ ይዛረብ። እቲ ጠለብ፣ ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ንምርካብ ዝጽበዩ ሰባት ንኽሰርሑ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ዝገብር እዩ። ኣብ እዋን መስርሕ ዑቕባ ምስራሕ ኣብ ኔዘርላንድ ንምውህሃድ ጽቡቕ ምዃኑ እውን እቲ ዳኛ ይገልጽ።

UWV ብዛዕባ እቲ ውሳኔ መልሲ ሂቡ ኣሎ

እቲ ቤት-ፍርዲ፣ መንበሪ ፍቓድ ንምርካብ እናተጸበኻ እንከለኻ ንልዕሊ 24 ሳምንታት ክትሰርሕ ከም እትኽእል ኮይኑ ረኺብዎ፣ እንተኾነ ግን UWV ይግባይ ይብል ኣሎ። UWV ብዕለት 16 ግንቦት 2023 ከምኡ ኢሉ ኣሎ። እዚ ማለት ድማ ብመሰረት ቤት-ፍርዲ፣ ሕጂ እውን ገና ልዕሊ 24 ሰዓታት ንኽትሰርሕ ይፍቀደልካ እዩ፣ እንተኾነ ግን UWV ምስዚ ኣይሰማማዕን እዩ፣ ከምኡ እውን ነዚ እንደገና ንኽቕይሮ ክፍትን እዩ።

ንስኻ ንልዕሊ 24 ሳምንታት ክትሰርሕ እንተድኣ ደሊኻ ካብ ኣስራሒኻ ሓገዝ ሕተት

መንበሪ ፍቓድካ ንምርካብ ትጽበይ ዲኻ ዘለኻ፣ ከምኡ እውን ኣብ ዓመት ልዕሊ 24 ሳምንታት ክትሰርሕ ትደልይ ዲኻ? ብመሰረት ዳኛ ከምኡ እውን Refugee Connect ገና መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ኩሎም ሰባት ሕጂ ብዘይ ገደብ ክሰርሑ ይፍቀደሎም እዩ። ይኹን እምበር UWV ንኣስራሒኻ እዚ ገና ዘይፍቀድ ምዃኑ ክነግሮ ይኽእል እዩ። ስለዚ ኣስራሒኻ ንኽሕግዘካ ሕተቶ። ማለት ኣስራሒኻ ሕጂ እውን ገና ንዓኻ ዝኸውን ፍቓድ (TWV) ክህልዎን፣ ነዚ ንዓኻ ከመልክተልካን ኣለዎ።። ብተወሳኺ ኣስራሒኻ ምስ Refugee Connect ርክብ ንኽገብር እውን ክትሓቶ ትኽእል ኢኻ።

እዚ ዓንቀጽ ንዓኻ ሓጋዚ ድዩ?