ኣርእስታት

show menu options

TI

ትግርኛ

Tigrinya




  • ጀምር
  • መዓልቲ ዝኽሪ፡ ኣብ ዕለት 4 ግንቦት ንግዳያት ኲናት ምዝካር
ንጉስን ንግስትን ናይ ኔዘርላንድ ኣብ ኣምስተርዳም ኣብ ዝርከብ ዳም -Dam- ኣኽሊል ዕምባባ የንብሩ።
ምንጪ፡ Marco De Swart

መዓልቲ ዝኽሪ፡ ኣብ ዕለት 4 ግንቦት ንግዳያት ኲናት ምዝካር

ዝተሓትመሉ ኣብ: 28/4/2023 10:43 ቅ.ቀ.
ነዚ ዓንቀጽ ኣካፍል

ነፍስወከፍ ዓመት ዕለት 4 ግንቦት ኔዘርላንድ ን2ይ ኲናት ዓለም ሓዊሱ ንግዳያት ኲናት ትዝክር። እዚ ድማ ሃገራዊ መዓልቲ ዝኽሪ ይበሃል። ኣብዚ ዓንቀጽ እዚ መዓልቲ ዝኽሪ እንታይ ማለት ምዃኑን እንታይ ከም እተስተብህልን ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

2ይ ኲናት ዓለም ኣብ ኔዘርላንድ

ኣብ እዋን 2ይ ኲናት ዓለም ኔዘርላንድ ኣብ መንጎ 1940ን 1945ን ብጀርመን ተታሒዛ ነይራ። ኣብቲ እዋን እቲ ልዕሊ 100,000 ኔዘርላንዳውያን ኣይሁድ ብጀርመናውያን ጎበጥትን ኔዘላንዳውያን ተሓባበርቶምን ተኣሲሮም ከምኡ እውን ተቐቲሎም። ብዘይካ ኣይሁድ ካልኦት ውሑዳን ጉጅለታት እውን ተኣሲሮምን ተቐቲሎም እዮም።

ኣንጻር ጀርመናውያን ተቓውሞታት ምግባር ከቢድ መቕጻዕቲ ዘስዕብ እዩ ነይሩ። ጀርመናውያን ጎበጥቲ ወይ ኔዘላንዳውያን ተሓባበርቶም ሓደ ሰብ ኣብ ተቓውሞ ይነጥፍ ከምዘሎ እንተድኣ ፈሊጦም መብዛሕትኡ ግዜ ሰባት ይእሰሩ፣ ይሳቐዩ ወይ ይቕተሉ ነይሮም።

ብዕለት 5 ግንቦት 1945 እቲ ጎበጣ ኣብቒዑ። ካብ ፈተውቲ ሃገራት ዝመጹ ወተሃደራት ንኔዘርላንድ ድሕሪ ምሕጋዞም ድማ ጀርመን ኢዳ ሂባ። ስለዚ ኢና ድማ ነፍስወከፍ ዓመት መዓልቲ ሓርነት ኣብ ዕለት 5 ግንቦት ነብዕል።

መዓልቲ ዝኽሪ

ምሸት 4 ግንቦት ነፍስወከፍ ኣብ ኔዘርላንድ ዝርከብ ሰብ ሰዓት 20፡00 ንግዳያት ኲናት ንምዝካር ን2 ደቓይቕ ስቕታ ክገብር እዩ።  ኣብተን 2 ደቓይቕ ድማ ነቶም ኣብ እዋን ኲናት ዝተቐትሉ ኣይሁድ ኔዘርላንዳውያንን ካልኦትን ንዝክር።

እቲ ስቕታ፣ ነቶም ንናጽነት ኔዘርላንድ ዝተቓለሱ ሰባት ኣኽብሮት ንምርኣይ እውን እዩ። ከምኡ ድማ ብዛዕባ እቶም ገና ሕጂ እውን ኣብ ኲናትን ዓመጽን ዝከላበቱ ዘለዉ ሰባት ንምሕሳብ።

ሃገራዊ ዝኽሪ ኣብ ኣምስተርዳም

ኣብ ኣምስተርዳም ዝካየድ ሃገራዊ ዝኽሪ ኣብ ኔዘርላንድ እቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ናይ ዝኽሪ ፍጻመ እዩ። ንጉሳዊ ስድራ-ቤት ኣብቲ ኣብ ዳም -Dam- ዝርከብ ሓወልቲ ኲናት ኣኽሊል ዕንባባታት የንብሩ። ንጉስ ድማ መደረ ይገብር።

ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
NOS
ነዚ ብቐጥታ ኣብ ተሌቪዥን፣ ብመስመር NPO1 የመሓላልፎ እዩ። ብኸምዚ መንገዲ ድማ ነፍስወከፍ ሰብ ነቲ ዝኽሪ ኣብ ገዝኡ ክከታተሎ ይኽእል።

ናይ ስቕታ ሰልፍታትን ናይ ዝኽሪ ምርኢታትን

ሓያሎ ከተማታትን ገጠራትን ናይ ዝኽሪ መደባት የዳልዋ እየን። ኣብዚ እውን ሰባት ኣብ ሓወልቲታት ኲናት ኣኽሊል ዕንባባታት የንብሩ። ኣብ ብዙሕ ቦታታት ድማ ሰባት ኣብ ናይ ስቕታ ሰልፊታት ይሳተፉ። ብተወሳኺ ንግዳያት ኲናት ክብሪ ንምሃብ ኣብ መላእ ሃገር ኣስተምህሮታትን ናይ ዝኽሪ ምርኢታትን ይዳለዉ።

ኣብ ጎደና ናይ መዓልቲ ዝኽሪ ነዚ ዝስዕብ ከተስተብህል ኢኻ፡

  • ሰባት ንባንዴራ ኔዘርላንድ ኣብ ገዝኦም ኣብ ፍርቂ ዓንዲ ይሰቕልዋ። ባንዴራ ኣብ ፍርቂ ዓንዲ ምስቓል ኣብ ሓዘን ከም ዘለኻ ዘርእይ እዩ። ኣብ ዕለት 5 ግንቦት ድማ መዓልቲ ሓርነት ንምጽምባል ሰባት ነታ ባንዴራ ብንቡር ይሰቕልዋ።

  • ዳርጋ ኣብ ኩሉ ህዝባዊ ቦታታት ሰዓት 20፡00 ስቕታ ኣሎ። ነፍስወከፍ ሰብ ስቕታ ክገብርን፣ ኣብ መኪና ይኹን ብሽክለታ ዘይምዝዋርን ኣገዳሲ እዩ። ኣብ ህዝባዊ መጓዓዝያ እውን መራሕቲ መካይን ኣውቶቡሳቶም ኣብ ወሰን ጽርግያ ደው የብሉ። ኣብ ኣብያተ-መግብታትን ካፈታትን ድማ ሰራሕተኛታት መብዛሕትኡ ግዜ ሰዓት 20፡00 ምስ ቀረበ ናይ 2 ደቓይቕ ስቕታ ዝግበረሉ ግዜ ምዃኑ ይነግሩ።

እዚ ዓንቀጽ ንዓኻ ሓጋዚ ድዩ?