ኣርእስታት

show menu options

TI

ትግርኛ

Tigrinya




  • Home
  • ኔዘርላንድ ኣብዚ እዋን ናብ ጣልያን ክትመልሰካ ኣይፍቀደላን እዩ
ኣብ ኢጣልያ ዝርከብ መዕቆቢ ስደተኛታት
ምንጪ፡ (Wikimedia Commons)

ኔዘርላንድ ኣብዚ እዋን ናብ ጣልያን ክትመልሰካ ኣይፍቀደላን እዩ

ዝተሓትመሉ ኣብ: 4/5/2023 10:25 ቅ.ቀ.
ነዚ ዓንቀጽ ኣካፍል

ኔዘርላንድ፣ ብመንገዲ ጣልያን ኣቢሎም ናብ ኔዘርላንድ ንዝሃደሙ ሰባት ናብ ጣልያን ንኽትመልሶም ንግዚኡ ኣይፍቀደላን እዩ። ዋላ ድሮ ኣቀዲሞም ኣብ ጣልያን ተመዝጊቦም ዘለዉ እንተኾኑ እውን ኣይፍቀደላን። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ ኣብ ጣልያን መዕቆቢ ቦታታት ስለዘየለ እዩ።

ጣልያን መሰረታዊ ድሌታት ዘይተማልእ ምዃና ኣዝዩ ዓቢይ ስግኣት ኣሎ

ኣብ ኔዘርላንድ ዝለዓለ ምምሕዳራዊ ቤት-ፍርዲ ዝኾነ

ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
ቤት-ምኽሪ መንግስቲ
ነዚ ኣብ ሚያዝያ 2023 ወሲኑ ኣሎ። ብመሰረት እቲ ዳኛ ጣልያን መሰረታዊ ድሌታት ናይቶም ኣብ መዕቆቢ ዘለዉ ሰባት ከተማልእ ዘይትኽእል ምዃና ኣዝዩ ዓብይ ስግኣት ኣሎ።

እዚ ድማ ከም መጽለሊ፣ መግብን ማይን ንዝኣመሰሉ ድሌታት ዝምልከት እዩ። እዚ ምስ ሕጊ ናይ ኤውሮጳ ዝጻረር ስለዝኾነ ድሕሪ ደጊም ኔዘርላንድ ኩነታት ጣልያን ብግቡእ ጽቡቕ ክሳብ ዝኸውን ንሓተትቲ ዑቕባ ናብ ጣልያን ክትመልስ ኣይፍቀደላን እዩ።

ጣልያን ካልኦት ሃገራት ናብኣ ሰባት ከይመልሳ ትሓትት

እታ ቀዳመይቲ ከም ስደተኛ ዝተመዝገብካላ ሃገር ንዘመልከትካዮ ዑቕባ ብዝምልከት ተሓታቲት ምዃና ኣብ ውሽጢ ኤውሮጳ ስምምዕ ተገይሩሉ እዩ። እዚ ስምምዕ ድማ

ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
'ደንቢ ዱብሊን'
ይበሃል።

ኣብ ኔዘርላንድ ዑቕባ ንምርካብ ምስ እተመልክት፣ ፖሊስ ኣብ ካልእ ኤውሮጳዊት ሃገር ድሮ ተመዝጊብካ ዘለኻ እንተኾንካ ይምርምር። ከምኡ ድዩ? ስለዚ

ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
ቤት-ጽሕፈት ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND)
ንዓኻ ናብታ ካልእ ሃገር ንምስግጋር ሕቶ ከቕርብ እዩ።

እዚ ንጣልያን እውን ኣጋጢምዋ እዩ። ኣብ ታሕሳስ 2022 ግን ጣልያን ንኹለን ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ዋላ እኳ ደንቢ ዱብሊን እንተሃለወ ሰባት ናብኣ ንኸይመልሳ ሓቲታ። ምኽንያቱ ኣብ ጣልያን እኹል መዕቆቢ ቦታታት ስለዘየለ እዩ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ ጣልያን መብዛሕትኡ ግዜ ናብ ኤውሮጳ ዝሃድሙ ሰባት ዝመጽእዋ ቀዳመይቲ ሃገር ስለዝኾነት እዩ።

IND ናብ ጣልያን ንኽመልሰካ ኣይፍቀደሉን እዩ

ዳኛ፣ IND 2 ሰብኡት ንዘመልከትዎ ዑቕባ ንምምስራሕ ድሕሪ ምእባዩ ሰባት ናብ ኢጣልያ ክለኣኹ ከምዘይብሎም ወሲኑ። IND፣ እቶም ሰብኡት ድሮ ኣብ ኢጣልያ ዝተመዝገቡ ስለዝኾኑ ጣልያን ተሓታቲት ምዃና እዩ ረኺብዎ ነይሩ።

ኔዘርላንድ ንዘመልከትካዮ ዑቕባ ምናልባት ዘይተመስርሖ ክትከውን ትኽእል እያ

ኣብ ኔዘርላንድ ዑቕባ ንምርካብ ኣመልኪትካ ዲኻ፣ ግን ድማ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ኢጣልያ ተመዝጊብካ ዲኻ? እቲ ቤት-ፍርዲ ዝሃቦ ውሳኔ፣ ኔዘርላንድ ንዘመልከትካዮ ዑቕባ ኣውቶማቲክ ከተመስርሖ እያ ማለት ኣይኮነን። IND ሕጂ እውን ናይ ዑቕባ ሕቶታት ሓላፍነት ንኽትቕበል ንጣልያን ይሓትት ኣሎ።

ጣልያን ነቲ መመልከቲ ድሕሪ ምቕባላ፣ ኔዘርላንድ ናብ ጣልያን ንኽትመልሰካ ገና 6 ኣዋርሕ ኣለዋ። ኣብ ውሽጢ እቲ ግዜ ኣብ ጣልያን ዘሎ መዕቆቢ እንተድኣ ተመሓይሹ ድማ ኣብ ውሽጢ 6 ኣዋርሕ ገና ናብ ኢጣልያ ክትለኣኽ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ውሽጢ እቲ ግዜ እቲ መዕቆቢ ኣይተመሓየሸን ድዩ? ሽዕኡ ጥራይ እያ ኔዘርላንድ ንመመልከቲኻ ሓላፍነት እትወስድ።

እዚ ዓንቀጽ ንዓኻ ሓጋዚ ድዩ?