
ምንጪ፡ Ron Maijen - WikiMedia
ንትምህርቲ MBO ዝኸውን ናይ ትምህርቲ ክፍሊት ምኽፋል ዘየድልየካ ክትከውን ትኽእል ኢኻ
ነዚ ዓንቀጽ ኣካፍል
ናይ MBO ትምህርቲ ዲኻ ክትከታተል? ከምኡ ምስ ዝኸውን ኣብ ትሕቲ መምርሒ ግዝያዊ ሓለዋ ትምደብ እንተድኣ ኮይንካ፣ ናይ ትምህርቲ ክፍሊት ምኽፋል ዘየድልየካ ክትከውን ትኽእል ኢኻ። ወይ ድማ ዑቕባ ንምርካብ ኣመልኪትካ ዘለኻ፣ ግን ድማ ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ዘይብልካ ምስ እትኸውን። ነዚ ብዝምልከት ባዕልኻ ናብ ፈጻሚ ኣገልሎት ትምህርቲ (DUO) መመልከቲ ከተቕርብ ትኽእል ኢኻ። ነዚ ቅድሚ 31 ሓምለ 2023 ግበሮ።
ነዚኦም ቅድመ-ኩነታት ከተማልእ ኣለካ
ነዚ ደንቢ እዚ ብቑዕ ንምዃን ነዞም ዝስዕቡ ኣርባዕተ ቅድመ-ኩነታት ከተማልእ ኣለካ፡
ናይ ኔዘርላንድ ዜግነት ስለዘይብልካ፣ ንወጻኢታት ትምህርትኻ ዝኸውን ናይ ተማሃሮ ፋይናንሳዊ ድጎማ ወይ ካልእ ዝኾነ ኣበል ናይ ምርካብ መሰል የብልካን።
ነቲ ናይ ትምህርቲ ክፍሊት ንኽትከፍል ዓቕሚ የብልካን፣ ወይ ንዓኻ ዝኸፍለልካ ውድብ የለን።
ኣብ ዕለት 1 ነሓሰ ኣብ መጀመርታ ናይ ዓመተ-ትምህርቲ፣ ዕድሜኻ 18 ዓመት ወይ ልዕሊኡ ግን ድማ ትሕቲ 31 ዓመት እዩ።
ካብዞም ዝስዕቡ ኩነታት ሓደ ንዓኻ ይምልከተካ እዩ፡
W-document ወይ W2-document ኣለካ። ነዚ ኣብ ጎኒ እቲ ኣብ ወረቐት መንነትካ ዘሎ ስእሊ ብፊደል W ወይ W2 ክትሪእዮ ትኽእል ኢኻ።
ንገዛእ-ርእስኻ ወይ ንኣባል ስድራ-ቤትካ ሕክምና ዝኸውን ዓይነት I-document ኣለካ።
ንኹሎም ሕጋዊ ተኽእሎታት ጸንቂቕካ ኣብ መስርሕ ምምላስ ትርከብ ኢኻ።
ንኹሎም ሕጋዊ ተኽእሎታት ጸንቂቕካ ኢኻ፣ ከምኡ እውን ብመሰረት COA ንኣብነት ብሰንኪ ሕማም ክትምለስ ኣይትኽእልን ኢኻ።
ንኹሎም ሕጋዊ ተኽእሎታት ጸንቂቕካን፣ ከምኡ እውን ኣብ ናይ ስድራ-ቤት ቦታ ትነብርን ኣለኻ።
ኣብ ትሕቲ መምርሒ ግዝያዊ ሓለዋ ኢኻ እትምደብ።
ኣስተውዕል፡ ነቲ ናይ ትምህርቲ ክፍሊት ድሮ ከፊልካዮ እንተድኣ ኮይንካ ክምለሰልካ ኣይክእልን እዩ።
ነዚ ደንቢ ኣብ ጥቕሚ ንኸተውዕሎ ምእንቲ፣ ቅጥዒ መሊእካ ቅድሚ 31 ሓምለ 2023 ናብ DUO ክትሰዶ ኣለካ።
መበል 30 ዓመት ድሕሪ ምምላእካ ናይ ትምህርቲ ክፍሊት ምኽፋል
ድሮ 30 ዓመት መሊእካ ዲኻ? ከምኡ ምስ ዝኸውን ምናልባት ገና ናይ ትምህርቲ ክፍሊት ንኽትከፍል ዘየድልየካ ክትከውን ትኽእል ኢኻ። ንቅድመ-ኩነታት 1፣ 2ን 4ን ተማልእ ምስ እትኸውን፣ 30 ዓመት ድሕሪ ምምላእካ ገና ናይ ትምህርቲ ክፍሊት ክትከፍል ከምዘይብልካ ናብ DUO ከተመልክት ትኽእል ኢኻ። ኣብ ትምህርትኻ እውን ብቐጻሊ ተመዝጊብካ ዝጸናሕካ ክትከውን ኣለካ። ኣብ መንጎ ደው ኣቢልካ ዝጸናሕካ፣ ከምኡ እውን መሊስካ ትምህርትኻ ዝጀመርካ ክትከውን የብልካን።
30 ዓመት ድሕሪ ምምላእካ ነፍስወከፍ ዓመት ክፍሊት ትምህርቲ ንኸይትኸፍል ሕቶ ከተቕርብ ኣለካ። ስለዚ ድማ ነቶም ንኸይትኸፍል ዘለዉ ቅድመ-ኩነታት ከም እተማልእ ነፍስወከፍ ዓመት ከም ብሓድሽ ብመረጋገጺ ከተርእይ ኣለካ።