እቲ ሓድሽ ፖለቲካዊ ስምምዕ ንኣቦ-መንበር ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ይወሃብ።
ምንጪ፡ screenshot livestream NOS
ዜና

ጽኑዓት ውጥናት ፖሊሲ ዑቕባ ኔዘርላንድ ዝሓቖፈ ሓድሽ ፖለቲካዊ ስምምዕ

ዝተሓትመሉ ኣብ: 17/5/2024 12:00 ቅ.ቀ.

4 ፖለቲካውያን ሰልፊታት ንኔዘርላንድ ብኸመይ ከመሓድራ ከም ዝደልያ ብዝምልከት ሓፈሻዊ ስምምዓት ገይረን ኣለዋ። ድሕሪ ዳርጋ 6 ኣዋርሕ ዝወሰደ ምይይጥ ሕጂ ስምምዕ ገይረን ኣለዋ። ኣዝዩ ጽኑዕ ፖሊሲ ዑቕባ ኣብ ኔዘርላንድ 1 ካብቶም ኣገደስቲ ውጥናት እዩ። እዚ እንታይ ማለት ምዃኑ ኣብዚ ዓንቀጽ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ኣብ ሕዳር 2023 ምርጫ ካብ ዝካየድ ጀሚረን ፖለቲካዊ ሰልፊታት PVV፣ VVD፣ NSC ከምኡ እውን BBB ብሓባር ንኔዘርላንድ ከመሓድራ ዝኽእላ እንተኾና ንምርኣይ ምስ ነንሓድሕደን ክመያየጣ ጸኒሐን እየን። ሕጂ ምስ ነንሓድሕደን ሓፈሻዊ ስምምዓት ዝሓቖፈ ስምምዕ ገይረን ኣለዋ። እዚ ማለት ድማ እቶም ስምምዓት ገና ብዝርዝር ኣይተጻፈፉን ኣለዉ ማለት እዩ።

ካብ ሕጂ ንደሓር ፖለቲካዊ መስርሕ ብኸምዚ እዩ ዝሰርሕ

እዚ ሓድሽ ስምምዕ ማለት ድማ እተን 4 ሰልፊታት ብሓባር መንግስቲ ክምስርታ እየን፣ ከምኡ እውን ብዛዕባ ከትግበሩ ዝደልይኦም ኣገደስቲ ውጥናት ስምምዓት ገይረን ኣለዋ ማለት እዩ። ሕጂ እዘን 4 ሰልፊታት ከም ሚኒስተራትን ቀዳማይ ሚኒስተርን ዝኣመሰኡ ነቲ መንግስቲ ብሓባር ዝመርሑ ሰባት ኣብ ምድላይ ይርከባ።

ኩሎም ሚኒስተራትን ቀዳማይ ሚኒስተርን ምስተረኽቡ፣ ብሓባር ንኽመያየጡ ኮፍ ክብሉ እዮም። እቶም ሓደስቲ ሕግታትን ውጥናትን ኣብዚ ምይይጥ ዝያዳ ብልክዕ ክውሰኑ እዮም። እቶም ሚኒስተራት ብዛዕባ እዞም ውጥናት እንተድኣ ተሰማሚዖም፣ ወግዓዊን ደምዳሚን ስምምዕ ልፍንቲ ክፍርሙ እዮም። ብድሕሪኡ እቶም ሚኒስተራት ናብ ንጉስ ይኸዱ፣ ከምኡ እውን ብወግዒ መንግስቲ ኔዘርላንድ ይኾኑ።

ካብ ሽዕኡ ንደሓር ኔዘርላንድ ከም ብሓድሽ ወግዓዊ መንግስቲ ክህልዋ እዩ፣ ከምኡ እውን ሓደስቲ ውጥናት ከተግብሩ ይኽእሉ። ኣብተን ሚኒስትሪታት ዝርከቡ ሰብ-መዚ ነቶም ውጥናት ከተግብርዎም ዝኽእሉ እንተኾኑን ብኸመይን ክርእዩ እዮም። እዚ መስርሕ ነዊሕ ግዜ ክወስድ ይኽእል እዩ።

እተን ሰልፊታት ኣብ መዳይ ዑቕባ እዚ እየን ዝደልያ

እዚ ሕጂ ተገይሩ ዘሎ ስምምዕ ብዙሓት ንዑቕባ ዝምልከቱ ሓደስቲ ስምምዓት ዝሓዘ እዩ። እተን 4 ሰልፊታት ኣብ ኔዘርላንድ ፖሊሲ ዑቕባ ዝያዳ ጽኑዕ ከምዝኸውን ንምግባር ድሮ ዕላማ ዘለወን እየን። ኔዘርላንድ ብብዝሒ ስደተኛታት ትቕበል ከምዘላ ስለዝኣምና ድማ ናብ ኔዘርላንድ ዝመጽኡ ሓተትቲ ዑቕባ ክውሕዱ እየን ዝደልያ። ስለዚ ድማ "ተራእዩ ዘይፈልጥ ዝጸንዐ ፖሊሲ ቅበላ ዑቕባ"

ከተኣታትዋ ይደልያ። ንኻልእ ነገራት ሓዊሱ ነዚ ዝስዕብ ይልደያ፡

  • ቅልውላው ዑቕባ ምእዋጅን ናይ ቅልውላው ዑቕባ ግዝያዊ ሕጊ ምፍጣርን። በዚ ድማ ኔዘርላንድ ን2 ዓመት ናይ ዑቕባ መመልከቲ ንኸተመስርሕ ዘይትግደድ ንኽትከውን ከረጋግጻ ይደልያ።

  • ቀዋሚ ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ናይ ምርካብ ተኽእሎ ንምስራዝ።

  • ሰባት ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ድሕሪ ምርካቦም ድሕሪ 10 ዓመት ጥራይ ናይ ኔዘርላንድ ዜግነት ንክረኽቡ ተኽእሎ ክህልዎም። ነዚ ድማ እንተወሓደ

    ብደረጃ-B1
    ቋንቋ ኔዘርላንድ ክዛረቡ ዝኽእሉ ክኾኑ ኣለዎም። ኣብዚ ሕጂ እዋን ሰባት ድሕሪ 5 ዓመት ዜጋታት ኔዘርላንድ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም።

  • ዑቕባ ዝሓተቱ ሰባት ድሕሪ ደጊም ዘመልከትዎ ዑቕባ ምስ ዝንጸግ ናብ ላዕለዋይ ቤት-ፍርዲ ከምዘይከዱ። ኮይኑ ግን ሓተትቲ ዑቕባ ገና ናብ ታሕተዋይ ቤት-ፍርዲ ክሲ ከቕርቡ ይኽእሉ እዮም። 

  • ዑቕባ ዝሓቱ ሰባት ኣብ እዋን መስርሕ ዑቕባ ዝወሓደ ሕጋዊ ሓገዝ ከም ዝረኽቡ። 

  • ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ዓይነታት መንበሪ ፍቓድ ዘለዎም ሰባት እንደገና ፍልልይ ንኽግበር፡

    ባይታ-A
    ከምኡ እውን
    ባይታ-B
    ። እዚ ድማ ኣብቲ ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ዘለዎም ሰባት ዘለዎም መሰላት ፍልልይ ዝፈጥር እዩ። ንኣብነት ብመሰረት ባይታ-B መንበሪ ፍቓድ ዘለዎም ሰባት ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ንኸመልክቱ ዝያዳ ይጽገሙ።

  • ካብ ዩክሬን ንዝመጹ ስደተኛታት ንምቕባል ዝግበር ውልቃዊ ኣበርክቶ ምውሳኽ።

  • መሰል መንበሪ ዘይብሎም ሰባት ካብ ኔዘርላንድ ክስጎጉ ከም ዝኽእሉ።

ሰልፊታት ንመዕቆቢ ስደተኛታት ንምምሕያሽ ዝዓለመ ሓድሽ ሕጊ ተመሊሰን ክስርዝኦ ይደልያ

ብተወሳኺ እተን ሰልፊታት መዕቆቢ ንምምሕያሽ ብዝምልከት ንዝተገብረ ሓድሽ ሕጊ ተመሊሰን ክስርዝኦ እውን ይደልያ እየን። እዚ ሕጊ እዚ 'ሕጊ ምምቕራሕ' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኮይኑ፣ ቅድሚ ቀረባ እዋን ብዕለት 23 ጥሪ 2024 ዝጸደቐ እዩ። እዚ ሕጊ፣ ኩሎም ዑቕባ ዝሓትቱ ሰባት ኣብ መላእ ምምሕዳር ከተማታት ኔዘርላንድ ብፍትሓዊ ኣገባብ ክመቓርሑን፣ ኩሎም መዕቆቢ ቦታ ክረኽቡን ዘረጋግጽ እዩ።

ኣብዚ ሓድሽ ስምምዕ ናይተን 4 ሰልፊታት፣ ነዚ ሕጊ ከም ዘይደልይኦ ተጠቒሱ ኣሎ። የግዳስ እተን ሰልፊታት ኣብ ክንድኡ መን ኣብ ኔዘርላንድ መዕቆቢ ክረክብ ዝኽእል ምዃኑን ዘይምዃኑን ክመርጻ እየን ዝደልያ። ዑቕባ ንዝሓቱ ሰባት ዝኸውን መዕቆቢ ዝያዳ ጽኑዕ ክኸውን እውን ይደልያ እየን።

ኣብ ኔዘርላንድ ንዝሓሸ መዕቆቢ ስደተኛታት ዝጸደቐ ሓድሽ ሕጊ
ኣብዚ ናይ 24 ጥሪ 2024 ዓንቀጽ ዜና ኩሉ ብዛዕባ እቲ ኣብ ኔዘርላንድ መዕቆቢ ስደተኛታት ንምምሕያሽ ዝጸደቐ ሓድሽ ሕጊ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ዘሎ ሕቶ እቶም ውጥናት ክትግበሩ ዝከኣል ምዃኑን ዘይምዃኑን እዩ

እቶም ውጥናት ኣብ ኔዘርላንድ ብሓቂ እንታይ ትርጉም ክህልዎም ከም ዝኽእል ሕጂ እውን ገና ብዙሕ ዘይንጹርነት ኣሎ። እቲ ዘሎ ሕቶ ኣብ ግብሪ ክውዕሉ ይኽእሉ ድዮም ኣይክእሉን ዝብል እዩ። ኩሎም እዞም ውጥናት ብመሰረት ሕጊ ኔዘርላንድ፣ ሕጊ ኤውሮጳ ወይ ኣህጉራዊ ውዕላት ፍቚዳት ድዮም ኣይኮኑን ዝብል እውን።

ብመሰረት ጠበቓታት ዑቕባ፣ ብዙሓት ውጥናት ብዝኾነ ምስ ሕጊ ኔዘርላንድ ዝጻረሩ እዮም

። እዚ ማሕበር ጠበቓታት ዑቕባን ሰብ-ሞያ ሕጊን ኔዘርላንድ ን
NOS
ዝተዛረቦ እዩ። ንኣብነት ኔዘርላንድ ድሕሪ ደጊም ንግዚኡ ናይ ዑቕባ መመልከቲታት ንኸተመስርሕ ምእንቲ ከይትግደድ ቅልውላው ዑቕባ ምእዋጅ ምናልባት ብዳኛ ቤት-ፍርዲ ዘይፍቀድ ክኸውን ይኽእል እዩ። ብመሰረት እቶም ጠበቓታት፣ መዕቆቢ ስደተኛታት ዝያዳ ጽኑዕ ምግባር እውን ብሰንኪ ዘለዉ ሕግታት ዘይከኣል ክኸውን ይኽእል እዩ።


ነዚ ዓንቀጽ ከመይ ረኺብካዮ?