እዚ ሓያሎ ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ዝቕበልዎ ዘለዉ ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ፣ ንመነባብሮ ዝኸውን ተወሳኺ ገንዘብ ካብ INDን VWNን ክረኽቡ ከም ዝኽእሉ ዝሕብር እዩ። ነዚ ገንዘብ ንምርካብ ድማ ቅጥዒ ክመልኡን ናይ ክረዲት ካርዶም ወይ ናይ ባንክ ሓበሬታኦም ክህቡ ከም ዘለዎም ይሕብር። እቲ መልእኽቲ ሓቂ ኣይኮነን። እዚ ምትላል እዩ።
ምንጪ፡ Tekstbericht dat verstuurd is naar de mobiele telefoon van een vluchteling
ዜና

ብዛዕባ IND ብመንገዲ ተሌፎን ናይ ሓሶት መልእኽትታት ይዝርጋሕ ኣሎ

ዝተሓትመሉ ኣብ: 11/6/2024 12:00 ቅ.ቀ.

ብዙሓት ስደተኛታት ካብ ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND)፣ ከምኡ እውን ካብ VluchtelingenWerk Nederland (VWN) ተወሳኺ ገንዘብ ክትረክብ ከም እትኽእል ዘምስል ናይ ሓሶት መልእኽትታት ብተሌፎናቶም ይቕበሉ ኣለዉ። እዚኦም መልእኽትታት ሓቂ ኣይኮኑን።

ተወሳኺ ገንዘብ ክትረክብ ኣይትኽእልን ኢኻ

እዞም መልእኽትታት፣ ቅጥዒ ክትመልእ ከምዘለካን ብድሕሪኡ ተወሳኺ ገንዘብ ክትረክብ ከም እትኽእልን ዝሕብሩ እዮም። እዚ ናይ ሓሶት ሓበሬታ እዩ። ነቲ ቅጥዒ ኣይትመልኣዮ። ነቲ መልእኽቲ ኣጥፍኣዮ፣ ነቲ ለኣኺ ድማ ዕገቶ። ነቲ ቅጥዒ ምስ እትመልእ ምትላል ከጋጥመካ እዩ። ሽዕኡ እቶም ኣታለልቲ ካብ ናይ ባንክ ሕሳብካ ገንዘብ ከውጽኡ ክፍትኑ እዮም። እዚ ድማ ፊሽንግ 'phishing' ይበሃል።

ብዛዕባ IND ዝዝርግሑ ዘለዉ ናይ ሓሶት መልእኽትታት ከምዚ ይመስሉ።

IND ወይ VWN ናይ ባንክ ሓበሬታኻ ብተሌፎንካ ንኽትህብ ፈጺሙ ኣይሓትትን እዩ

እዚ መልእኽቲ ናይ ሓሶት ምዃኑ ብኸመይ ክትፈልጥ ትኽእል?

ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND)
ወይ
VluchtelingenWerk Nederland (VWN)
ዝኽፈል ሕሳብ ፈጺሙ ብኢንተርነት ኣይሰደልካን እዩ፣ ወይ ናይ ባንክ ሓበሬታኻ ከተካፍል ኣይሓተካን እዩ። ዝኾነ ናይ ኔዘርላንድ ወድብ እውን ብዋትስኣፕ፣ ብኢ-መይል ወይ ብመልእኽቲ SMS ናይ ባንክ ሓበሬታኻ ንኽትህብ ፈጺሙ ኣይሓተካን እዩ። ከምዚ ምስ ዘጋጥመካ፣ እዚ ምናልባት ናይ ሓሶት መልእኽቲ እዩ ክኸውን ዝኽእል።

ነቲ ቅጥዒ ብወዝቢ እንተድኣ መሊእካዮ እንታይ ክትገብር ኣለካ?

ካብዞም ናይ ሓሶት መልእኽትታት ሓደ መጺኡካ ድዩ? ከምኡ እውን ብወዝቢ ነቲ ቅጥዒ ብምምላእ ናይ ባንክ ወይ ናይ ክረዲት ካርድኻ ሓበሬታ ሂብካ ዲኻ? ስለዚ ናብ ሰደቓ ሓበሬታ ናይ

ማእከላይ ኣካል መቐበሊ ሓተትቲ ዑቕባ (COA)
ኪድ። ምትላል እንተድኣ ኣጋጢሙካ ድማ ምናልባት ናይ Yoursafe ኣካውንትኻ ክትዓግቶ ወይ ክትቅይሮ ከድልየካ ይኽእል እዩ። ነቲ ዘጋጠመካ ምትላል ናብ ሰደቓ ሓገዝ ምትላል
ክትሕብርን፣ ናብ ፖሊስ ጥርዓን ከተቕርብን እውን ትኽእል ኢኻ።

ኣብ መዕቆቢ ናይ COA ዘይኮነስ፣ ርእስኻ ክኢልካ ወይ ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኣብ ዝርከብ (ህጹጽ) መዕቆቢ እትነብር እንተድኣ ኮይንካ፣ ናብ ምምሕዳር ከተማ ኪድ፣ ጥርዓን ንምቕራብ ድማ ናብ ፖሊስ እውን ኪድ። ዝርዝር ሓበሬታ መሊእካ እንተድኣ ሂብካ፣ ናይ ባንክ ሕሳብካ ወይ ክረዲት ካርድኻ ዕገቶ። ነዚ ኣብቲ ባንክ፣ ወይ ኣብ ተሌፎንካ ምስ ዝህልወካ ድማ ብመንገዲ ናይቲ ባንክ ኣፕ ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ።

ብመንገዲ ኢንተርነት ዝካየድ ምትላል
ኣብዚ ገጽ፣ ብኢ-መይል፣ ዋትስኣፕን SMSን ብዛዕባ ዝካየድ ምትላል ኩሉ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ። ምትላል ከየጋጥመካ ንምክልኻል እንታይ ክትገብር ከም እትኽእል እውን ኣብዚ ኣንብብ። 

ነዚ ዓንቀጽ ከመይ ረኺብካዮ?