ብዛዕባ IND ብመንገዲ ተሌፎን ናይ ሓሶት መልእኽትታት ይዝርጋሕ ኣሎ
ብዙሓት ስደተኛታት ካብ ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND)፣ ከምኡ እውን ካብ VluchtelingenWerk Nederland (VWN) ተወሳኺ ገንዘብ ክትረክብ ከም እትኽእል ዘምስል ናይ ሓሶት መልእኽትታት ብተሌፎናቶም ይቕበሉ ኣለዉ። እዚኦም መልእኽትታት ሓቂ ኣይኮኑን።
እዞም መልእኽትታት፣ ቅጥዒ ክትመልእ ከምዘለካን ብድሕሪኡ ተወሳኺ ገንዘብ ክትረክብ ከም እትኽእልን ዝሕብሩ እዮም። እዚ ናይ ሓሶት ሓበሬታ እዩ። ነቲ ቅጥዒ ኣይትመልኣዮ። ነቲ መልእኽቲ ኣጥፍኣዮ፣ ነቲ ለኣኺ ድማ ዕገቶ። ነቲ ቅጥዒ ምስ እትመልእ ምትላል ከጋጥመካ እዩ። ሽዕኡ እቶም ኣታለልቲ ካብ ናይ ባንክ ሕሳብካ ገንዘብ ከውጽኡ ክፍትኑ እዮም። እዚ ድማ ፊሽንግ 'phishing' ይበሃል።
እዚ መልእኽቲ ናይ ሓሶት ምዃኑ ብኸመይ ክትፈልጥ ትኽእል?
ካብዞም ናይ ሓሶት መልእኽትታት ሓደ መጺኡካ ድዩ? ከምኡ እውን ብወዝቢ ነቲ ቅጥዒ ብምምላእ ናይ ባንክ ወይ ናይ ክረዲት ካርድኻ ሓበሬታ ሂብካ ዲኻ? ስለዚ ናብ ሰደቓ ሓበሬታ ናይ
ኣብ መዕቆቢ ናይ COA ዘይኮነስ፣ ርእስኻ ክኢልካ ወይ ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኣብ ዝርከብ (ህጹጽ) መዕቆቢ እትነብር እንተድኣ ኮይንካ፣ ናብ ምምሕዳር ከተማ ኪድ፣ ጥርዓን ንምቕራብ ድማ ናብ ፖሊስ እውን ኪድ። ዝርዝር ሓበሬታ መሊእካ እንተድኣ ሂብካ፣ ናይ ባንክ ሕሳብካ ወይ ክረዲት ካርድኻ ዕገቶ። ነዚ ኣብቲ ባንክ፣ ወይ ኣብ ተሌፎንካ ምስ ዝህልወካ ድማ ብመንገዲ ናይቲ ባንክ ኣፕ ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ።