ኣርእስታት

show menu options

TI

ትግርኛ

Tigrinya




ምንጪ፡ Google images

ንውሳኔ ናይ IND ይግባይ ምባል

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 1/2/2024 8:56 ቅ.ቀ.
ነዚ ዓንቀጽ ኣካፍል

ቤት-ጽሕፈት ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND) ንዘመልከትካዮ ዑቕባ ነጺግዎ ኣሎ። ምስዚ ምንጻግ ዘይተሰማማዕ ምስ እትኸውን እንታይ ክትገብር ትኽእል? ብዛዕባ ናብ ናይ ኔዘርላንድ ቤት-ፍርዲ ይግባይ ምባል ኣብዚ ኣንብብ።

ብኸምዚ ኢኻ ይግባይ ትብል

ምስ ውሳኔ ናይ

ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
IND
ዘይተሰማማዕ እንተድኣ ኮይንካ፣ ናብ ቤት-ፍርዲ ይግባይ ክትብል ትኽእል ኢኻ። እዚ እንተድኣ ደሊኻ ምስ ጠበቓኻ ተዘራረብ። ጠበቓኻ ይግባይ እንተድኣ ኣቕሪቡ፣ እቲ ቤት-ፍርዲ ውሳኔ ናይ IND ምኽኑይ ምዃኑን ዘይምዃኑን ክውስን እዩ። እቲ ቤት-ፍርዲ መንበሪ ፍቓድ ክትረክብ ምዃንካን ዘይምዃንካን ኣይውስንን እዩ፣ የግዳስ IND ነቲ መስርሕ ብግቡእ ዝፈጸሞ ምዃኑን ዘይምዃኑን እዩ ዝግምግም።

IND ነቲ መስርሕ ብግቡእ ከምዘይፈጸሞ ቤት-ፍርዲ እንተድኣ ወሲኑ፣ IND ሓድሽ ውሳኔ ክህብ ኣለዎ። ቤት-ፍርዲ IND ነቲ መስርሕ ብግቡእ ከምዝፈጸሞ እንተድኣ ወሲኑ ግን ካብ ኔዘርላንድ ክትወጽእ ኣለካ። ወይ ድማ መመልከቲ ዑቕባ ከም ብሓድሽ ከተቕርብ ትኽእል ኢኻ።

ናብ ላዕለዋይ ይግባይ

ምስቲ ቤት-ፍርዲ ዝሃቦ ውሳኔ ኣይትሰማማዕን ዲኻ? ከምኡ ምስ ዝኸውን ጠበቓኻ ናብ

ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
ቤት-ምኽሪ መንግስቲ
ላዕለዋይ ይግባይ ከቕርብ ይኽእል እዩ። እዚ እቲ ቤት-ፍርዲ ድሕሪ ምውሳኑ ኣብ ውሽጢ 1 ሰሙን ክግበር ኣለዎ።  እዚ እንተድኣ ትደልይ ኮይንካ ምስ ጠበቓኻ ተዘራረብ። IND እውን ኣንጻር ውሳኔ ናይቲ ቤት-ፍርዲ ይግባይ ክብል ይኽእል እዩ።

እዚ ዓንቀጽ ሓጊዙካ' ዶ?