ዜናዕዳጋ
ጉጅለ ሰባት ኣብ ቅድሚ ቤት-ፍርዲ ደው ኢሎም
ምንጪ፡ Google images
ሓበሬታ
ንውሳኔ ናይ IND ይግባይ ምባል
ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 26/7/2024 8:01 ቅ.ቀ.

ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND) ንዘመልከትካዮ ዑቕባ ነጺግዎ ኣሎ። ምስዚ ምንጻግ ዘይተሰማማዕ ምስ እትኸውን እንታይ ክትገብር ትኽእል?

ብኸምዚ ኢኻ ኣንጻር ውሳኔ ናይ IND ይግባይ ክትብል እትኽእል

ምስ ውሳኔ ናይ

ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND)
ዘይተሰማማዕ እንተድኣ ኮይንካ፣ ጠበቓኻ ናብ ቤት-ፍርዲ ይግባይ ክብል ይኽእል እዩ። እዚ እንተድኣ ደሊኻ ምስ ጠበቓኻ ተዘራረብ። ጠበቓኻ ኣብ ክንዳኻ ይግባይ እንተድኣ ኣቕሪቡ፣ እቲ ቤት-ፍርዲ ውሳኔ ናይ IND ቅኑዕ ምዃኑን ዘይምዃኑን ክምርምር እዩ። እቲ ቤት-ፍርዲ መንበሪ ፍቓድ ክትረክብ ዝግብኣካ ምንባሩን ዘይምንባሩን ብዝምልከት ኣይውስንን እዩ። ስለዚ ቤት-ፍርዲ ንትሕዝቶ ናይቲ ውሳኔ ኣይርእይን እዩ። ቤት-ፍርዲ፣ IND ነቲ መስርሕ ብግቡእ ዝፈጸሞ ምዃኑን ዘይምዃኑን ጥራይ እዩ ዝምርምር።

IND ነቲ መስርሕ ብግቡእ ከም ዘይፈጸሞ ቤት-ፍርዲ እንተድኣ ወሲኑ፣ IND ሓድሽ ውሳኔ ክህብ ኣለዎ። ቤት-ፍርዲ IND ነቲ መስርሕ ብግቡእ ከም ዝፈጸሞ እንተድኣ ወሲኑ ግን ካብ ኔዘርላንድ ክትወጽእ ኣለካ። ይኹን እምበር ገና ይግባይ ክትብል ትኽእል ኢኻ። ወይ ድማ ከም ብሓድሽ መመልከቲ ዑቕባ ከተቕርብ ትኽእል ኢኻ። እዚ ትደልይ እንተኾይንካ ምስ ጠበቓኻ ተዘራረብ።

ብኸምዚ ኢኻ ላዕለዋይ ይግባይ ትገብር

ምስቲ ቤት-ፍርዲ ዝሃቦ ውሳኔ ኣይትሰማማዕን ዲኻ? ስለዚ ጠበቓኻ ናብ

ቤት-ምኽሪ መንግስቲ (RvS)
ላዕለዋይ ይግባይ ከቕርብ ይኽእል እዩ። እዚ እንተድኣ ትደልይ ኮይንካ ምስ ጠበቓኻ ተዘራረብ። IND እውን ኣንጻር ውሳኔ ናይቲ ቤት-ፍርዲ ላዕለዋይ ይግባይ ከቕርብ ይኽእል እዩ።

እዚ ላዕለዋይ ቤት-ፍርዲ መብዛሕትኡ ግዜ ‘De Afdeling’ ማለት ክፍሊ ምምሕዳራዊ ስልጣን ፍርዲ ተባሂሉ እውን ይጽዋዕ እዩ። እቲ ክፍሊ እውን ንትሕዝቶ ጉዳይካ ኣይምርምርን እዩ። እቲ ክፍሊ፣ ቤት-ፍርዲ ብቅኑዕ ኣገባብ ውሳኔ ዝሃበ ምዃኑን ዘይምዃኑን እዩ ዝምርምር። 

ቤት-ምኽሪ መንግስቲ (RvS) ኣብ ኔዘርላንድ ዝለዓለ ቤት-ፍርዲ እዩ። እዚ ማለት ድሕሪ ውሳኔ ናይ ቤት-ምኽሪ መንግስቲ ኣብ ኔዘርላንድ ምጒት ክትቅጽል ኣይትኽእልን ኢኻ ማለት እዩ። ነቲ ዝተዋህበ ብይን ክትቅበሎ ኣለካ።

ኩሉ ግዜ ብይን ቤት-ፍርዲ ንኽትጽበይ ኣብ ኔዘርላንድ ክትጸንሕ ኣይፍቀደልካን እዩ

ኣንጻር ውሳኔ ናይ IND ናብ ቤት-ፍርዲ ይግባይ እንተድኣ ኢልካ፣ መብዛሕትኡ ግዜ ዳኛ ውሳኔ ክሳብ ዝህብ ኣብ ኔዘርላንድ ክትጸንሕ ትኽእል ኢኻ። ብድሕሪኡ ኣንጻር እቲ ዳኛ ዝሃቦ ውሳኔ ይግባይ እንተድኣ ኢልካ ግን እዚ ከምኡ ኣይኮነን። ንኽትጸንሕ ንዳኛ ክሓትት ትኽእል ኢኻ። እዚ ድማ ግዝያዊ ድንጋገ (vovo) ይበሃል። እዚ ዳኛ ውሳኔ ክሳብ ዝህብ ኣብ ኔዘርላንድ ንኽትጸንሕ ዝቐርብ ሕቶ እውን ክንጸግ ይኽእል እዩ።

ነዚ ዓንቀጽ ከመይ ረኺብካዮ?