ኣብ መዕቆቢ ቦታታት ዝርኣይ ዘሎ ዘይምርግጋእ፡ ኣብ ኔዘርላንድ ዘሎ ኩነታት ከምዚ እዩ ኣብ ገለ ቦታታት ኔዘርላንድ፣ ኣንጻር ምዕቋብ ስደተኛታት ተቓውሞታት ክካየድ ጸኒሑ እዩ። ሓደ ሓደ ግዜ እዚ ናብ ዓመጽ ይዓርግ እዩ። ሰባት ስለምንታይ ተቓውሞ የስምዑ፣ መን ዓመጽ ይጥቀም፣ ኔዘርላንዳውያን ብዛዕባ ምቕባል ሓተትቲ ዑቕባ ከመይ ከም ዝሓስቡ ኣብዚ ዓንቀጽ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ። ዜና 10 ሰነ 2026
ካብ 8 ክሳብ 21 ሰነ 2026፡ ኣብ ኣምስተርዳም ናብ ዝካየድ 'Refugee Welcome Week' ምጻእ ኣብ ኣምስተርዳም ዝካየድ ናይ ስደተኛታት እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም ሰሙን 'Refugee Welcome Week (RWW)' ኣብ ሰኑይ ዕለት 8 ሰነ ክጅምር እዩ፣ ክሳብ 21 ሰነ ድማ ክጸንሕ እዩ። ብዛዕባ ኣብቲ ሰሙን ዝካየድ ፍጻመታት ኣብዚ ዓንቀጽ ኣንብብ። ንጥፈት 5 ሰነ 2026
ኣብዚ ክረምቲ 'Pride' ኣብ ኔዘርላንድ ጸምብል ኣብ ኔዘርላንድ ነፍስወከፍ ዓመት ፕራይድ 'Pride' ክትጽምብል ትኽእል ኢኻ። ልክዕ ከምቲ ኣብ ብዙሓት ካልኦት ሃገራት ዝግበር። ኣብ ኣምስተርዳም 'Pride Walk' ቀዳም 25 ሓምለ ክካየድ እዩ፣ ቀዳም 1 ነሓሰ ድማ እቲ ህቡብ 'Canal Parade' ክግበር እዩ። ኣብ ኔዘርላንድ ኣየኖት ፍጻመታት ከም ዘለዉ ኣብዚ ዓንቀጽ ኣንብብ። ዜና 1 ሰነ 2026
ዝድለዩ፡ ኤውሮጳዊ መበቆል ዘይብሎም ለገስቲ Stichting Donor van Ons ኤውሮጳዊ መበቆል ዘይብሎም ሰባት ለገስቲ ይደሊ ኣሎ። ኣብ መንጎ ለገስቲ ደም፣ ፈርዒ ዋህዮታት ማለት ስተም-ሴል ወይ ክፍለ-ኣካል ዝዓበየ ብዙሕነት ምህላው፣ ሆስፒታላት ተመሳሳሊ ድሕረ ባይታ ንዘለዎም ሕሙማት ብቕልጡፍን ብዝበለጸን ክሕክማ ይሕግዘን እዩ። ዜና 1 ሰነ 2026
ኣበዓዕላ መዓልቲ ዕርገትን ጴንጠቆስጠን ኣብ ኔዘርላንድ ኣብ ኔዘርላንድ መዓልቲ ዕርገትን ጴንጠቆስጠን ወግዓዊ በዓላት እዮም። ኣብዚ ዓመት መዓልቲ ዕርገት ኣብ ሓሙስ 14 ግንቦት፣ ጴንጠቆስጠ ድማ ኣብ ሰንበት 24 ግንቦትን ሰኑይ 25 ግንቦትን 2026 እዮም ዝውዕሉ። ኣብ ኔዘርላንድ ኣብዘን መዓልታት ዝበዝሑ ሰባት ምስራሕ ኣየድልዮምን እዩ፣ ነዞም በዓላት ድማ የብዕሉ። ዜና 11 ግን 2026
ኣብ መዓልቲ ሓርነት ናጽነት ምጽንባል፡ 5 ግንቦት 5 ግንቦት ኣብ ኔዘርላንድ መዓልቲ ሓርነት እዩ። ኣብዚ ዕለት እዚ ኔዘርላንድ፣ 2ይ ኲናት ዓለም ኣብ 1945 ኣብ ኔዘርላንድ ዘብቅዓሉ ዕለት ትጽምብል። ሰባት ድማ ሓርነት ከም ተራ ንቡር ነገር ዝረኣይ ዘይምዃኑ ይዝክሩ። ኔዘርላንዳውያን ንመዓልቲ ሓርነት ብኸመይ ከም ዝጽምበሉ ኣብዚ ዓንቀጽ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ። ዜና 5 ግን 2026