
መዓልቲ ንጉስ: በዓል ብኣራንሾኒ
ነዚ ዓንቀጽ ኣካፍል
ኔዘርላንድ ነፍስወከፍ ዓመት፣ ንዕለተ-ልደት ንጉስ ቪለም-ኣሌክሳንደር ኣብ ሚያዝያ 27 ተብዕሎ። እዚ ሃገራዊ በዓል እዚ መዓልቲ ንጉስ ተባሂሉ ይጽዋዕ። ሽዕኡ መብዛሕትኦም ሰባት ካብ ስራሕ ነጻ እዮም። ኣብ ታሕቲ መዓልቲ ንጉስ ብኸመይ ከም ዝኽበር ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።
ናይ ንጉስ ምሸት
እታ ቅድሚ መዓልቲ ንጉስ ዘላ ምሸት፣ ናይ ንጉስ ምሸት ተባሂላ ትፍለጥ። ስለዚ ድማ ብዙሓት ሰባት ናብ ቤት-መስተ ወይ ካፌ ይኸዱ። ገለአን ኣብያተ-መስተ ድማ ብዲጄታት ወይ ስነ-ጥበባውያን ዝቐርቡ ምርኢታት ዘለዎ ፍሉይ መደብ የዳልዋ እየን።
እቲ ንጉስ ኣብዚ ዓመት እዚ ናብ ሮተርዳም እዩ ምብጻሕ ክገብር።
ነፍስወከፍ ዓመት ኣብ መዓልቲ ንጉስ፣ ንጉስ ቪለም-ኣሌክሳንደር ናብ ሓንቲ ኣብ ኔዘርላንድ እትርከብ ከተማ ወይ ቁሸት ምብጻሕ ይገብር። ነዚ ምስ በዓልቲ ቤቱ ንግስቲ ማክሲማ፣ ውላዳቱን ካልኦት ኣባላት ስድራ-ቤቱን እዩ ዝገብሮ። ኣብዚ ዓመት እዚ ድማ ሓሙስ 27 ሚያዝያ 2023 ናብ ከተማ ሮተርዳም ክኸዱ እዮም።
ነበርቲ ሮተርዳም ንጉሳዊ ስድራ-ቤት ክቕበሉ እዮም። ናይታ ከተማ ጽቡቓት ነገራት ከርእዩን፣ ከምኡ እውን ባህላዊ ጸወታታት ኔዘርላንድ ከዳልዉን ድማ እዮም።
መዓልቲ ንጉስ ኣብ መንበሪ ቦታኻ
ኣብ ኩሉ ቦታታት ናይ ኔዘርላንድ ዝርከቡ ሰባት መዓልቲ ንጉስ የብዕሉ እዮም። ኣብ መብዛሕትአን ገጠራትን ከተማታትን ድማ ጸወታን ሙዚቃዊ ምርኢታትን ይዳሎው እዩ። ብዙሓት ሰባት ኣራንሾኒ ዝሕብሩ ክዳን ይኽደኑ። ምኽንያቱ ድማ ኣራንሾኒ ሕብሪ ናይ ኔዘርላንድ ንጉሳዊ ስድራ-ቤት ስለ ዝኾነ እዩ። ሰባት ኣብ ገጾም ናይ ኔዘርላንድ ባንዴራታት እውን ብቀለም ይቅብኡ እዮም።
ኣብ ነጻ-ዕዳጋ ኣቚሑት ምሻጥ ወይ ምርካብ
ኣብ መዓልቲ ንጉስ ናይ ቀደም ኣቚሑትካ ኣብ ጎደና ክትሸጦ ትኽእል ኢኻ። ብዙሓት ሰባት ናይ ቀደም መጻወቲ፣ ናይ ቀደም ኣቑሑት ገዛ፣ ወይ ንኣብነት ሲዲ ወይ መጻሕፍቲ ዝሸጡሉ ምንጻፍ የንጽፉ። እዚ ድማ ነጻ-ዕዳጋ ይበሃል።
ንስኻ ባዕልኻ ኣቚሑት ክትሸይጥ ወይ ኣብ ነጻ-ዕዳጋ ኣቚሑት ከተናድይ ትደልይ ዲኻ? ኣብቲ እትነብረሉ ምምሕዳር ከተማ ነጻ-ዕዳጋ ኣበይ ከም ዝካየድ ሕተት። ከምኡ እውን ኣብ ማርሻ-ፔዲ ናይ ጎደና ኣቚሑት ንምሻጥ ቅድሚ ክንደይ ቦታ ክትሓዝእ ከም እትኽእል ሕተት።
መሸጣ ኣልኮላዊ መስተ
ኣብ መዓልቲ ንጉስ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ጎደና ኣዝዩ ጽዑቕ እዩ። ብዙሓት ሰባት ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኣልኮላዊ መስተ ይሰትዩ። እዚ ኣብ ኩሉ ቦታ ብወግዒ ኣይፍቀድን እዩ። ኣብ ዝኾነ ዘይፍቀድ ቦታ እንተድኣ ሰቲኻ ብፖሊስ ገንዘባዊ መቕጻዕቲ ክወሃበካ ይኽእል እዩ።
ኣብ ገሊአን ምምሕዳር ከተማታት፣ ሱፐርማርኬታት ንኣልኮላዊ መስተ ዝምልከት ጽኑዕ ሕግታት መሸጣ ክኽተላ ኣለወን። ንኣብነት ንሓደ ሰብ 1 ታኒካ ቢራ ወይ ጥርሙዝ ወይኒ ጥራይ ክሸጣ ይኽእላ።
ንምፍላጡ ጽቡቕ
ኣብ መዓልቲ ንጉስ ገና ኣብ ግምት ከነእትዎም ዘለና ሒደት ነገራት ኣለዉ። ብዛዕባ እዚ ዝያዳ ኣብ ታሕቲ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ፡