ዜናዕዳጋ
ቤት-ትምህርቲ ROC ኣብ ቲልቡርኽ
ምንጪ፡ Ron Maijen - WikiMedia
ዜና
ንትምህርቲ MBO ምናልባት ናይ ትምህርቲ ክፍሊት ምኽፋል ዘየድልየካ ክትከውን ትኽእል ኢኻ
ዝተሓትመሉ ኣብ: 4/6/2024 12:00 ቅ.ቀ.

ናይ MBO ትምህርቲ ክትከታተል ዲኻ? ኣብ ትሕቲ መምርሒ ግዝያዊ ሓለዋ (RTB) ትምደብ እንተድኣ ኮይንካ፣ ወይ ዑቕባ ንምርካብ ኣመልኪትካ ዘለኻ፣ ግን ድማ ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ዘይብልካ ምስ እትኸውን ምናልባት ናይ ትምህርቲ ክፍሊት ምኽፋል ዘየድልየካ ክትከውን ትኽእል ኢኻ። ስለዚ ቅድሚ 31 ሓምለ 2024 ናብ ፈጻሚ ኣገልግሎት ትምህርቲ (DUO) መመልከቲ ከተቕርብ ትኽእል ኢኻ።

ነዚኦም ቅድመ-ኩነታት ከተማልእ ኣለካ 

ነዚ ደንቢ እዚ ብቑዕ ንምዃን ነዞም ዝስዕቡ ቅድመ-ኩነታት ከተማልእ ኣለካ፡

  1. ናይ ኔዘርላንድ ዜግነት ስለዘይብልካ፣ ንወጻኢታት ትምህርትኻ ዝኸውን ናይ ተማሃሮ ፋይናንሳዊ ድጎማ ወይ ካልእ ዝኾነ ኣበል ናይ ምርካብ መሰል የብልካን።

  2. ነቲ ናይ ትምህርቲ ክፍሊት ንኽትከፍል ዓቕሚ የብልካን፣ ወይ ነዚ ንዓኻ ዝኸፍለልካ ውድብ የለን።

  3. ኣብ ዕለት 1 ነሓሰ ኣብ መጀመርታ ናይ ዓመተ-ትምህርቲ፣ ዕድሜኻ 18 ዓመት ወይ ልዕሊኡ ግን ድማ ትሕቲ 31 ዓመት እዩ።

ብተወሳኺ ካብዞም ዝስዕቡ ኩነታት ሓደ ንዓኻ ይምልከተካ እዩ፡

  • W-document
    ወይ ኣለካ። ነዚ ኣብ ጎኒ እቲ ኣብ ወረቐት መንነትካ ዘሎ ስእሊ ብፊደል W ወይ W2 ክትሪእዮ ትኽእል ኢኻ።

  • ንገዛእ-ርእስኻ ወይ ንኣባል ስድራ-ቤትካ ሕክምና ዝኸውን ዓይነት ኣለካ።

  • ንኹሎም ሕጋዊ ተኽእሎታት ጸንቂቕካ መስርሕ ምምላስ ተካይድ ኣለኻ።

  • ንኹሎም ሕጋዊ ተኽእሎታት ጸንቂቕካ ኢኻ፣ ከምኡ እውን ብመሰረት

    ማእከላይ ኣካል መቐበሊ ሓተትቲ ዑቕባ (COA)
    ፣ ንኣብነት ብሰንኪ ሕማም ናብ መበቆል ሃገርካ ክትምለስ ኣይትኽእልን ኢኻ።

  • ንኹሎም ሕጋዊ ተኽእሎታት ጸንቂቕካን፣ ከምኡ እውን ኣብ ናይ ስድራ-ቤት ቦታ ትነብርን ኣለኻ።

  • ኣብ ትሕቲ

    መምርሒ ግዝያዊ ሓለዋ (RTB)
    ኢኻ እትምደብ።

ኣስተውዕል፡ ናይ ትምህርቲ ክፍሊት ድሮ እንተድኣ ከፊልካ፣ እዚ ኣይምለሰልካን እዩ። ነዚ ደንቢ ኣብ ጥቕሚ ንኸተውዕሎ ቅድሚ 31 ሓምለ 2024 መመልከቲ ቅጥዒ መሊእካ ናብ DUO ክትሰዶ ኣለካ።

ቅጥዒ ኣውርድ
በመንገዲ እዚ መተሓላለፊ ሊንክ ነቲ ቅጥዒ ክትረኽቦ ትኽእል ኢኻ። ነቲ ቅጥዒ ኣውሪድካ ማለት ዳውንሎድ ገይርካ፣ መሊእካ ናብ DUO ክትሰዶ ኣለካ። እቲ ኣድራሻ ኣብቲ ቅጥዒ ኣሎ። እቲ ቅጥዒ ብቋንቋ ኔዘርላንድ እዩ።

ድሕሪ መበል 30 ዓመት ዕድሜኻ እውን ክፍሊት ትምህርቲ ክትከፍል ዘይትግደድ ክትከውን ትኽእል ኢኻ

ኣብ እዋን ትምህርትኻ 30 ዓመት ወይ ልዕሊኡ እንተድኣ መሊእካ፣ ነቶም ካልኦት ሕግታት ምስ እተማልእ ምናልባት ናይ ትምህርቲ ክፍሊት ክትከፍል ዘይትግደድ ክትከውን ትኽእል ኢኻ። ካብ መበል 30 ዓመት ልደትካ ጀሚርካ ድማ ክፍሊት ትምህርቲ ንኸይትኸፍል ነፍስወከፍ ዓመት ናብ

DUO
ሕቶ ከተቕርብ ኣለካ።

እዚ ዝከኣል ንትምህርትኻ ብዘይ ምቚራጽ ተመዝጊብካ ምስ እትህሉው ጥራይ እዩ። ስለዚ ንግዚኡ ከተቋርጽን፣ ከም ብሓድሽ ትምህርትኻ ክትጅምርን ኣይትኽእልን ኢኻ። ገና ነቶም ሕግታት ተማልእ ምዃንካ ድማ ነፍስወከፍ ዓመት ንDUO ከተርእዮ ኣለካ።

ነዚ ዓንቀጽ ከመይ ረኺብካዮ?