• ጀምር
  • ናይቲ ምርጫ ሳዕቤናት እዚኦም እዮም
ምንጪ፡ Roel Wijnants

ናይቲ ምርጫ ሳዕቤናት እዚኦም እዮም

ዝተሓትመሉ ኣብ: 24/11/2023 9:48 ቅ.ቀ.
ነዚ ዓንቀጽ ኣካፍል

ውጽኢት ሃገራዊ ምርጫ ኔዘርላንድ ተፈሊጡ ኣሎ። የማናዊ ሰልፊ PVV እቲ ዝዓበየ ሰልፊ ኮይኑ ተመሪጹ ኣሎ። ብድሕሪኡ ድማ ሰልፊታት GroenLinks፣ VVDን NSCን ይስዕቡ። እቲ ምርጫ ኣባኻ ብዛዕባ ክህልዎ ዝኽእል ሳዕቤን ኣብዚ ኣንብብ።

እዚኦም ድሕሪ እቲ ምርጫ ዝዓበዩ ሰልፊታት እዮም

PVV ሕጂ እቲ ዝዓበየ ሰልፊ ኮይኑ ኣሎ። ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ካብ 150 መናብር 37 ረኺቦም ኣለው። 2ይ ዝዓበየ ሰልፊ GroenLinks-PvdA (25 መናብር) እዩ፣ ብድሕሪኡ ድማ VVD (24 መናብር) ከምኡ እውን NSC (20 መናብር) ይስዕቡ። 

PVV "ዋሕዚ ሓተትቲ ዑቕባን ፍልሰትን ናብ ኔዘርላንድ ደው ከብሎ ዝደልይ" ከምኡ እውን "ንምስልምና ኔዘርላንድ ክገትእ ዝደልይ" የማናዊ ሰልፊ እዩ። እቲ 2ይ ዝዓበየ ጸጋማዊ ሰልፊ GroenLinks-PvdA እዩ። ንሳቶም “ስደተኛታት ኣብ መከራ ከይሕደጉን” ከምኡ እውን “ንኣብነት ቀልጢፎም ምሉእ ብምሉእ ክሰርሑ ብምፍቓድ ስደተኛታት ኣብ ሕብረተሰብ ብዝቐልጠፈ ክሳተፉ ክኽእሉን” ይደልዩ።

ሕጂ ዝተፈላለያ ሰልፊታት ብሓባር መንግስቲ ክምስርታ እየን

ኣብ ኔዘርላንድ መንግስቲ ንምቛም ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብዛሓ መናብር ክህልወካ ጠቓሚ እዩ። ምኽንያቱ ድማ 1 ሰልፊ ንበይና ኣብዛሓ ድምጺ ስለዘይብላ፣ ሰልፊታት መንግስቲ ንምቛም ምስ ነንሓድሕደን ክዘራረባ ኣለወን። እዚ ድማ ምቛም ካቢነት ይበሃል። ብባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝምረጽ ተቖጻጻሪ -ኣቛሚ ካቢነት- ኸኣ ነቲ ዝርርብ ይመርሖ። 

ከም ንቡር ኣሰራርሓ እታ ዝዓበየት ሰልፊ እያ መንግስቲ ምቛም ትጅምር። ምስ ካልኦት ሰልፊታት ድማ ብዛዕባ ዘገድስዎም መርገጺታት ኣብ ስምምዕ ክበጽሑ ዝኽእሉ ምዃኖምን ዘይምዃኖምን ክርእዩ እዮም። ስለዚ ብተግባር ኣብ ኔዘርላንድ ኩሉ ግዜ ምስ ካልኦት ሰልፊታት ብምትሕብባር መንግስቲ ክትምስርት ኣለካ። 

ንኸምዚ ዝበለ ኣገባብ ምትሕብባር ዝምልከት ፍሉይ ናይ ኔዘርላንድ ቃል ከይተረፈ ኣሎ፡ ነዚ ኣብ ኔዘርላንድ 'polderen' ኢልና ንጽውዖ። ኣብዚ ጉዳይ እዚ PVV ምስኦም ክተሓባበራ ዝደልያን ክሰማምዓ ዝኽእላን ሰልፊታት ክረክብ ኣለዎ። እዚ እንተድኣ ዘይተዓዊቱ ድማ እተን ካልኦት ሰልፊታት ምትሕብባር ንምጅማር ክፍትና ይኽእላ እየን።

የማናዊ መንግስቲ ክምስረት ልዑል ዕድል ኣሎ

ቅድሚ እቲ ምርጫ ብዙሓት ሰልፊታት ምስ PVV ብምትሕብባር ክሰርሓ ከምዘይደልያ ሓቢረን ኣለዋ። ጸጋማዊ ሰልፊ GroenLinks-PvdA ብርግጽ ምስ PVV ክተሓባበር ኣይደልይን እዩ። ከም በዓል VVDን NSCን ዝኣመሰላ ብርክት ዝበላ ሰልፊታት ግን ምናልባት ምስ PVV ክተሓባበራ ይደልያ ይኾና እየን። ስለዚ ድማ ንስደተኛታት ኣገደስቲ ዝኾኑ ነገራት ክቕይር ዝደልይ የማናዊ መንግስቲ ክምስረት ልዑል ዕድል ኣሎ፣ ንኣብነት፡ 

  • ኣብ ኔዘርላንድ ዑቕባ ክሓቱን ክረኽቡን ዝፍቀደሎም ሰባት ውሑዳት ክኾኑ ይኽእሉ። 

  • ነቶም ድሮ ኣብኡ ዝርከቡ ስደተኛታት ናይ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ንምምልካት እናኸበደ ክኸይድ ይኽእል።

  • ኣብ ኔዘርላንድ ንስደተኛታት ዝኸውን መሳለጥያታት እናነከየ ክኸይድ ይኽእል። 

እንተኾነ ግን እዚኦም ነገራት ክቕየሩ ምዃኖም ርጒጽ ኣይኮነን። እዚኦም ሒደት ኣብነታት ናይታ ድሕሪ እቲ ምርጫ ዝዓበየት ዝኾነት ሰልፊ ኣገደስቲ ዛዕባታት እዮም።

ኣየኖት ሕግታት ክቕየሩ ምዃኖምን መዓስን ንጹር ክሳብ ዝኸውን ነዊሕ ግዜ ክወስድ እዩ

ኣብ ኔዘርላንድ ሕግታትን ፖሊሲታትን ቀልጢፎም ኣይቅየሩን እዮም። ሕግታትን ፖሊሲታትን ቅድሚ ምቕያሮም መጀመርታ መንግስቲ ክምስረት ኣለዎ። ሓደ ሓደ ግዜ እዚ ነዊሕ ግዜ እዩ ዝወስድ። ዝሓለፈ መንግስቲ ክምስረተሉ ዝነበሮ ናይ መወዳእታ ግዜ፣ ሰልፊታት ምስ ነንሓድሕደን ክሰማምዓ ስለዘይከኣላ 299 መዓልታት ወሲዱ። 

ሕጂ ሓድሽ መንግስቲ ክሳብ ዝምስረት ነዊሕ ግዜ ክወስድ ልዑል ዕድል ኣሎ። ብዙሓት ፖለቲካዊ ሰልፊታት ምስ PVV ብምትሕብባር ንምስራሕ ከም ዘጸግመን ገሊጸን እየን። 

መንግስቲ ድሕሪ ምምስራቱ እውን፣ ብዛዕባ ዑቕባን ምጥርናፍ ስድራ-ቤትን ዝምልከቱ ሓደስቲ ሕግታትን ስርዓታትን ቅድሚ ምትእትታዎም ነዊሕ ግዜ ክወስድ ይኽእል እዩ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ እቶም PVV ክቕይሮም ዝደልዮም ነገራት ንምቕያሮም ኣጸጋሚ ስለዝኾነ እዩ፡

  • እቶም PVV ክቕይሮም ዝደልዮም ነገራት ሓደ ሓደ ግዜ ንቅዋም ዝምልከቱ እዮም። ቅዋም ንምቕያር ድማ ኣዝዩ ከቢድ እዩ። እቲ ቅዋም ኣዝዮም ኣገደስቲ ሕግታት ዝሓዘ እዩ። ናይ ኩሎም ዝተኣታተዉ ካልኦት ሕግታት መሰረት እዩ። ነዚ ክትቅይሮ እንተድኣ ደሊኻ ድማ ብዙሓት ሕግታትን መስርሓትን ክትክተል ኣለካ። 

  • ገሊኦም PVV ክቕይሮም ዝደልዮም ነገራት ብዛዕባ ሕጊ ኤውሮጳን ምስ ሕብረት ኤውሮጳ ዝግበር ምትሕብባርን ዝምልከቱ እዮም። ከም ናይ ኔዘርላንድ ዝኣመሰለ ሃገራዊ መንግስቲ ንሕግታት ኤውሮጳ ክኽተል ኣለዎ። ወይ ድማ መንግስቲ ኔዘርላንድ ድሕሪ ደጊም ኣባል ሕብረት ኤውሮጳ ክኸውን ከምዘይደልይ ክውስን ኣለዎ። እዚ እውን ንምቕያሩ ኣጸጋምን ብዙሕ ግዜ ዝወስድን እዩ።

ኣብ ኔዘርላንድ መንግስቲ ንበይኑ ስልጣን የብሉን

ኣብ ኔዘርላንድ፣ መንግስቲ ጥራይ ኣይኮነን ነገራት ናይ ምቕያር ስልጣን ዘለዎ። ኣብ ናይ ኔዘርላንድ ዲሞክራሲ፣ ዳያኑ፣ ህዝባዊ ኣኽባር ሕጊ፣ ላዕለዋይ ባይቶን ባይቶ ወከልቲ ህዝቢን እውን ኣየኖትን ሕግታትን ብኸመይን ከም ዝተኣታተዉ ጽልዋ ኣለዎም እዩ። ንሕግታት እውን ይቆጻጸርዎም እዮም። ስለዚ መንግስቲ ንኹሉ ነገር በይኑ ክውስኖ ኣይክእልን እዩ።

እዚ ዓንቀጽ ንዓኻ ሓጋዚ ድዩ?