ኣርእስታት

show menu options

TI

ትግርኛ

Tigrinya




ምምላስ ኣልጀርያ

ናብ መበቆል ሃገርካ ክትምለስ ትሓስብ ኣለኻ ዲኻ? ኣብዚ ብዛዕባ ኣልጀርያ ዝምልከት ገጽ፣ ኣየኖት ካሕሳታት ከምዘለዉን፣ ኣየኖት ውድባት ኣብ ምምላስካ ክሕግዙኻ ከምዝኽእሉን ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ባዕልኻ ናብ መበቆል ሃገርካ ምምላስ

ባዕልኻ ናብ ሃገርካ ክትምለስ ምምራጽ ቀሊል ኣይኮነን። ሓደ ሓደ ግዜ ብሰንኪ ግብራዊ ምኽንያታት ምምላስ ኣጸጋሚ እዩ። ንኣብነት ናይ መገሻ ሰነድ እንተድኣ ዘይብልካ ኮይንካ። 

ሓደ ሓደ ግዜ ንምምላስ ንኽትመርጽ ኣጸጋሚ ዝገብሩ ስምዒታዊ ምኽንያታት ኣለዉ። ንኣብነት ናይ ሕፍረት ስምዒታት፣ ፍሽለት ወይ ብዛዕባ መጻኢ ዝህሉው ዘይርጉጽነት። ከምኡ እውን ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ ሃገርካ ከም ብሓድሽ ማሕበራዊ መርበብ ክትሃንጽን፣ ገዛን ስራሕን ክትደልይን ኣለካ።

ካብ ኔዘርላንድ ክትወጽእ ትሓስብ ኣለኻ ዲኻ? ከምኡ ምስ ዝኸውን ዝተፈላለዩ ውድባት ናብ መበቆል ሃገርካ ንኽትምለስ ክሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም። ካብዞም ውድባት እትረኽቦ ሓገዝ ብነጻ እዩ። 

ንምምላስ ዝኽፈል ካሕሳታት

መሰረታዊ ካሕሳ (REAN)

ብመሰረት ደንቢ REAN መሰረታዊ ካሕሳ ክትቕበል ኢኻ። REAN ማለት ኣሕጽሮተ-ቃል ናይ 'Return and Emigration Assistance from the Netherlands' እዩ፣ ትርጒሙ ድማ 'ናይ ምምላስን ስደትን ሓገዝ ካብ ኔዘርላንድ' ማለት እዩ። ደንቢ REAN ነዚ ዝስዕብ ይኽሕስ፡

  • ምርሒት

  • ናይ ነፋሪት ትኬት

  • ናይ ጉዕዞ ሰነዳት ንምርካብ ሓገዝ

  • 200,- ጥረ ገንዘብ ንሓደ በጽሒ ሰብ፣ ከምኡ እውን ንሓደ ምሳኻ ዝጓዓዝ ቆልዓ €40። እዚ ገንዘብ ኣብታ እትብገሰላ መዓልቲ ኣብ ስኺፖል (Schiphol) ክትቅበሎ ኢኻ።

ኣህጉራዊ ውድብ ፍልሰት (IOM) ነዚ ካሕሳ እዚ ንኽትረክብ የዋድደልካ። እቲ ኣብ ምምላስካ ዝሕግዘካ ውድብ ድማ ካብ IOM ሳሕሳ ንኽትረክብ ክሓተልካ ይኽእል እዩ።

ኣብ ኔዘርላንድ ክሕግዙኻ ዝኽእሉ ውድባት

ኣብ መበቆል ሃገር ዝርከቡ ተሓባበርቲ ውድባት

VluchtelingenWerk ኣብ ኣልጀርያ ናይ ምትሕብባር መሻርኽቲ የብሉን። ካልኦት ውድባት ግን ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ ኣልጀርያ ኣብ ምምላስካ ክመርሓካ ዝኽእል መሻርኽቲ ኣለወን። ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ ምስዘን ውድባት ርክብ ግበር፣ ወይ ድማ ኣብ VluchtelingenWerk ንዝርከብ ኣማኻሪኻ ሕተት።

  • እንተድኣ ብ IOM ዝወሃብ ደገፍ መሪጽካ፣ ኣብ ኣልጀርያ ዝርከቡ መሳርሕቲ ናይ ቤት-ጽሕፈት IOM ነቲ ዓይነታዊ-ገንዘብ ኣብ ጥቕሚ ንምውዓል ክሕግዙኻ እዮም። ነዚ መጠን ገንዘብ ንኣብነት ንክራይ ገዛ፣ ንትምህርቲ፣ ንስልጠና፣ ንትካል ዝኸውን ዕድጊ ወዘተ ክትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ።

  • ካልኦት ውድባት እውን መብዛሕትኡ ግዜ ምስ ሓደ ኣብ መበቆል ሃገርካ ዝርከብ ናይ ከባቢ መሻርኽቲ ብሓባር ይሰርሓ እየን። እዚ ኣየናይ ምዃኑን፣ እቲ መሻርኽቲ እንታይ ክገብረልካ ከም ዝኽእልን ድማ ክፈላለይ ይኽእል እዩ።