ምንባር
ሓበሬታ

ኣብ ኔዘርላንድ ዑቕባ ምስ እትሓትት ዘለዉ ዝተፈላለዩ ዓይነታት መዕቆቢ ቦታታት እዚኦም እዮም
ኣብ ኔዘርላንድ ዑቕባ እንተድኣ ኣመልኪትካ መዕቆቢ ናይ ምርካብ መሰል ኣለካ። ኣብ ኩነትካን፣ ብዛዕባ ዘመልከትካዮ ዑቕባ ንዝወሃብ ውሳኔ ክሳብ ክንደይ ግዜ ክትጽበይ ዘለካ ኣብ ምዃንካን ዝምርኮሱ ዝተፈላለዩ ዓይነታት መዕቆቢ ቦታታት ኣለዉ። ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ እዋን መስርሕካ ናብ ካልእ መዕቆቢ ቦታ ክትግዕዝ ኢኻ። ብዛዕባ ዘለዉ ዝተፈላለዩ ዓይነታት መዕቆቢ ቦታታት ዝያዳ ኣብዚ ታሕቲ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

መንግስቲ ኣብ ዘዳልወልካ መዕቆቢ ስደተኛታት ምንባር ብኸምዚ እዩ ዝሰርሕ
ኣብ እዋን መስርሕ ዑቕባ ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ማእከላይ ኣካል መቐበሊ ሓተትቲ ዑቕባ (COA) መዕቆቢ ቦታታት ክትጸንሕ ኢኻ። ሓደ ሓደ ግዜ ኣብቲ ንቡር መዕቆቢ ቦታታት እኹል ቦታ የለን። በዚ ድማ ምናልባት ኣብ ሓደ ግዝያዊ መዕቆቢ ንኽትጸንሕ ክትግደድ ትኽእል ኢኻ። ናይ ዑቕባ ሕቶኻ እንተድኣ ጸዲቑ ኣብ ኔዘርላንድ ክትጸንሕ ትኽእል ኢኻ። ብድሕሪኡ ድማ ገዛ ንምርካብ ብቚዕ ትኸውን።

ኣብ መስርሕ ዑቕባ እናሃለኻ ምስ ኣአንጋዲ ስድራ-ቤት ምቕናይ ብኸምዚ እዩ ዝሰርሕ
ኣብ መዕቆቢ ናይ ማእከላይ ኣካል መቐበሊ ሓተትቲ ዑቕባ (COA) ኣዝዩ ሒደት ቦታ እዩ ዘሎ። በዚ ምኽንያት ድማ ንግዚኡ ምስ ቤተሰብ ወይ ፈተውቲ ክትቕንይ ትኽእል ኢኻ። ንኽትቕንይ ምኻድ ኣብ መስርሕ ዑቕባኻ ዝኾነ ጽልዋ የብሉን። እዚ ብኸመይ ከም ዝሰርሕ ኣብዚ ኣንብብ።

ኣብ ግዝያዊ መዕቆቢ ምንባር ብኸምዚ እዩ ዝሰርሕ
ኣብ ግዝያዊ መቐበሊ ትቕመጥ ኣለኻ፣ ምኽንያቱ ድማ እቲ ንቡር መቐበሊ ስለ ዝመልአ እዩ። ኣብዚ ንኽንደይ ግዜ ክትጸንሕ ከም ዘለካ መብዛሕትኡ ግዜ ንጹር ኣይኮነን። ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ መንጎ ብዙሓት መቐበሊ ቦታታት ንኽትግዕዝ ክትግደድ ኢኻ።

እዚኦም ኣብ መዕቆቢ ናይ COA ዘለዉኻ መሰላትን ግዴታታትን እዮም
ኣብ ናይ ማእከላይ ኣካል መቐበሊ ሓተትቲ ዑቕባ (COA) መዕቆቢ ቦታ ምስ ካልኦት ሰባት ብሓባር ኢኻ ትነብር። ነፍስወከፍ መዕቆቢ ቦታን መሳለጥያታቱን ዝተፈላለየ እዩ። ኣብ መዕቆቢ መሰላት፣ ግዴታታትን ሕግታት ገዛን ኣለዉኻ። ብዛዕባ እዚ ዝያዳ ኣብዚ ገጽ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።
ኩሉ ብዛዕባ DigiD
DigiD እንታይ ምዃኑ፣ DigiD ብኸመይ ከም እተመልክትን ብኸመይ ከም እትጥቀመሉን፣ Steffie ኣብዚ ትገልጽ።
ነዚ መርበብ-ሓበሬታ ዝኸውን ምኽሪ ኣለካ ድዩ?
ምኽርታትካ RefugeeHelp ነቲ መርበብ-ሓበሬታ ንኸመሓይሾ ይሕግዝዎ እዮም። ገና እንታይ ከም ዝጎደለካ ወይ ክትረኽቦ ከም ዘይከኣልካ ሓብረና። ኣስተውዕል፡ እዚ ቅጥዒ ንውልቃዊ ሕቶታት ዝዓለመ ኣይኮነን። መልሲ ኣይክትረክብን ኢኻ።