ኣርእስታት

show menu options
ትግርኛ (Tigrinya)



ኣብ መዕቆቢ ምንባር

ኣብ ኔዘርላንድ ዕቚባ ንምርካብ እንተድኣ ኣመልኪትካ መቐበሊ ቦታ ንኽትረክብ መሰል ኣለካ። ማእከላይ ኣካል መቐበሊ ሓተትቲ ዕቚባ (COA) ድማ እዩ ነቲ መጽለሊ ዘዋድድ።

ቀንዲ ነጥቢታት

.

ኣብ እዋን መስርሕ ዕቚባ ኣብዚ ኢኻ እትጸንሕ

ኣብ እዋን መስርሕ ዑቕባ ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ማእከላይ ኣካል መቐበሊ ሓተትቲ ዑቕባ (COA) መቐበሊ ቦታታት ክትጸንሕ ኢኻ። ሓደ ሓደ ግዜ ኣብቲ ንቡር መቐበሊ ቦታታት እኹል ቦታ የለን። በዚ ድማ ምናልባት ኣብ ሓደ ግዜያዊ መቐበሊ ንኽትጸንሕ ክትግደድ ትኽእል ኢኻ።

እዚኦም ኣብ መቐበሊ ማእከል ናይ COA ዘለዉኻ መሰላትን ግዴታታትን እዮም

ኣብ ናይ ማእከላይ ኣካል መቐበሊ ሓተትቲ ዑቕባ (COA) መቐበሊ ቦታ ምስ ካልኦት ሰባት ብሓባር ትነብር። ኩሎም መቐበሊ ቦታታት ዝተፈላለዩ እዮም። ኣብቲ መቐበሊ ድማ መሰላትን ግዴታታትን ኣለካ። ብዛዕባ እዚ ዝያዳ ኣብዚ ገጽ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ሕግታት ገዛ ኣብ መቐበሊ ማእከል ናይ COA

ማእከላይ ኣካል መቐበሊ ሓተትቲ ዕቚባ (COA) ኣብ ነፍስወከፍ መቐበሊ ማእከል ተፈጻምነት ዘለዎ ሕግታት ገዛ ኣለዎ። እንተድኣ ንሕጊ ገዛ ዘየኽበርካ፣ COA፡ - ንገለ ክፋል ናይ ሰሙናዊ ኣበልካ ክቆርጾ ይኽእል። - ናብ ጽኑዕ ስርዓት ዘለዎ መቐበሊ ማእከል ከሰጋግረካ ይኽእል። እዚ ከቢድ ጥሕሰት ኣብ ዝፍጸመሉ እዋን እዩ ዝግበር። - ገበናዊ ባህሪ እንተድኣ ኣጋጢሙ ድማ ፖሊስ ክጽውዕ ይኽእል።

ካልኦት ዓንቀጻት

.