ዓንቀጽ

መንግስቲ ኣብ ዘዳልወልካ መዕቆቢ ስደተኛታት ምንባር ብኸምዚ እዩ ዝሰርሕ

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 11/14/2024 11:29 ቅ.ቀ.

ኣብ እዋን መስርሕ ዑቕባ ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ማእከላይ ኣካል መቐበሊ ሓተትቲ ዑቕባ (COA) መዕቆቢ ቦታታት ክትጸንሕ ኢኻ። ሓደ ሓደ ግዜ ኣብቲ ንቡር መዕቆቢ ቦታታት እኹል ቦታ የለን። በዚ ድማ ምናልባት ኣብ ሓደ ግዝያዊ መዕቆቢ ንኽትጸንሕ ክትግደድ ትኽእል ኢኻ። ናይ ዑቕባ ሕቶኻ እንተድኣ ጸዲቑ ኣብ ኔዘርላንድ ክትጸንሕ ትኽእል ኢኻ። ብድሕሪኡ ድማ ገዛ ንምርካብ ብቚዕ ትኸውን።

ኣብ እዋን ምዝገባኻ ኣብ ተር ኣፐል ኣብ ዝርከብ መቐበሊ ክትጸንሕ ኢኻ።

እዚ ማእከላይ መቐበሊ ቦታ ይበሃል። ኣብ ኔዘርላንድ 1 ማእከላይ መቐበሊ ቦታ ጥራይ እዩ ዘሎ። ኣብዚ እዋን እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ማእከላይ መቐበሊ ናይ ተር ኣፐል እኹል ቦታ የለን። ስለዚ ድማ ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ እዋን ምዝገባ ኣብ Zoutkamp ናብ ዝርከብ

ትውሰድ። ምዝገባኻ ንምዝዛም ድማ ናብ ተር ኣፐል ወይ ቡደል ከም እትምለስ ይግበር።

ድሕሪ ምምልካት ዘሎ ጻንሖትካ

ኣብ ፖሊስ (

) ድሕሪ ምምዝጋብካ ኣብ ኔዘርላንድ ኣብ ካልእ ቦታ ናብ ዝርከብ መዕቆቢ ክትውሰድ ኢኻ።
ድማ ኣድላዪ ምስ ዝኸውን ናብ
ንምኻድ መጓዓዝያ ከዋድደልካ እዩ። ካብን ናብን ዝተፈላለዩ መዕቆቢ ቦታታት ኔዘርላንድ ክትግዕዝ እውን ተኽእሎ ኣሎ።

ብሰንኪ ጻዕቂ ሰብ ኣብ ንቡር መቐበሊ ቦታታት እኹል ቦታ የለን። ስለዚ ሓደ ሓደ ግዜ ናብ ግዝያዊ መቐበሊ ክትውሰድ ኢኻ። ኣብቲ ግዝያዊ መቐበሊ ካብቲ ንቡር መቐበሊ ዝወሓደ መሳለጥያታት እዩ ዘሎ። ግዝያዊ መቐበሊ ቦታታት ክትቅይር ድማ ተኽእሎ ኣሎ።

ብዛዕባ ኣብ ግዝያዊ መዕቆቢ ምንባር ዝያዳ ኣብዚ ኣንብብ

ኣብ እዋን መስርሕ ዑቕባ ምናልባት ምስ ቤተሰብ ወይ ፈተውቲ ንግዚኡ ክትቕንይ ትኽእል ኢኻ። ብዛዕባዚ ዝያዳ ኣብዚ ኣንብብ።

እዞም ውድባት ኣብቲ መቐበሊ ማእከል ይርከቡ

ኣብቲ መቐበሊ መብዛሕትኡ ግዜ

ከምኡ እውን
ይርከቡ እዮም። ኣብ ግዝያዊ መቐበሊ ቦታታት ሓደ ሓደ ግዜ ልክዕ ከምቲ ኣብ ንቡር መቐበሊ ቦታታት ዝርከቡ ውድባት የለዉን።

ብዛዕባ እቲ መዕቆቢ እንተድኣ ዘይዓገብካ እዚ ክትገብር ትኽእል

ኣብዚ ገጽ ብመዕቆቢ ናይ COA ምስ ዘይትዓግብ እንታይ ክትገብር ከም እትኽእል ከተንብብ ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት ምስ COA ወይ ምምሕዳር ከተማ ክትዘራረብ፣ ጥርዓን ከተቕርብ ወይ ክትቃወም ትኽእል።

ከም ሓታቲ ዑቕባ ኣብ ኔዘርላንድ ገዛ ክትረክብ መሰል የብልካን

ኣብ ኔዘርላንድ ዝካረይ ገዛ ክትረክብ እትኽእል መንበሪ ፍቓድ ምስ ዝህልወካ ጥራይ እዩ። ስለዚ ናይ ዑቕባ ሕቶኻ ምስ ጸደቐ። ግን ሽዕኡ እውን እንተኾነ ገና ነዊሕ ግዜ ክወስድ ይኽእል እዩ። ምኽንያቱ ብዙሓት ገዛ ዝጽበዩ ሰባት ስለዘለዉ። ኔዘርላንዳውያን እውን። ስለዚ ኣብ ዝርዝር ተጸበይቲ ክትኣቱው ኢኻ። ገዛ ዘይብልካ ክሳብ ዝኾንካ ድማ ኣብ መዕቆቢ ቦታ ናይ COA ክትነብር ኢኻ። ዋላ ድሮ መንበሪ ፍቓድ ዘለካ ምስ እትኸውን እውን።

ድሕሪ መስርሕ ዑቕባ ጻንሖትካ

ድሕሪ መስርሕ ዑቕባ ናብ

ክትኸይድ ኢኻ። ናብ AZC እትኸይድ እንተድኣ፡

  • መንበሪ ፍቓድ ዝተቐበልካን መንበሪ ገዛ ንምርካብ ትጽበይ ዘለኻን ምስ እትኸውን። ምምሕዳር ከተማ ገዛ ክሳብ ዝረኽበልካ ድማ ኣብቲ መቐበሊ ንኽትጸንሕ መሰል ኣለካ።

  • ኣብ ዝተናውሐ መስርሕ ዑቕባ (VA) እንተሃሊኻ።

  • IND ንዘመልከትካዮ ዑቕባ ዝነጸጎ ምስ ዝኸውን። ኣብቲ AZC ገና ን28 መዓልታት ክትጸንሕ ትኽእል ኢኻ።

ኣስተውዕል፡ ዕድሜኻ ካብ 13 ክሳብ 18 ዓመት ዝኾንካን ኣብ ኔዘርላንድ ወለዲ ወይ ኣለይቲ ዘይብልካን ዲኻ? ከምኡ ምስ ዝኸውን ናብ ፍሉይ መቐበሊ ቆልዑት ክትከይድ ኢኻ። ዕድሜኻ ትሕቲ 13 ዓመት ዝኾንካን ኣብ ኔዘርላንድ ወለዲ ወይ ኣለይቲ ዘይብልካን ዲኻ? ስለዚ ናብ ናባዪ ስድራ ትኸይድ።

ድማ ናባዪ ስድራ ከዋድደልካ እዩ።


እዚ ሓበሬታ እዚ ሓጊዙካ' ዶ?


ኣብዚ መድረኽ እትረኽቦ ሓበሬታ ካብ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት VluchtelingenWerk Nederland ዝመጸ ኮይኑ፣ ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር እዩ።
ምስ Contentful ብምትሕብባር