ናብ ኔዘርላንድ ምምጻእን ዑቕባ ንምርካብ ምምልካትን
ከም ስደተኛ ኣብ ኔዘርላንድ በጺሕካ። ብመሬት እንተድኣ ኮይንካ መጺእካ፣ ዑቕባ ንምሕታት ናብ ተር ኣፐል ክትከይድ ኣለካ። ብነፋሪት እንተድኣ ኮይንካ መጺእካ ድማ፣ ኣብቲ መዕርፎ ነፈርቲ ዑቕባ ትሓትት።
ሓበሬታ

ኣብ ወጻኢ ሃገር እንተሃሊኻ ኣብ ኔዘርላንድ ዑቕባ ክትሓትት ኣይትኽእልን ኢኻ
ኣብ ኔዘርላንድ ዘይኮነስ ኣብ ካልእ ሃገር ዲኻ ዘለኻ? ስለዚ ኣብ ኔዘርላንድ ዑቕባ ክትሓትት ኣይትኽእልን ኢኻ። ብኢንተርነት እውን ዑቕባ ክትሓትት ኣይትኽእልን ኢኻ።
ዓንቀጽ

ናብ ኔዘርላንድ ብነፋሪት ወይ ብጃልባ እንተድኣ መጺእካ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ Schiphol ዑቕባ ትሓትት
ብነፋሪት ብስኺፖል (Schiphol)፣ ብኻልእ ማዕርፎ ነፈርቲ ወይ ብወደብ ዲኻ ናብ ኔዘርላንድ ኣቲኻ? ናብ ኔዘርላንድ ንምእታው ዘኽእል ሕጋዊ ቪዛን ፓስፖርትን ድማ የብልካን ድዩ? ስለዚ ኣብኡ ኢኻ ዑቕባ እትሓትት። ብድሕሪኡ ኣብ ማዕርፎ ነፈርቲ ስኺፖል ኣብ ዝርከብ ዕጹው መዕቆቢ ኮይንካ ንዘመልከትካዮ ዑቕባ ትጽበይ።
ዓንቀጽ

ብቤልጅየም ወይ ብጀርመን ኣቢልካ ናብ ኔዘርላንድ ብመሬት እንተድኣ መጺእካ ኣብ ተር ኣፐል ዑቕባ ትሓትት
ኣብ ኔዘርላንድ በጺሕካ ዲኻ፣ ብመንገዲ ማዕርፎ ነፈርቲ ስኺፖል ወይ ብወደብ ድማ ኣይኮንካን ዲኻ መጺእካ? ስለዚ ዑቕባ ንኸተመልክት ኣብ ቁሸት ተር ኣፐል ናብ ዝርከብ ማእከል ምዝገባ ተጓዓዝ። ካብቲ ዘለኻዮ ቦታ ናብ ተር ኣፐል ብህዝባዊ መጓዓዝያ ክትጓዓዝ ትኽእል ኢኻ።
ዓንቀጽ

ኣብ ኔዘርላንድ ዑቕባ ምሕታት፡ መን ክሕግዘካ ይኽእል፣ ብኸመይ ትዳሎው፣ መርስሕ ዑቕባ' ኸ ከመይ ይመስል?
ኣብ ኔዘርላንድ ዑቕባ ትሓትት ኣለኻ። እዚ ኣገዳሲ ስጉምቲ እዩ። ኣብዘን ቪድዮታት እዚኣተን፡ ኣገባብ ዑቕባ ኣብ ኔዘርላንድ ብኸመይ ከም ዝሰርሕ፡ ዝምልከቶ ስጉምትታትን መን ከም ዝሕግዘካን ደረጃ ብደረጃ ንገልጽ።
ዓንቀጽ
ኣገባብ ዑቕባ ኣብ ኔዘርላንድ ብኸምዚ እዩ ዝሰርሕ
ስእላዊ መግለጺ