ናብ ኔዘርላንድ ምምጻእ
ከም ስደተኛ ኣብ ኔዘርላንድ በጺሕካ። ብመሬት እንተድኣ ኮይንካ መጺእካ፣ ዑቕባ ንምሕታት ናብ ተር ኣፐል ክትከይድ ኣለካ። ብነፋሪት እንተድኣ ኮይንካ መጺእካ ድማ፣ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ስኺፖል [Schiphol] ዑቕባ ትሓትት።
ቀንዲ ነጥቢታት
.

ብመሬት ምምጻእ
ከም ስደተኛ ናብ ኔዘርላንድ ብመሬት ትመጽእ። ዑቕባ ንምሕታት ድማ ናብ ተር ኣፐል ክትከይድ ኣለካ። ናብ ተር ኣፐል ብህዝባዊ መጓዓዝያ (ባቡርን ኣውቶቡስን) ክትከይድ ትኽእል ኢኻ።

ብነፋሪት ምምጻእ
ናብ ኔዘርላንድ ብነፋሪት መጺእካ። ዑቕባ ንምርካብ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ እንተድኣ ኣመልኪትካ፣ ውሳኔ ክሳብ ዝወሃብ ኣብ ጥቓ መዓርፎ ነፈርቲ ስኺፖል [Schiphol] ኣብ ዝርከብ ዕጹው መቐበሊ ማእከል ኮይንካ ክትጽበይ ኣለካ። ኣብዚ እንተበዝሐ ን28 መዓልታት ክትጸንሕ ኢኻ።