
ምንጪ፡ Flickr
ዓንቀጽ
ኣብ ወጻኢ ሃገር እንተሃሊኻ ኣብ ኔዘርላንድ ዑቕባ ክትሓትት ኣይትኽእልን ኢኻ
ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 6/30/2025 10:06 ቅ.ቀ.
ኣብ ኔዘርላንድ ዘይኮነስ ኣብ ካልእ ሃገር ዲኻ ዘለኻ? ስለዚ ኣብ ኔዘርላንድ ዑቕባ ክትሓትት ኣይትኽእልን ኢኻ። ብኢንተርነት እውን ዑቕባ ክትሓትት ኣይትኽእልን ኢኻ።
ዑቕባ ክትሓትት እትኽእል ኣብ ኔዘርላንድ ምስ እትህሉው ጥራይ እዩ
ዑቕባ ንምሕታት ብኣካል ኣብ ኔዘርላንድ ክትህሉው ኣለካ።
ኣብ ኣምስተርዳም ናብ ዝርከብ ማዕርፎ ነፈርቲ ስኺፖል ብነፋሪት ዲኻ መጺእካ?
ቅድመ-ኩነታት ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ
ኔዘርላንድ ካልእ ኤውሮጳዊት ሃገር ንዘመልከትካዮ ዑቕባ ከተመስርሖ ከም ዘለዋ ክትውስን ትኽእል እያ
ኣብ ተር ኣፐል ወይ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ስኺፖል ኣብ እትምዝገበሉ እዋን፣ ፖሊስ ብዛዕባ መንነትካን ኣባላት ስድራ-ቤትካን ሕቶታት ክሓቱኻ እዮም። ፖሊስ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ካልእ ኤውሮጳዊ ሃገር ተመዝጊብካ እንተኾንካ እውን ይምርምሩ። ከምኡ ምስ ዝኸውን እዛ ሃገር ምናልባት ንዘመልከትካዮ ዑቕባ ከተመስርሖ ኣለዋ።