ምንጪ፡ Flickr
ዓንቀጽ

ኣብ ወጻኢ ሃገር እንተሃሊኻ ኣብ ኔዘርላንድ ዑቕባ ክትሓትት ኣይትኽእልን ኢኻ

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 5/12/2026 19:47

ኣብ ኔዘርላንድ ዘይኮነስ ኣብ ካልእ ሃገር ዲኻ ዘለኻ? ስለዚ ኣብ ኔዘርላንድ ዑቕባ ክትሓትት ኣይትኽእልን ኢኻ። ብኢንተርነት እውን ዑቕባ ክትሓትት ኣይትኽእልን ኢኻ።

ዑቕባ ክትሓትት እትኽእል ኣብ ኔዘርላንድ ምስ እትህሉው ጥራይ እዩ

ዑቕባ ንምሕታት ብኣካል ኣብ ኔዘርላንድ ክትህሉው ኣለካ። ኣብ ቁሸት ተር ኣፐል ኣብ ዝርከብ ማእከል ምዝገባ ድማ ዑቕባ ትሓትት።


ኣብ ኣምስተርዳም ናብ ዝርከብ ማዕርፎ ነፈርቲ ስኺፖል ብነፋሪት ዲኻ መጺእካ? ስለዚ ኣብ ተር ኣፐል ዑቕባ ኣይትሓትትን ኢኻ፣ የግዳስ ኣብቲ ማዕርፎ ነፈርቲ ኢኻ ኣብ ኔዘርላንድ ዑቕባ እትሓትት።

ቅድመ-ኩነታት ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ

ኣብ ኔዘርላንድ ኣብ ትሕቲ ዝተወሰኑ ቅድመ-ኩነታት ዑቕባ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND) ድማ ነቶም ቅድመ-ኩነታት ተማልእ ምዃንካን ዘይምዃንካን ክግምግም እዩ። ብድሕሪኡ እውን IND ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ A ወይ B ክትቕበል ምኻንካን ዘይምዃንካን ይውስን።

ኔዘርላንድ ካልእ ኤውሮጳዊት ሃገር ንዘመልከትካዮ ዑቕባ ከተመስርሖ ከም ዘለዋ ክትውስን ትኽእል እያ

ኣብ ተር ኣፐል ወይ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ስኺፖል ኣብ እትምዝገበሉ እዋን፣ ፖሊስ ብዛዕባ መንነትካን ኣባላት ስድራ-ቤትካን ሕቶታት ክሓቱኻ እዮም። ፖሊስ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ካልእ ኤውሮጳዊ ሃገር ተመዝጊብካ እንተኾንካ እውን ይምርምሩ። ከምኡ ምስ ዝኸውን እዛ ሃገር ምናልባት ንዘመልከትካዮ ዑቕባ ከተመስርሖ ኣለዋ። 

መስርሕ ዱብሊን

ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND) ንዘመልከትካዮ ዑቕባ ካልእ ኤውሮጳዊት ሃገር ከተመስርሖ ከም ዘለዋ ክውስን ይኽእል እዩ። ከምኡ ምስ ዝኸውን ድማ ናብ መስርሕ ዱብሊን ትኣቱው። መስርሕ ዱብሊን ብኸመይ ከምዝካየድ ዝያዳ ኣብዚ ኣንብብ።

እዚ ሓበሬታ እዚ ሓጊዙካ' ዶ?


ኣብዚ መድረኽ እትረኽቦ ሓበሬታ ካብ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት VluchtelingenWerk Nederland ዝመጸ ኮይኑ፣ ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር እዩ።
ምስ Contentful ብምትሕብባር