ገንዘብ

ኣብ ኔዘርላንድ ንመስርሕ ዑቕባኻ ትጽበይ ምስ እትህሉው፣ ካብ መንግስቲ ገንዘብ ክትረክብ መሰል ኣለካ። እዚ ድማ ናይ መግብን መነባብሮን ኣበል ይበሃል። እዚ ካብ መንግስቲ እትረኽቦ ዓይነት ጥቕሚ ወይ ካሕሳ እዩ። እዚ ብኸመይ ከም ዝሰርሕን ብዛዕባ ካልኦት ፋይናንሳዊ ጉዳያትን ኣብዚ ኣንብብ።

መርሓ ውጥን (1)

ሓበሬታ

ኣብ ጸብጻብ ቅብሊት ደሞዝካ እንታይ ይርከብ?

ስራሕ ዘለካን ነፍስወከፍ ወርሒ ትኽፈልን እንተድኣ ኮይንካ፣ ተቖጺርካ እትሰርሕ ሰራሕተኛ ኢኻ። ስለዚ ድማ ኣብ ነፍስወከፍ ወርሒ ካብ ኣስራሒኻ ጸብጻብ ቅብሊት ደሞዝካ ክትቕበል ኢኻ። እዚ ደሞዝካ ብኸመይ ከም ዝቖመ ሓፈሻዊ ርድኢት ይህበካ። እዚ ጸብጻብ ቅብሊት ደሞዝ፣ ክንደይ ደሞዝ ከም እትቕበል ጥራይ ዘይኮነስ፣ ክንደይን ናይ ምንታይን ግብሪ ከም እትኸፍል እውን ዘርእይ እዩ። ኣብ ጸብጻብ ቅብሊት ደሞዝካ እንታይ ካልእ ነገራት ከም ዝርከብን፣ እዚ ንምንታይ ኣገዳሲ ምዃኑን ኣብዚ ዓንቀጽ ከተንብብ ኢኻ።

ዓንቀጽ

ኣብ ኔዘርላንድ ዑቕባ ምስ እትሓትት ናይ መነባብሮን መግቢን ኣበል

ናይ መስርሕ ዑቕባኻ ውሳኔ ገና ትጽበይ ዲኻ ዘለኻ፣ ከምኡ እውን ኣብ መዕቆቢ ቦታ AZC ዲኻ ትነብር? ስለዚ ካብ መንግስቲ ኔዘርላንድ ሰሙናዊ ንመግብን መነባብሮን ዝኸውን ገንዘብ ትቕበል። ነዚ ገንዘብ ድማ ሰሙናዊ ካብ ሰራሕተኛታት ናይ መዕቆቢኻ ትረኽቦ።

ዓንቀጽ

ናብ መርበባት-ሓበሬታ ናይ መንግስቲ ኔዘርላንድ ንምእታው DigiD ኣመልክት

ኣብ ኔዘርላንድ ብዙሕ ውልቃዊ ጉዳያት ብኢንተርነት ከተዋድድ ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት ምስ መንግስቲ ኔዘርላንድ። ወይ ንመድሕን ጥዕናኻ ወይ ንጡረታኻ ብዝምልከት። ነዚ ንምግባር ድማ DigiD የድልየካ። ኣብዚ ዓንቀጽ DigiD እንታይ ምዃኑን፣ ነዚ ንምርካብ ብኸመይ ከም እተመልክትን ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ዓንቀጽ

ብዛዕባ ብኢንተርነት ወይ ብቴሌፎን ዝካየድ ምትላል ክትፈልጦ ዘለካ

ብኢ-መይል፣ ዋትስኣፕ፣ ተሌፎንን መልእኽቲ ተሌፎንን ዝግበር ምትላል ቀጻሊ ብብዝሒ የጋጥም እዩ። ገበነኛታት፣ ገንዘብ ንኸተመሓላልፈሎም ወይ ኣገደስቲ ውልቃዊ ሓበሬታታት ንኽትህቦም ምእንቲ፣ ብናይ ሓሶት መልእኽቲ ከታልሉኻ ይፍትኑ እዮም። ግዳይ ምትላል ንኸይትኸውን እንታይ ክትገብር ከም እትኽእል ኣብዚ ኣንብብ።

ዓንቀጽ

ኣብ እዋን መስርሕ ዑቕባኻ ኣብ ኔዘርላንድ ጡረታ ክትረክብ መሰል የብልካን

ሓታቲ ዑቕባ ዲኻ፣ ኣብ ቀረባ እዋን ድማ 67 ዓመት ክትመልእ ዲኻ? ወይ ዕድሜኻ ድሮ 67 ዓመት ወይ ልዕሊኡ ድዩ? ስለዚ ኣብ ኔዘርላንድ ዝርከቡ ሰባት ጡረታ ኣብ ዝረኽብሉ ዕድመ ኢኻ እትርከብ። እንተኾነ ግን ዳርጋ ሕጂ ናብ ኔዘርላንድ ስለ ዝመጻእካ ጡረታ ክትረክብ መሰል የብልካን። ናይ መነባብሮ ኣበል ግን ትረክብ ኢኻ።

ዓንቀጽ

ነዚ መርበብ-ሓበሬታ ዝኸውን ምኽሪ ኣለካ ድዩ?

ምኽርታትካ RefugeeHelp ነቲ መርበብ-ሓበሬታ ንኸመሓይሾ ይሕግዝዎ እዮም። ገና እንታይ ከም ዝጎደለካ ወይ ክትረኽቦ ከም ዘይከኣልካ ሓብረና። ኣስተውዕል፡ እዚ ቅጥዒ ንውልቃዊ ሕቶታት ዝዓለመ ኣይኮነን። መልሲ ኣይክትረክብን ኢኻ።

ኣስተውዕል፡ እዚ ቅጥዒ ንውልቃዊ ሕቶታት ዝዓለመ ኣይኮነን። መልሲ ኣይክትረክብን ኢኻ።


ኣብዚ መድረኽ እትረኽቦ ሓበሬታ ካብ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት VluchtelingenWerk Nederland ዝመጸ ኮይኑ፣ ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር እዩ።
ምስ Contentful ብምትሕብባር